7ተ ምስጢራተ ቤት ክርስትያን
21. 7ተ ምስጢራተ ቤት ክርስትያን
፠ምስጢራተ ቤት ክርስትያን ክንብል
ከለና ልክዕ ከምቲ ምስጢርካ ንፈታዊኻ ወይ ንቀረባ ዘመድካ እንተዘይ ኮይኑ ንኻልእ ዘይንግር፣ ቤት ክርስትያን ከኣ ንቀረባ ዝኾኑ
ከምኡ ውን ብጥምቀት ውልድነትን መንፈስ ቅዱስ ንዝረኸቡ ኣመንቲ[ምእመናን] ክርስትያን ጥራሕ ዝግለጽ [ዝፍጸም] ብዝረኣዩ ዓበይቲ
መልእኽትታት ተተግቢሩ ክንሱ ዘይረኣይ መለኮታዊ ስጋ ዘውህብ[መንፈሳዊ ሓይሊ] ንምትግባር ንምፍጻም ንምብራኽ ንምቅዳስ ስልጣን ብዝተዋህቦም
ክህነት እግዚኣቢሄር ጥራሕ ዝፍጸም ዘይረኣይ መለኮታዊ ጸጋ ዘውህብ ማለት እዩ።
፠እዞም ሸውዓተ ምስጥራተ ቤት
ክርስትያን ምስጢር ዝተባህልሉ ምኽንያት ኣብ`ዚ ላዕሊ ከም ዝረኣናዮ በዞም ሰለስተ እዮም፣ ንሳቶም ካ ዶጉማ፣ቆኖና፣ትውፊት እዮም፣-
1ይ. ቤት ክርስትያን ንዝኣምኑ
ደቃ ጥራይ እትፍጽመሎም ምካና።
2ይ. እዞም ምስጢራት ዋላካ ብኣዒንቲ
[ብዓይኒ] ዝረኣዩ ዓበይቲ መለኸታት እንተ ተፈጸሙ ብርቀት መንፈስ ቅዱስ ክልወጡ ከለዉ ስለ ዘይረኣዩ።
3ይ. መእመናን ንናይ መንፈስ
ቅዱስ ጸጋ ክቕበልዎም ብዓበይቲ ምልኽታት ብግብሪ ኣምላኻዊ [ብናይ ኣምላኽ ስራሕ ምካኑ እዩ]።
፠ንምንታይ ሸውዓተ ኮይኖም፣- 1ይ. ጥብብ ቤታ ሓነጸት ሽውዓተ
ዓንዲ ድማ ኣቆመት፣ ካብ ዝብል ቃል እዩ። ምሳ.9፡1.
2ይ. ናይ ሰብ ተፈጥሮ ካብ ሸውዓተ
ባህርያት ስለ ዝኾነ እዩ፣ ንሳቶም ድማ 3ተ ባህርያተ ነፍሲ 4ተ ባህርያተ ስጋ እዮም።
3ይ. ሽውዓተ ብእብራውያን ናይ
ፍጹምነት ምልእኽቲ እዩ።
4ይ. ሊቃነ መላእኽቲ ሸውዓተ
እዮም።
5ይ. ናይ ቤት ክርስትያና ማዕርጋት
ድማ ሸውዓተ እዮም።
6ይ. ኣጽዋማት ቤት ክርስትያን
ሽውዓተ እዮም።
7ይ. እስራኤላውያን ንእያርኮ
ክፍርስዋ ከለው እግዚኣቢሄር ሸውዓተ ግዜ ክዘርዋ ኣዚዝዎም እዩ። ካብቶም ሽውዓተ ምስጢራት ቤት ክርስትያን ዝድገሙን ዘይድገሙን፣-
ዝድገሙ
ዘይድገሙ
|
ምስጢረ ቁርባን ምስጢረ ጥምቀት
|
ምስጢረ ንስሓ ምስጢረ ክህነት
|
ምስጢረ ቄንዴል ምስጢረ ተኽሊል/መርዓ
|
ምስጢረ ሜሮን
|
|
Kommentare
Kommentar veröffentlichen