ምስጢረ ቁርባን ስለ ምንታይ


19.ምስጢረ ቁርባን

ቁርባን፣- ኣብ ቡሉይ ኪዳን ናብ ኣምላኽ ዝቀርብ መንፈሳዊ ኣምሃ፡መስዋእቲ፡ሞባእ እዩ።ዘፍ.14፡18. ዘጸ.12፡1-12. ኣብ ሓዱሽ ኪዳን ግና ቁርባን ዝበሃል ናይ ጎይታናን መድሃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ቅዱስ ስጉኡን ክቡር ደሙን እዩ።‘‘ስጋይ ዝበልዕ ደመይ ውን ዝሰቲ ናይ ዘልኣለም ህይወት ኣላቶ።‘‘ዮሓ.6፡54. ክበልዑ ከለዉ ኢየሱስ ክርስቶስ እንጌራ ኣልዓለ ኣመስጊኑ ቖሪሱ ነቶም ደቀ መዛሙርቱ እዚ ስጋይ እዩ እንኩም ብልዑ እናበለ ሃቦም። ጽዋእ ኣልዒሉ ድማ ኣመስጊኑ እዚ ምእንቲ ብዙሓት ንሕድገት ሓጥያት ዝፈስስ ዘሎ ናይ ሓዱሽ ኪዳን ደመይ እዩ እሞ ካብዚ ኩሉ ኹም ስተዩ እናበለ ሃቦም። ‘‘ማቴ.26፡26-28. 1ይ ቆሮ.11፡23-32. ዮሓ.6፡25-29.

                 ጠቅሚ ቅዱስ ቁርባን

‚‘‘ስጋይ ዝበልዕ ደመይ ውን ዝሰቲ ናይ ዘልኣለም ህይወት ኣላቶ‘‘። ዮሓ.6.54. ስለዚ ናይ ዘልኣለም ሂወት ምእንቲ ክህልወና ከምኡ ውን ብዝግባእ ትእዛዛቱ እንተሓሊና ምስ እግዚኣቢሄር ንኽንነብር እዩ።

1.፠ክበልዑ ከለው ኣብ 13ተ ቆሪሱ ባሪኹ ሃቦም። ኣብ 13ተ ምቁራሱ ድማ ነቶም 13ተ ሕማማተ መስቀል ንኽገልጽ እዩ። ንሳቶም ድማ እዚኦም እዮም

13ሕማማተ መስቀል ዝበሃሉ

1,  ኣክሊለ ሶክ         2,ተኮርዖ ርእስ                   3, ተጸፍኦ መልታሕት

 4ተወክፎ ምራቕ         5 ሰተየ ሓሞት                6, ተኣስሮ ድሕሪት

7ተቀስፎ ዘባን            8,ጸዊረ  መስቀል               9, ሳዶር

10, ኣላዶር                 11, ዳናት                 12,ኣዴራ           13,ሮዳስ

እቶም ሓሙሽተ ቅንዋተ መስቀል ዝበሃሉ ድማ እዚኦም እዮም፣- ሳዶር፤ ኣላዶር፤ ዴናት፤ ኣዴራ፤ ሮዳስ እዮም። (ማቴ.26-28)

ሕቶ፣- ንመዘከርታይ ግበርዎ። ሉቃ.22፡19.

መልሲ፣- እዚ ማለት ሕማሙ ፡ስቕለቱ፡እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝወረደ መከራ፡ትንሳኤኡ፡ዳግማይ ምጽኣቱ እንዳዘከርና ክንቆርብ ከም ዘለና ንኸርድኣና ደኣ እንበር ካልእ መልእኽቲ የብሉን።

መጠቓለሊ፣- ናይ ዘለኣለም ህይወት ንምውራስ ነቲ ስርናይ ወይንን ኣማናዊ/ሓቐኞ/ስግኡን ደሙን ገይሩ ብዕለተ ሓሙስ ንሓዋርያት ዝሃቦም ንሕና ድማ ሞቱ እናዘከርና ርእሰና መርሚርና ብምውሳድ ናይ ዘለኣለም ህይወት ተኻፈልቲ ክንከውን ንኽእል።

 ቅድሚ ቅዱስ ቁርባን ምቅባልናን ድሕሪ ቅዱስ ቁርባን ምቅባልናን ክንገብሮ ዝግበኣና.

፠ ቅድሚ ቅዱስ ቁርባን ምቅባልና፣- ክንሳሕ ክንነጽህ ኣለና።‘‘እምበኣር ሰብ ካብዚ እንጌራ እዚ ቅድሚ ምብልዑ ካብዚ ጽዋዕ እዚ ቅድሚ ምስታዩ ርእሱ ይመርምር። 1ይ ቆሮ.11፡23-32. ሰብ ሕጊ/ሓዳር ማለት ሰብ ሓዳር ካብ ስጋዊ ርክብ ን3ተ መዓልቲ ይኽልከሉ። ከምኡ ውን 18 ሰዓት ይጸውም፡ኣብ ውሽጢ እዚ ሰዓታት እዚ ናብ ኣፍካ ዝኾነ ይኹን ክኣቱ የብሉን። ከምኡ ውን ዕንቅፋት እንተኣጋጠሞ ድማ መዓልቲ ቀይሩ ይቆርብ። ንኣብነት፣- ወዲ ተባዕታይ ብሕልሚ ዘርኡ እንተኣፍሲሱ፡ ጋል ኣንስተይቲ ድማ ወርሓዊ ጽግያት እንተመጻ ምድማይ፡ ቁስሊ እንተኣጋጠማ ። ሓራስ እንተ ኾይና ድማ ክሳብ 40/80 መዓልቲ ትጸንሕ።

፠ድሕሪ ቅዱስ ቁርባን ምስተቀብልና፣- ሰብ ሕጊ/ማለት ሰብ ሓዳር ን2ተ መዓልቲ ካብ ስጋዊ ርክብ ይኽልከሉ።

፠ከምኡ ውን እቲ ዝተቀበልካሉ መዓልቲ ጥፍ ኣይበሃልን፡ ጽፍርኻን ጸጉርኻን ምቁራጽን ልብስኻ ማለት ክዳንካ ምቅያርን ኣይፍቀድን ምኽንያቱ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ስለ ዝተቀበልካሉ።

፠ ኣብ`ዚ ሕካ ምብላዕ መግቢን ምስታይን ጽቡቅ ኣይኮነን እዚ ውን ክሕመና ከምልሰና ስለ ዝኽእል እዩ።

፠ማይ ምሓዝ[ምሕጻብ] ኣይፍቀድን ምኽንያት ቅዱስ ቁርባን ካብ ኩሉ ሓጥያትና የንጸሃና ምኻኑ ንምዝካር እዩ። 1ይ ዮሓ,1፡7. ሰላም ምባልን ኣይፍቀድን እዩ ብሕጊ ቤት ክርስትያና። ቅድሚ ቅዱስ ቁርባን ምውሳድካ ውን 2ተ ሰሙን ክተርፎ ኸሎ ምስ ኣበነብስኻ ተራኸብ ምኽሪ ውሰድ።
፠ርሒቅ መንገዲ ውን ኣይክየድን እዚ ማለት ግን ከይትዕንቀፍ እሞ ደም ከይትወጽእ፣ ከምኡ ውን ከይትርህጽን እዩ።

Kommentare

ዝተፈትዉ ጽሑፋት

ስነ-ፍጥረት

እምነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶን[ትርጉም ሽም ኦርቶዶክስ ተዋህዶን]።

ምስጢረ ክህነት እንታይ ማለት እዩ

7ተ ምስጢራተ ቤት ክርስትያን