ስነ-ፍጥረት
45. ስነ-ፍጥረት
1.፠እዚ
መጽሓፍ እዚ ካብ ዝፍጠር ጀሚሩ እግዚኣቢሄር ብዝገለጸሎም ነብያት ተፈሊጡ እተነግሩ ካብ ዘመነ ሙሴ ካልኦት ውን ካብ ነብያት ዝጸሓፍዎ
እዩ። ባዕሉ ጎይታ ውን ሰብ ኮይኑ ኣብ ዚምድሪ እናተማለለሰ ወንጌል ንምምሃር ናይ ሰማያትን ምድርን ፈጣሪ ምኻኑ ብብዓይነቱ ኣምላኻዊ
ተኣምራት ብምግባር ኣረዲኡ ኣሎ። ዮሓ,4፡10-12. ብድሕሪኡ ውን ሓዋርያት
72ተን ኣርድእትን ብብግዚኡ ዝነበሩ ሊቃውንቲ ውን ናይ ስነ-ፍጥረት ነገር ኣስፊሖምን ኣብሪሆምን ኣለዉ። ‚‘‘ዘበቱ ኩሉ ኮነ ወዘእንበለሁሰ እልቦ ዘኮነ ወኢምንትኒ‘‘። ዮሓ,7፡3. ፍላስፋታት
ውን እንተኾኑ ጎይታ ከይገለጸሎም ዝኾነ ምግባር ኣይከኣሎምን እዩ። ‚‘‘ወዘእን በሌየስ ኣልቦ
ዘትኸሉ ገበረ ወኢምንትኒ‘‘ በዘይ ብኣይስ ሓንቲ ነገር እካ ክትገብሩ ኣይትኸኡሉን ኢኹም። ዮሓ,15፡5.
2.፠ዕላማ ስነ-ፍጥረት፣-/ኣርባዕተ ዕላማታት/
፨ሰብን መላእኽትን
ስሙ ንምምስጋንን ኩቡሩ ንምውራስን ተፈጥሩ። ካልእ ዝተፈጥሩ ፍጥረታት ግን ንመደነቅታን ንመዘከርታን ንምግብን ስጋን ንምግብ ነፍስን
ፈጠሮ። ኢሳ,43፡7-8. ከምኡ ውን ህላዊኡ ንኽንርዳእ ዝተፈላለዩ ፍጥረታት
ፈጠረ። ግብ,14፡17. ኢዩ,12፡7-10. ንትምህርቲ ውን ነቶም ካልኦት
ፍጥረታት ፈጠሮም።
3.፠3ተ መንገዲ ኣፈጣጥራ ስነ-ፍጥረት፣-
[1], ብሓልዮ [ብምሕሳብ] ብሓሳብ] እቲ ሰማይን፡ ምድርን፡ መላእኽቲ፡ ኣርባዕተ ባህርያት [መሬት፡ ማይ፡
ንፋስ፡ ሓዊን]።
[2], ብነቢብ [ብምዝራብ] ብርሃን።
[3], ብገቢር [ብምስራሕ፡ ብተግባር]፣- ኣቦና ኣዳም= እቲ ዝኸበረ ስነ-ፍጥረት ዩ።
=እግዚኣቢሄር ካብ ሰንበት እሁድ
ክሳብ ዓርቢ ዝፈጠሮም ፍጥረታት ሓደ ብሓደ እንተ ዝቑጸር ፍጡር ቆጺሩ ኣይምወደኦን። እንታይ ደኣ ካብ ብዙሕ ሓደ ሓደ እንዳበልና
እንተ ተቆጽረ ግን 22ተን እዮም። ኩፋሌ,3፡9. ነብየ እግዚኣቢሄር ሙሴ
ን22ተን ኣርእስተ ኣበው ምሳሌ ጌሩ ተዛሪብዎ ኣሎ። ንሳቶም ከኣ፣- ኣዳም፡ ሴት፡ ሄኖስ፡ ቃይናን፡ ምሳሌኤ፡ ያሬድ፡ ሄኖክ፡ ማቱሳላ፡
ላሜን፡ ኖህ፡ ሴም፡ ኣርፈከሰድ፡ ሳላህ፡ ኤቦር፡ ፍሌቅ፡ ራግው፡ ሴሩሕ፡ ናኮር፡ ታራ፡ ኣብርሃም፡ ይሳሓቅ፡ ያዕቆብ፡ እዮም።
ናይ እሁድ[ሰንበት] ስነ-ፍጥረት
፠እሁድ፣-ማለት
መጀመርታ ማለት እዩ። ‚‘‘በቀዳሚ ገበረ እግዚኣቢሄር ሰማየ ወምድረ‘‘/ኣምላኽ ብመጀመርያ ሰማይን ምድርን ፈጠረ። ዘፍ,1፡1.
፠ናይ ሰንበት
ፍጥረታት 8ተ እዮም። ንሳቶም ከኣ፣- ሓዊ[እሳት]፡ ንፋስ፡ ማይ፡ ሓመድ[ሜሪት]፡ ጸልማት፡ ሰማያት፡ መላእኽቲ፡ ብርሃን እዮም።
ዘፍ,11.
፠‘‘ነዞም 4ተ ባህርያት ንምንታይ ፈጠሮም፣-
[1], ሃብቲ ብመሬት ይምሰል፣ ማቴ,10፡12.
ምኽንያቱ ኣብ መሬት ንበልዖን ንሰትዮን ስለ ዝርከብ።
[2], ርህራሄኡን ሂያውነቱን ብማይ ይምሰል፣- ማይ ዝረሰሐ
ነገራት ከም ዘጽሪ ጎይታ ኸኣ ሰብ ዝሰረሐ ሰሪሑ ጎይታይ መሓረኒ ኢሉ ንዝንሳሕ ይምሕር።
[3], ክእለቱ ብእሳት ይምሰል፣- እሳት ብዝቃጸል
ግዜ ምቁጽን ርሑሱን የቃጽል ገደል ወይ ቀላይ እንተዘይ ከልኪልዎ ብዝሕ ከቃጽል ይኽእል ዩ። ጎይታ ከኣ ህያውነቱን ርህራሄኡን እንተዘይ
ከልኪልዎ ንኹሉ ከጥፍእ ይኽእል።
[4], ፍርዱ ብንፋስ ይምሰል፣- ንፋስ እኽልን
ሓሰርን ይፈላሊ። ጎይታ ከኣ ጻድቃን ካብ ሓጥኣን ይፈላሊ። ንምእመናን ካብ መናፍቃን ይፈላሊ። ማቴ,25፡32.
1.፠ማቴ,3፡12. 7ተ ሰማያት ዝበሃሉ፣-
[1], ጽርሓ ኣርያም
[5], ኢዮር
[2], መንበረ መንግስት
[6], ራማ
[3], ሰማይ ውድድ
[7], ኤረሮ
[4], ኢየሩሳሌም ሰማያዊት
፠ዓለም ካብ
ትፍጠር ክሳብ ሕጂ 7511 ሸውዓተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ዓሰርተ ሓደን ጌራ ኣላ እዚ ካብ ብግእዚ ኣቆጻጽራ እዩ ኣብዚ ሕጂ
2011 ኣለና ብግእዝ እና ቀጸለ ይኸይድ።
ናይ ሰኑይ ስነ-ፍጥረት
፠‘‘ኣምላኽ
ድማ ንማያት ካብ ማያት ዝፈሊ ጠፈር ኣብ መንጎ ማያት ይኹን በለ፡ ከምኡ ውን ኮነ በለ። ዘፍ,1፡6.
፠ብመጀመርታ
እግዚኣቢሄር ንምድሪ ኣዳለዋ ምኽንያቱ ምድሪ ብማይ ክሳብ በርህ ሰማይ ተሸፊና ስለ ዝነበረት፣ ነቲ ማይ ናብ ሓደ ዊቃኖስ ኣከቦ
ነቲ ማይ ውን ኣብ ሰለስተ ከፈሎ ሓደ ኢድ ኣብ ልዕሊ እዚ ዓለም ኣስፈሮ ንሱ ድማ ሃኖስ ይበሃል ሓደ ኢድ ከኣ፣- ‚‘‘ለይኩን
ጠፈር ማእከለ ማይ‘‘ ኢሉ ኣብ ማእከል ኣቆሞ። እዚ ንርእዮ ሰማይ[ጠፈር] ማይ እዩ። በዚ መዓልቲ እዚ ውን መላእኽቲ በበትኦም
ዝሓዙሉ እዩ። ኣርባእቱ እንስሳ ኣብ ሰማይ ውዱድ 24ተን ሊቃነ መላእኽቲ ካህናተ ሰማይ ኣብ ዝርያ መንበሩ ክንፊ ንኽንፊ ኣተሓሒዙ
ኣቆሞም ናይ ብርሃን ኣኽሊል ደፍኣሎም፣ ናይ ብርሃን መስቀል ኣትሓዞም፡ ናይ ብርሃን ማዕጠንት ወርቅ ኣጨበጦም ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ
ብምባል መመስገንቲ ገበሮም።
ናይ ሰሉስ
ስነ-ፍጥረት
፠‘‘ኣምላኽ
ድማ ምድሪ ብቅሊ ማለት ከከም ዓይነቱ ዘርኢ ዘለዎ ፍረዝፈሪ ኣእዋም ተውጽእ በለ‘‘። ዘፍ,1፡11.
ናይ ሰሉስ ስነ-ፍጥረት 3ተ እዮም። ንሳቶም ከኣ፣- ኣእዋም፡ ኣዝርእት፡ ኣትክልቲ እዮም። ናይ ሰሉስ ኣፈጣጥራ እግዚኣቢሄር ኣምላኽ
መጀመርታ ኣደላደለ ቀጺሉ ውን ፈጠረ። ኣምላኽ ከኣ ነቲ ንቁጽ መሬት ምእንቲ ክርአስ እቲ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ዘሎማያት ናብ ሓንቲ
ይተኣከብ በለ። ነቲ ንቁጽ መሬት የብስ ወይ ደረቅ ኢሉ ሰመዮ፡ ነቲ እኩብ ማያት ድማ ባሕሪ ኢሉ ሰመዮ። ዘፍ,1፡9. ባሕሪ ማለት ድማ ዓሚቅ ማለት እዩ። ነቲ ዝተረፈ ማይ ኣውጺኡ ከኣ ኣብ
ዊቃኖስ ዝሩያ ኣስፈሮ። መዝ,109፡9. መዝ,136፡6. ኢዮ,38፡6.
፠እዚ ብምግባር 20 ዓለማት ፈለየ ንሳቶም ከኣ፣-
፠9ተ ዓለመ እሳት
፠4ተ ዓለመ ማይ
፠2ተ ዓለመ ንፋስ
፠5ተ ዓለመ መሬት እዮም።
።5ተ ዓለማተ መሬት ዝበሃሉ፣-
[1], ምድረ ገነት
[4], ምድረ ፍዳ ወይ እዛ ንሕና ዘለናያ ዓለም
[2], ቢሄረ ሂያዋን [5], ምድረ ባርባሮስ እዮም።
[3], ቢሄረ ቡጽኣን
፠ነዚ ኩሉ
ምስ ገበረ ምድሪ ከም ሒላብ ወይ ከም ሰፍነግ መሲላ ረኣያ እሞ ‚‘‘ምድሪ በበዓይነቱ ዘርኢ ተውጽእ‘‘በለ። ዘፍ,1፡11
፠ምድሪ ብፋስ
ዝቁረጽ ኣእዋምን ብማዕጺድ ዝዕጸድ ኣዝርእቲን፡ ብኢድ ዝእረዩ ፍረታት ውይ ከኣ ኣትክልቲ ኣውጽእት። ፍጥረት ኩሉ ካብ ሰንበት ዝወጸ
የለን እንታይ ደኣ ኣመሓዲሩ ኣደላዲሉ ማለት እዩ።
፨ኣዴና ማርያም
ብናይ ግራት ሰሉስ እንምስላ እምበኣር እዛ መሬት ኢዝኣ ብዘይ ዝኾነ ዘርኢ ምብቃላ። ከምኡ ውን ኣዴና ማርያም ውን ብዘይ ዘርኢ
ናይ ሰብኣይ ንጎይታናን መድሃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብሕቱም ድንግልና ምውላዳ እዩ እቲ ካብኣ ዝተወልደ ውን ብሩኽ ፍረ እዩ ምኽንያቱ
ንዓለም ምሉእ ዝኸውን ናይ ሂወት ሕብስቲ እዩ ዘርኢ ከይተዘርኣ ፍረ ሂወት ዘፍረኺ ኢኺ ውዳሴ ማርያም ናይ ሰሉስ ። ከምኡ ውን
ብሰሉስ ምስጢረ ስጋዌ ነገረና።
ናይ ረቡዕ ስነ-ፍጥረት
፠እግዚኣቢሄር
2ተ ዓበይቲ ብርሃናት ፈጠረ፡ እታ ዓባይ ዝተባህለት ጸሓይ ብመዓልቲ፡ እታ ንእሽቶ ዝተባህለት ወርሒ ብለይቲ ምስ ኮባኽብቲ ከም
ዘብርሁ ገበረ። ዘፍ,1፡16.
፨ረቡዕ ማለት
ብፍጥረት ራብዓይ መዓልቲ ኢዩ። በዚ ዕለት`ዚ ጸሓይን፡ ወርሕን ኮባኽብትን ፈጠረ። ዕላማ መፍጠሪኤን ከኣ ጸልሚትዎ ዘይኮነስ ንወዲ
ሰብን ኣብዚ ዓለም`ዚ ብዝርከብ ፍጥረታትን ከብርሁዎም ከምኡ ውን ንለይቲን መዓልትን ምፍላይ። ን4ተ ኣዝማናትን[መኣዝን]፡ ን7ተ
ዕለታት ብወርሕን ዓመታትን ተፈጥራ። ኣፈጣጥረኤን ድማ ካብ ብርሃን ክንዲ ስርናይ ትኣክል ወሲዱ ኣብ 7ተ ከፈሎ። እቲ 6ተ ኢድ
ንጸሓይ ቀበኣ። እቲ ዝተረፈ ሓደ ኢድ ድማ ኣብ 7ተ ከፈሎ እቲ 6ተ ኢድ ንወርሒ ቀበኣ። እቲ ዝተረፈ ሓደ ኢድ ድማ ንኾባኽብቲ
ቀበኦም። ሄኖ,22፡4. 1ይ ቆሮ,15፡41.
፨ኣፈጣጥራ
ጸሓይ ከብ እሳትን ንፋስን ኢዩ። ሄኖ,21፡10. ወርሒን ኮባኽብትን ድማ
ካብ ማይን ንፋስን እዩ። ጽሓይ ብምዕራብ ኣትያ፡ ብሰሜን ዘይራ ብምብራቕ ትበርቕ ብመዓልቲ ድማ ሰልጢና ትውዕል። ወርሒ ከኣ ብምብራቕ
ወጽያ ከተብርህ ትሓድር ኮባኽብቲ ውን ምስኣ ከብርሁ ይሓድሩ። ወርሒ ብርሃና እና ነከየ ይኸይድ፡ ፈጺማ ምስ ጠፈአት ንወርሒ ሰለዳ
ብዘይ ብርሃን ይተርፍ ብድሕሪኡ ምስ ጸሓይ ርክብ ትገብር እሞ ሽዑ ብርሃን ትረክብ። ሄኖ,26፡6.
ብረብዕ ዝፈጠሮ ስነ-ፍጥረት ምስጢረ ቤት ክርስትያን ነገረና።
ናይ ሓሙስ ስነ-ፍጥረት
፠ኣምላኽ
ድማ ማያት ሂወት ብዘለዎም እንስሳ ይምላእ፡ ኣብ ኣየር ከኣ ኣዕዋፍ ይንፈራ ብለ። ዘፍ,1፡20.
፨ሓሙስ ብመጀመርታ
ሰዓት ለይቲ ብልቦም ዝሓስቡ፡ ብእግሮም ዝንቀሳቀሱ ብኽንፎም ዝበሩ፡ ብደመ ነፍሲ ሂያዋን ኮይኖም ዘተንፍሱ፡ 3ተ ፍጥረታት ተፈጢሮም
ተረኽቡ ሓሙስ ማለት ብፍጥረት 5ይ መዓልቲ ማለት እዩ። ኢዝኣቶም ካብ 4ተ ባህርያት ተፈጢሮም ብሪሮም በሪሮም ናብ የብስ ዝወጹ
ኣለው ኣብኡ ዝተርፉ ውን ኣለዉ። ኣብ የብስ ዝተፈጥሩ ከኣ ኣብ ባሕሪ ክነብሩ ኣይክእሉን፡ ኣብ ባሕሪ ዝተፈጥሩ ከኣ ኣብ ባሕሪ
ክነብሩ ኣይክእሉን ምሕዳሮም ከም ዝምለሱ ገይሩ ገደፎም። ምኽንያቱ ምስጢረ ጥምቀት ክምህረና ስለ ዝደለየ ኢዩ። ከመይ እንተተባህለ፣-
ባሕሪ ናይ ጥምቀት ምሳሌ ክኸውን ከሎ ኣብኡ ዝተረኽቡ ፍጥረታት ከኣ ናይ ደቂ ሰብ ምሳሌ እዩ። ሰለስተ ወገን ገይሩ ዝፈጠሮም ምኽንያት
ከኣ ፡ ጥምቀት 3ተ ወለዶ ማለት ትውልዲ ሴም፡ ብትውልዲ ያፌት፡ ንትውልዲ ካም ስለዝተዋህበት ኩሉ ወዲ ሰብ ካብ 3ተ ትውልዲ ዝወጸ
የለን፡ ሓደ ወገን ከኣ ብ3ተ ማለት ብስም ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስን ጥምቀት ንምውሃብ ምሳሌ ኢዩ። ስለዚ ናይ ሓሙስ ስነ-ፍጥረት
3ተ ወገን ማለት እንስሳታትን፡ ኣራዊትን፡ ኣዕዋፍን ኢዮም።
ናይ ዓርቢ ስነ-ፍጥረት
፠‘‘ኣምላኽ
ድማ ምድሪ ሂወት ዘለዎም በብዓይነቱ ፍጥረት፡ ማለት እንስሳ ዘቤትን ለመምታን ኣራዊት ምድርን ተውጽእ በለ። ዘፍ,1፡24.
፠ምሸት ዓርቢ
ብልቢ ዝሓስብ፡ ብእግሪ ዝንቀሳቀሱ፡ ንኽንፊ ዝበሩ፡ ብደመ ነፍሲ ሂወት ሂያዋን ዝኾኑ ከም ናይ ሓሙስ 3ተ ፍጥረታት ተፈጥሩ።
፨ናይ ሓሙስን
ናይ ዓርብን ብምንታይ ይፍለጡ፣- ብናብሮኦም ይፍለጡ እዚ ከኣ ናይ
ሓሙስ ፍጥረት ኣብ የብስ፡ ናይ ዓርቢ ፍጥረት ከኣ ኣብ ባሕሪ ምንባሮም ስለ ዘይከኣሎም በዚ ይፍለጡ። ስለምንታይ ዩ ኣብ ባሕሪን
ኣብ ምድርን ጌይሩ ዝፈጠሮም፣- ንዝብል ኣምላኽ ባሕርን ምድርን ኣነ የ ንማለት። ራኢ
ዮሓ,10፡6. ብዕለት ዓርቢ ዝፈጠሮ ስነ-ፍጥረት ድማ ምስጢረ ትንሳኤ ሙታን ክነገረና ኢሉ እዩ። እዚ ማለት ሰብ ክመዉት
ከሎ ኣቀዲማ ነፍሱ ካብ ስጋኡ ትፍለ ስጋ ከኣ መሬት ስለ ዝኾነ ምስ መሬቱ ይተርፍ። ጎይታ ብዕለት ምጽኣቱ ማለት ብሞት ደቂስካ
ዘለኻ ወዲ ሰብ ተንስእ ኢሉ ምስ ኣወጀ፡ ካልእ ንፋስን እሳትን ማይን መሬትን ዝኮነ፡ እቶም ብሂወት ስጋኡ ከሎ ዘካይድዎ ዝነበሩ
4ተ ናይ ድጋ ባህርያት 3ተ ናይ ነፍሲ ባህርያት ተዋሃሂዱ ይትንስእ። እዚ ብልቢ ዝሓስቡ ናይ ቀዳማይ ምሳሌ ኢዮም ብኻልኣይ ብትሓተ
ቀርኒ ድማ ኣዕጽምቲ ምስ ስጋን ድምን ሽዑ ብዘይ ምንቅስቃስን ምውስዋስን ክሳብ ግዚኡ ዝኣክል ፍጹም በድኒ ወይ ራሳ ይኸውን። እዚ
ብእግሪ ዝንቀሳቀሱ ኣዋጅ እዩ፣ ብሳልሳይ ምስሓተ ቀርኒ ከኣ ከም
ቅጽበት ዓይኒ ኩላቶም ምውታት ኣካል ከይጎዶሎም ጻድቃን ሓጥኣንን ብኹሉ ዘመን ሂወቶም ዝገበርዎ ጽብቅ ኮነ ኩፉእ ግብሮም ጼሮም
ክትንስኡ እዮም። እዚ ብኽንፊ ዝበሩ ናይ 3ይ
ብሻድሻይቲ
እዚ ኩሉ 3ተ ወገን እንስሳታትን፡ኣራዊትን፡ኣዕዋፍን ገይሩ ፈጠረ። ፍጥረት 21ን ኮይኑ ኣሎ።
፠22ተን
ስነ-ፍጥረት፣-
[1], ማይ [8], ሰማይ
[2], መሬት [9], ማይ ኣብ 3ተ
ምኽፋል>
[3], ንፋስ [10], ኣእዋም
[4], እሳት[ንፋስ] [11], ኣዝርእት
[5], ጸልማት [12], ኣትክልት
[6], ብርሃን [13], ጸሓይ
[7], መላእኽቲ [14], ወርሒ
[15],
ከባኽብቲ
[16], ብልቦም ዝሓስቡ
[17],
ብእግሮም ዝንቀሳቀሱ
[18],
ብኽንፎም ዝበሩ[ኣብ ባሕሪ ጥራይ እምበር ኣብ የብስ ክነብሩ ኣይክእሉን]
[19],
[20],
[21],
ብኽንፎም ዝበሩ[ኣብ የብስ ጥራይ እምበር ኣብ ባሕሪ ክነብሩ ኣይክእሉን]
[22],
ሰብ [ኣዳም] እዮም።
Kommentare
Kommentar veröffentlichen