ምስጢረ ክህነት እንታይ ማለት እዩ
29. ምስጢረ
ክህነት
1.፠ካህነት፣- ማለት ካብ ተክህነ ዝብል ግእዛዊ
ቃል ዝወጸ ኮይኑ ትርጉሙ ድማ ኣገልጋሊ ማለት እዩ። ኣገልጋሊ እግዚኣቢሄር፣- ናይ ህዝቢ መራሒ፣መምህር እዩ። እዚ ክበሃል ኮሎ
መንፈሳዊ እምበር ስጋዊ ኣጎልጉሎት ኣይኮነን። እዚ ከኣ ኣብ መንጎ እግዚኣቢሄርን ሰብን ዘሎ ኣጎልጉሎት እዩ። ኣብ መንጎ እግዚስቢሄር
ክበሃል ከሎ ብኣምሳል መላእኽቲ ናይ ምዕጣን ምቅዳስን ንእግዚኣቢሄር ለይቲ ተንሲእካ ምግልጋል ንህዝቢ ድማ ምጥማቅን ምብራኽን ትምህርቲ
ምቅራብን ምንሳሕን ምስ እግዚኣቢሄር ምትዕራቅ`ዩ። ዘለ,5፡6. 2ይ ቆሮ,5፡20.
እዚ ድማ ንኹሉ ዝወሃብ ዘይኮነስ ብፍቃድ እግዚኣቢሄር ብኣንቡረተ ብጹኣን ጳጳሳት ጥራይ ዝወሃብ መንፈሳዊ ስልጣን እዩ።
2.፠ኣመሳራርታ ክህነት፣- ክህነት ኣበይተጀሚሩ ንዝብል ክህነት
ኣብ ሰማይ ዝጀመረ እዩ። ራኢ ዮሓ,4፡8. እዚ ድማ ዓቡይ ስልጣን ዘለዎ
ምስጢር እዩ፣ ንሱ ድማ ናይ ምእሳርን ምፍታሕን ስልጣን እዩ። ንእግዚኣቢሄር ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እንዳበሉ ኣብ ሰማይ 24ተን ሊቃነ
ካህናት ከም ዘመስግንዎ ኣብ ምድሪ ድማ ካህናት ንህዝቢ እግዚኣቢሄር ዝጋሱዩ ኣለዉ። እዚ ድማ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቂ ክዛረብ ከሎ
ብናይ ሰማይ ዝርዓት`ሲ ናይ ምድሪ ስርዓት ተሰርዕ ክብል ኣብ ድርሳኑ ጽሑፍልና ይርከብ ዝለ`ዚ ከኣ ኣብ ሰማይ ካህናት ኣለዉ ኣብ
ምድሪ ድማ ካህናት ኣለዉ ኣገልገልቲ እግዚኣቢሄር ኣለዉ ማለት እዩ።
ክህነት ኣብ ቡሉይ ኪዳን
1.፠ክህነት
ካብ ኣዳም ክሳብ ሙሴ ዝነበሩ ኣቦታት ብበረኸት ኣበዉ ካብ እግዚኣቢሄር እናተቐበሉ ንክህነት መንግስትን ብምብቃዕ መስዋእቲ የቅርቡ
ኔይሮም። ድሕሪ ሙሴ ካብ ነገድ ሌዊ ካብ ወገን ኣሮን ጥራይ እዩ ኔይሩ። ዘጸ,28፡1.
2.፠ናይ ክህነት ዕድመ፣- ናይ ክህነት ዕድመ ክንብል ከለና
ናይ ክህነት ኣጀማምራን መዓስ ብኸመይ ተጀሚሩ ንዝብል የጠቃልል ናይ ክህነት ዕድመ ብ3ተ ይምደብ ንሳቶም ከኣ ሕጊ ልቦና፣ሕጊ ኦሪት፣ሕጊ
ወንጌል እዮም። ዕድመ ውን ካብ 30 ዓመት ንላዕሊ ክኾኑ ተመራጽነት ኣለዎም።
3.፠ሕጊ ልቦና፣- ሕጊ ልቦና ማለት ናይ ልቢ ሕጊ
ናይ ልቢ መምርሒ ስርዓት ማለት እዩ። እዚ ከኣ ካብ ኣዳም ክሳብ ሙሴ ዘሎ ሕጊ ልቦና ይበሃል። ካብቲ ንኣዳም ዝሃቦ 7ተ ሃብትታት
ሃብቲ ክህነት እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ እቲ ኣብቲ ቤት ዝዓበየ ብናይ እግዚኣቢሄር መንፈስ ተመሪሑ ካህን ኮይኑ መስዋእቲ የቅርብ ነበረ።
ኣዳም ውን ካብ ገነት ምስ ወጸ ንጉሆ ጸሓይ ክወጽእ ከሎ ዕጣን ዓጠነ። ኩፋሌ,5፡4.
4.፠ሕጊ ኦሪት፣- ሕጊ ኦሪት ዝበሃል ኣብ ሕጊ ልቦና
ንዝተወሰነ ናይ ናይጽሑፍ ሕጊ ድሕሪ ምስጋሩ ግን ክህነት ንዝተወሰኑ ሰባት ጥራይ ክኽውን እግዚኣቢሄር ንነቢ ሙሴ ነጊርዎ እዩ።
እዚ ካብ ዓሌት ሌዌ ጥራይ እዩ። ንኣሮንን ደቁን ብክህነት ከገልጉልኒ ቅብኣዮም። ዘጸ,30፡28.
ኣብ ኦሪት ካብ ነገድ ሌዌ ዘይኮኑ ኣብ ኣጎልጉሎት ናይ ክህነት ኣይኣተውን ነይሮም ግና ይግበኣና እዩ ኢሎም ዝተኸራኸሩ
ዳታን ኣቤሮንን ምድሪ ተኸፊታ ውሒጣቶም እያ። ዘሁ,16፡4. ኣብ ሕጊ ኦሪት ክህነት ምስ እግዚኣቢሄር ምትዕራቅን ምግልጋልን ዝሓመሙ
ህዝቢ ምፍላይ ኔሩ። ዘሁ,16፡4. 2ይ ዜና,15፡3. ዘጸ,28፡30. ዘሎ,13፡1.
5.፠ሕጊ ወንጌል ሓዱሽ ኪዳን፣- ሕጊ ወንጌል ናይ ክህነት ስልጣን
ከም ሕጊ ልቦና ብተፈጥሮ ሓረግ ከም ሕጊ ኦሪት ብገነድ ውርሲ ዘይኮነስ ብመንፈስ ቅዱስ ፍሉይ ጻውዒት ብመሰረት ቤት ክርስትያን
ስርዓት ትምህርቲ ቤት ክርስትያን ዝወጸ ትሑት ሰብ ዝመስከረሉ ስልጣን ክህነት ይቅበል። 1ይ
ጢሞ,3፡1-5. 1ይ ጢሞ,3፡8. ቲቶ,1፡5-10. እዚ ድማ እቲ መጀመርታን ናይ መወዳእታን ዘልኣለማውን ዝኾነ ካህን
ሊቀ ካህናት ኢየሱስ ክርስቶስ ክህነት ብሕጊ ካብ ዝተወሰነሉ ናይ ሌዌ ወገን ኣትሪፉ ከም ብሓዱሽ መስረቶ።
ክህነት ኣብ ሓዱሽ ኪዳን /መን መስሪትዎ
ባዕሉ ጎይታናን
መድሃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ መስሪትዎ። ሰላም ንዓኻትኩም ይኹን ከምቲ ኣቦ ንዓይ ዝለኣኸኒ ኣነ ውን ከምኡ ይልእኸኩም ኣለኹ በሎም
።
፠እዚ ኢሉ ኡፍ በለሎም እሞ መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ ፣- ሓጥያት ዝሓደግኩምሎም
ሓጥያቶም ክሕደገሎም እዩ። ንዘይሓደግኩምሎም ግና ኣይሕደገሎምን ኢዩ በሎም። ማቴ,18፡18.
ዮሓ,20፡21-23. ማቴ,16፡19.
፠ካብኡ ድማ
ቅዱሳን ሓዋርያት ከምኡ እንዳገበሩ እንዳ ተመሓላለፈ ይኸይድ። ግብ,6፡1-7. ግብ,14፡23.
ቲቶ,1፡5. ግብ,20፡28-30. ብሓፈሻ ኣብ ወንጌል ማቴ,28፡19. ዝኣዘዝኩኹም
ኩሉ እና መሃርኩም ደቂ መዛሙርተይ ግበርዎም። ኣነ ድማ ክሳዕ መወዳእታ ዓለም ምሳኹም እየ በሎም። ከነስተውዕል ግን ክሳዕ ዝብል
ቃል ነዊሕ እዩ ኣብዚ ግን ክሳዕ መወዳእታ ክብል ከሎ ክህነት ውን ንዘልኣለም ምኻኑ የረድኣና።
1.፠ናይ ክህነት ተገባር፣-[ሀ], ምስ ትምሃር
ምምዓድ ንክርስቶስ መሲልካ ኣብነት ኮንካ ምርካብ እዩ። ማቴ,13፡1-4. 1ይ ጢሞ,4፡13.
ሮሜ,15፡16. ማቴ,28፡19-20. ማቴ,10፡6-10.
[ለ],ንስሓ ምቅባል ምንሳሕ ምስትስራይ ፣- ኣብ ግዜ
ሓጥያት፣ካህን ኣብቲ ንሰባት ዘገልግለሉ ንስሓ ምቅባል። እዚ ባዕሉ ጉይታ ኣታ ወደይ ኪድ እሞ ርእስኻ ኣብ ካህን ኣመርምር ብዝበሎ
መሰረት ማቴ,8፡4. ርእስኹም ንኻህን ኣመርምሩ፣ሉቃ,17፡13-16. በዚ
መሰረት ንስሓ ተቀቢሎም ስርየት ሓጥያት ይህቡ። ሓጥያቶም ንዝሓደክምሎም ክሕደገሎም እዩ። ዮሓ,20፡23. ማቴ,18፡18. ማቴ,16፡19.
[ሐ], ምጥማቅ ምቅራብን ምጉሳይ ህዝቢ እግዚኣቢሄር፣- ኪዱ ብስም
ኣብን ብስም ወልድን ብስም መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቅኩም ደቂ መዛሙርተይ ግበርዎም። ማቴ,28፡19.ናይ
ፊሊጶስ ሓዋርያ ነቲ ስሉብ ኤትዮብያዊ ዘጥመቆ። ግብ,8፡36. ፍጻሜ, ግብ,9፡17-19
፠ምቁራብ
ክንብል ከለና ናይ ክርስቶስ ሞትን ትንሳኤን ዝተረኽበ ስጉኡን ደሙን ንህዝቢ ምምጋብ ምዕዳል ምቁራብ እዩ። ስጋይ ዝበልዐ ደመይ
ዝሰተየ ናይ ዘለኣለም ሂወት ኣለዎ። ዮሓ,6፡54. እዚ ድማ ጎይታ ስምኦን
ወዲ ዮና ተፍቅረኒ ዲኻ ምስ በሎ ዕያውተይ ኣብልዕ ኣባጊዕይ ሓሉ፣ኣባጊዕይ ኣብልዕ። ዝበሎ መሰረት እዩ። ዮሓ,21፡15-18. ግብ,20፡28. ኣባጊዕይ ማለት መእመናን ማለት እዩ። እቲ ዝብላዕ
ድማ ስግኡን ደሙን ቅዱስ ቃሉን እዩ። እቲ ሓሉ ምባሉ ካህን ንመእመናን ምምሃር ምክትታልን እዩ። ካህን እንተዘይ መሃረ እንተዘይ
መዓደ እንተዘይ ገሰጸ ጎይታ መንግስተ ሰማያት ይኽልክሎ። ሕዝ,33፡7-10.
[መ],ምእንቲ ሕሙማት ምጽላይ፣- ሓደ ሰብ እንተ ሓመመ መራሕቲ ቤት
ክርስትያን ይጽውዑ እሞ ንሳቶም ከኣ ብዘይቲ [ብምስጢረ ሜሮን] እና ቀብኡ ይጽልይሉ። ሽዑ እቲ ብእምነት ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተገብረ
ጸሎት ከተድሕኖ እያ። ያዕ,5፡19. ብሓፈሻ ምስጢረ ክህነት ነቲ ናይ ቤት ክርስትያን ምስጢራት ዝሳተፉን ዝዓዩን እዮም። ክህነት 3ተ ነገራት
ዘማለአ እዩ። ንሳቶም ከኣ ዲቁና፣ ቅስና፣ ጵጵስና [ኤጵስ ቆቦስ] እዮም። ምስጢረ ክህነት ዝግባእ ንደቂ ተባዕትዮ ጥራይ እዩ።
እዚ ከኣ ንደቂ ኣንስትዮ ዝግባእ ኔሩ እንተዝኸውን ጎይታ ነቶም 12ተ ሓዋርያት ክሸይም ከሎ ነተን 36ተን ቅዱሳን ኣንስቲ ውን
ምሸመን ኔሩ። ኣብዚ ዘመንና ግና ብዙሓት ተጣራጠርቲ መናፍቃን ካህን ንኹሉ እዩ ሂቡ ይብሉ።
፠ኩሉ ካህን
እዩ ብምባል ንገዛእ ርእሶም ካህናት ይገብሩ እዚ ግና ጌጋ መንገዲ እዩ። ኣሽይማ ካህናት ከም`ዚ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ እዩ። ስለዚ
ምስጢረ ክህነት ዘይተቀበለ ናይ ክህነት ስራሕ ክሰርሕ ኣይግባእን ምዕጣን ኮነ ምቅዳስ ኣይግባእን ኣብ`ዚ ዝተሃላለኽ ከኣ ቤት ክርስትያን
ኣይትቅበሎን እያ፣ እግዚኣቢሄር ዘይፈትዎ ስራሕ እዩ።
፠ታሪኽ፣- ናይ ዳታን
ኣቤሮንን ኣብ ዘሁ,16፡4-39. ንመልከት ከምኡ ውን ንጉስ ኣዝያን ኣብ
ቅዳሴ ኣትዩ ምዕጣኑ ክሳብ ዝመውት ለምጻም ኮይኑ እዩ። 2ይ ዜና,26፡26. 2ይ ናይ ቤት ክርስትያን መዓርግ እዚ`ኦም እዮም። ፓትርያርክ፣
ሊቀ ጳጳስ፣ ጳጳስ፣ ኤጲስ ቆጶስ፣ ቆመስ፣ ካህን፣ ዲያቆን፣ ንፍቂ ድያቆን እዮም። ብኣንቡረተ ኢድ ክሽየሙ ከለዉ ብውሽጢ ኮይኖም
ዘገልግሉ እዮም። ብኣብነ ዘበሰማያት ዝሽየሙ ድማ ኣነስኒስጠስ፣ መዘምር፣ ኣጸዊ ሆህት ይበሃሉ እዚኦም ከኣ ብኣፍ ኮይኖም ዘገልግሉ
እዮም።
2.፠ንካህናት ዝግባእ፣- ካህናት ኣብ ናይ ዓለም ሸቀጥን
ካልእን ክኣትዉ ኣይግባእን ኩሉ ግዜ ኣብ ቤት ክርስትያን ብምኻን ንህዝቢ ከገልግሉ ይግባእ። ካብ ህዝቢ ግን እኹል ዝኾነ ደሞዝ
ይግበረሎም። ምኽንያቱ ንዓያ`ዩ ውዕለት ይግባእ እዩ። ማቴ,10፡6-10. ሉቃ,10፡7. ነቶም
ጽቡቅ ጌሮም ዘገልህሉ መራሕቲ ቤት ክርስትያን ክብሪ ይግብኦም እዩ። እቲ ምናዳ ነቶም ወንጌል ዝምህሩ ዝሰብኩ ዕጽፊ ክብሪ ይግብኦም
እዩ። 1ይ ጢሞ,5፡17-20.
3.፠ስምየት ክህነት ናይ ክህነት ደረጃ፣- ዲቁና፡ ቅስና፡
ጵጵስና እዮም።
4.፠ናይ ካህናት ስልጣን ኣብ ሓዱሽ ኪዳን፣-
1] ምእሳርን
ምፍታሕን። ማቴ,16፡19. ማቴ,18፡18.
2] ናይ
ምፍራድ ስልጣን። ማቴ,19፡28. ግብ,8፡18.
3] ናይ
ምፍዋስ ስልጣን። ያዕ,5፡14. ማር,6፡13.
4] ምስጢር
ናይ ምፍላጥ ስልጣን። ማቴ,13፡11.
5] ናይ
ምትዕራቅ ስልጣን። 2ይ ቆሮ,5፡20.
6] ናይ
ምጥማቅን ምቁራብን ናይ ምብራኽን ስልጣን። ማቴ,28፡19-21. ማቴ,20፡30.
7] ናይ
ክርስቶስ ስጋን ምፍርታት። ዮሓ,20፡24.
Kommentare
Kommentar veröffentlichen