Posts

Es werden Posts vom Januar 3, 2020 angezeigt.

ሓቂ ስለ ዝተዛረብካ ዱ ፖለቲከኞ ዘብለካ

                   5.ሓቂ ስለ ዝተዛረብካ ዱ ፖለቲከኞ ዘብለካ ኣብ`ዚ ግዜ እዝይ ብዙሕ ኣዘራራብን ዘየራዳድእ ሓሳባትን ብዙሕ ግዜ ይፍጠር እዩ። እንዘኾነ ግን እቲ ሓቅን እትጌጋን እትቅኑዕን እትበሎቲካን እቲ መንፈሳዊ ዝበሃልን ተሓዋዊሱ ዘሎ   እቶም ሰባት ኣታሓሳስብኦም ስለ ዝተሓዋወሰ እዩ። ምኽንያቱ እዞም ሰባት ንኹሉ ፖለቲካ ይብሉ፣ በቲ ሓደ መንፈሳዊ ይብሉ ፣ ብግምጣሉ ክትርእዮ እንከለኻ ድማ ነቲ ቦለቲካ መንፈሳዊ ኽብልዎ ነቲ መንፈሳዊ ድማ ፖለቲካ ኽብልዎ ትሰምዕ። ይኹን እንበር ኣብ`ዚ ሓሳብ እዝይ ንቡዝሓት ንምርድኡ የሸግር እዩ። ንሎሚ መድብ ሒዘልኩም መጽየ ዘለኹ ሓቂ ስለ ዝተዛረብካ ዱ ፖለቲከኞ ዘብለካ ዝብል እዩ ክኸውን እዝይ ድማ ኩልኹም ሰሚዕኹም ትኾኑ ኣብ`ዚ ግዜ ብኹሉ ነገር ትዛራረብ ኢኻ በቲ ናይ እምነት ጉዳይን በቲ ናይ ሃገር ኩነታትን ። እንተኾነ ግን ትርር ኢልካ ምስ እትዛረብ ዘይነበረካ ተሰኪምካ ትምለሰሉ እዩ። ኣብዚ ግዜ መንፈሳውን ፖለቲካን ዝተሓዋወሰሉ እዩ ። ነዚ ነግር እዝይ ይዕሚቁ ክርዶኦ ዝኽእል ውሕድ ኢሉ ኣይመስለንን እንተኾነ ግን ዘበኑ ኣብዘጥሓንክን ኣጥሕኖኦ እትሕሩጭ ጥራሕ ኣምጾኦኦ ከም ዝተባህለ ፣ ዝኾነ ኾይኑ ዝተኣዘዝካዮ ጥራሕ ግበር ኮይኑ ነገሩ። በቃ ኣብቂዑ ኮይኑ ይስመዓካ ደቂ ሰባት ቀስብቀስ ሓሳቦም ሰሚዕኻ ክትጎዓዝ እንበር ሓሳብካ ክሰምዑ ዘይደልይሉ ግዜ እንዳኾነ ይመጽእ ኣሎ ። = ናይ ሎሚ   ብሕጽር ዝበለ   ፖለቲካ እንታይ ማለት እዩ ። እንታይ እዩ ኸ ስርሑ ኣብ ምንታይ እዮም ከ ዝጥቀምሉ ኣብ ዓለም ዘሎ ህዝቢ ብፖለቲካ እዩ ዝ...

1.1.ቂምታን ጽልእን ፍልልይ ኣለዎ ዶ፧?

Bild
             1.1.ቂምታን ጽልእን ፍልልይ ኣለዎ ዶ፧? 1, ካብ ኣይትጻላእ ዝብሉኻ መጽሊኢኻ ፈሊጦም ዝዓርቁኻ !!!   1.መጀመርታ እዛ ኣርእስቲ እዚ`ኣ ክብድ ኢላ እኮ እንተኾነት ግን እቲ ፈውሲ ኣብ ኢድና ምህላዉ እዩ። ከምቲ ቀዳማይ ክፋል ዝሓለፈ ጽሊኢ ወይ ቂምታ ጠቅሚ ከም ዘይብሉ መደብ ጌርና ኔርና ፣ ሎሚ ውን መቀጸልታ ናታ ። ቂምታ ክንድህስስ ኢና መጀመርታ ጽልኢ ክብሃል ከሎ ኣብ መብዛሕትኡ ምስ ቂምታ ሓደ እኮ እንተኾነ ግን በበይኑ እዩ። ቂምታ ግን ካብ ጽልኢ ፍልይ ዘብሎ ነገራት ዘይርሳዕ ብምኻኑ እዩ ፣ ቂምታ እንተ ሒዝካ ነቲ ዘቀየመካ ሰብ ክትርእዮ እንከለኻ ብጣዕሚ ትሓርቅ ንኣብነት= መጽዩ ኻ እዚ ሰብ`ዚ እንዳበልካ ብውሽጥኻ ሕርር ትብል ክሳብ እትሰብ ዝእለ ይኹን ዝሓልፍ። ኣራእያኻ በቃ ሰብ ኮይኑ ኣይስመዓካን ፣ ከሙኡ ውን ብልብኻ ነዚ ሰብ እዚ መዓልቱ ጥራይ ይጸበ ዝድቅሰሉ መሲልዎ እዩ ወይ`ዚ ኸምዝይ ስቕጥራሕበል እንዳበልካ ንበይንኻ ከም ፈኸራ ዓይነት ትፍክር እዚ ማለት ኣብ ሓሳብካ ሕነ ናይ ምፍዳይ ትሓስብ በቃ ንሱ ምስ እትዝክር እንዳ ተቆጣዕኻ ትሓስብ ብሕጽር ዝበለስ ሕልናኻ ኣይዕርፍን ካብ`ቲ ተቀይምካሉ ዘለኻ። ከሙኡ ውን ፈተውትኻ ክዓርቁኻ ምስ ዝደልዩ ነዝይ`ሲ ስቅ ዳ በሉ ምዝይ ክዕረቅ ኣንታ እዝይ ዝገበረኒኮ ጉዳም እዩ ፣ ኣንታ ኣብ ክንዲ ጽቡቅ ዝገበርኩስ እዝይ ክፍደ እንዳበልካ ክሳብ ምዕራቅ ትኣቢ   ብፍላይ ዘሕለፍካሉ እንተ ኣሊይካ ነቲ ዝገበርካሉ እንዳ ዘከርካ ፣ ብዙሕ ምስ ነብስኻ ትበኣስ ነገር ግን ንስኻ ጽቡቅ ዝገበርካሉ እንበር ዝገበረልካ ኣይትዝክርን ኢኻ፣ ማዕረ ከምዝይ ይመስል ክግለጽ ኮሎ ቂምታ...

3. ሰይጣን ከምዘሎስ ትኣምንዶ፧?

Bild
                             3. ሰይጣን ከምዘሎስ ትኣምንዶ፧? ሰላም ኩቡራት ተኻታተልቲ ሂወት መንፈሳውነት ቲቪ ስነ-ሓሳብ ንረዳዳእ!! እዛ ናይ ሎሚ ኣርእስቲ ከልዕላ ዝገበረኒ እዝሃዋህው ናይ`ዚ ግዜ እዩ፣ ብመጀመርታ ሰይጣን ከም ዘሎ ትኣምን እንተኾንካ እዩ እዝመደብ ምስማዕ ዘድልየካ ። ኣብዚ ግዜ ዝይ ብዙሕሽግር ኣሎ እቲ ሽግር ድማ ኣብ ዓለም ኣባና ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ዓለም ምሉእ እዩ። እቲ ዝሕዝን ነገር ግን ዳርጋ ዓለም ምሉእ ሰይጣን ከም ዘሎ ዝኣምን እካ እንተኾነ እቲ ዘግህየካ ግን ብዛዕባ ሰይጣንን ተግባራቱን እንዳ ተዛረቡ ኣብ ዘሰንብዶም ነገር ምስበጽሑ ግን ሰይጣን ከም ዘየለ ጌሮም ይርስዕዎ ፣ እዝይ ክበሃል ኮሎ ግን ነቲ ዘየሰንብድ ነገር ወይ ንእሽተይ ነንሕድሕዶም ምርድዳእ እንተሲኢኖም ሰይጣን ምርድዳ ከሊእና ርእይኻ ሰይጣን እካ እካ እዩ ኣብ ነስወከፍ ርእሲ ሰብ ኣትዩ ምርድዳእ ኣብይና ፣ እንዳበሉ ሰይጣን ከም ዘሎ ክዕልሉ ትሰምዕ ። ብገለ ነገር ተጭኒቁ ድዩ ወይስ ሕማቅ መዓልቲ ዊዒሉ ገለ ድንገት ማለት ሰብ ክሃርም ወይ ብኽብድ ዝበለ ብኻራ ሰብ ምስዝቀትል ወይ ድማ ደም ሰብ ምስ ዘፍስስ ፣ ስራሕ ሰይጣን ከም ዘሎ ረሲዖም ነቲ ሕማቅ መዓልቲ ዝወዓለ ሰብ ይቅሬታ ክሓትት ኣብ ክንዲ ዝጽውዑ ብጸርፍን መርገምን ንይቅሬታ ዝጽውዕ ዘይኮነስ መሊሱ ኣዝዩ ሓደገኞ ብዝኾነ ኣዘራርባ ንነብስኻ ኣብ ሓደጋ ዝእቱ ዘረባታት ኢኻ ትሰምዕ ። ሓደ ሰብ ኮይኑ ዘይጋገ ስለዘየለ ንዕኡ ብዝግባእ ኣዘራሪብካ ከመይ ጌሩ ክፍጽሞ ከም...

2. ፍርዲ ማለት ከመይ እዩ፧? ስነ-ሓሳብ ንረዳዳእ

Bild
2. ፍርዲ ማለት ከመይ እዩ፧? ስነ-ሓሳብ ንረዳዳእ ሰላም ኩቡራት ሰማዕቲ ብመጀመርታ ነታ ኣርእስቲ ከልዕላ ዝገበረኒ ምኽንያት እዚ ዝቀነየ ሃዋህው እዩ ። ኣብ`ዚ ቅነ ግን ብወገነይ ሓዘን እካ እንተተሰማዓኒ ካብቲ ህዝቢ ግን ሓደ ነገር ክሓስብ ጌርኒ ምኽንያቱ ሓደ ነገር ዘኪረ እሱ ኸኣ ኣይትፍረድ ከይትፍረድ ዝብል ዘረባ ኣቦታት እዩ። ብመጀመርታ ፍርዲ ማለት እንታይ ማለት እዩ ንዝብል ኣበሃህላ ክንድህስስ ደስ ምበለኒ ። ፍርዲ ዝብል ቃል ክልተ ነገራት ዘመለእ ክኸውን ከሎ ፣   እትቀዳማይ ፍርዲ ናይ ኣምላኽ እዩ ፣ ንሱ ኸኣ ኣምላኽ ዝፈርደሉ ፍርዲ ይበሃል ፣ መፍረዱኡ ምኽንያት ድማ ንኣብነት= ከምዝይ ይመስል ትእዛዝ ኣምላኽ ምስ እትጥሕስ ማለት ነቲ ኣምላኽ ግበሮ ዝበለካ ምስ ዘይትገብር ኣምላኽ ኣብ ልዕሌኻ ክፈርድ ይኽእል እዚ ማለት ድማ ኣብ መወዳእታ ዓለም ኣምላኽ ምስ መጸ ማለት እዩ ንሱ ኸኣ በብግብርኻ ይወሃበካ እዚ ክብል ከለኹ ግን ኣምላኽ ምሉእ ናይ ይቅሬታ ግዜ ይህበካ እዩ ማለት ጌጋኻ ተረዲእካ ንስኻ ንስሓ ምስ እትንሳሕ ይገድፈልካ እዩ። እቲ ክትገብሮ ዘለካ ትእዛዝ ስለ ዝተዋህበካ ክትፈልጦ ጸገም ኣየምጽእን እዩ ንሱ ኻ መጽሓፍ ቅዱስ ስለዘሎ ባዕልኻ ኣንቢብካ ሰናይ ነገር ክትገብር ዘጸግመካ ኣይኮነን፣ ማለት ናይ ኣምላኽ ነገርን ናይ ሰይጣን ነገርን ፈላሊኻ ክትፈልጥ ይገብረካ ።   2 . እቲ 2ይ ፍርዲ ድማ ናይ ሰብ ፍርዲ   እዩ፣ ንሱኻ በቲዝገበርካዮ ጌጋ ብቤት ፍርዲ ጉጋይካ ተጻርዩ እትፍረደሉ ፍርዲ ይበሃል ። እዚ ኸኣ ናይ ሰብ ፍርዲ እዩ፣ መፍረዲኻ ብዝተፈላለየ ነገራት ክኸውን   ይኽእል ካብኡ ንምጥቃስ ኣብነት= ክንወስድ ይከኣል ብሓደጋታት ክሕትተካ ዝኽእል ማለት መጋዓዝያ መኪና ምስ...