እምነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶን[ትርጉም ሽም ኦርቶዶክስ ተዋህዶን]።
2. እምነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶን[ትርጉም ሽም ኦርቶዶክስ ተዋህዶን]።
,,ሕቶ- ኦርቶዶክስ ማለት እንታይ ማለት እዩ፣ትርጉሙኸ እንታይ እዩ።
,,መልሲ- ትርጉሙ ድማ በብናቱ ኣሎዎ እዚ ማለት፣ኦርቶዶክስ ዝብል ቃል መበቆሉ ካባ ግሪኽ ኮይኑ፣ካብ ውህደት ዝተረኽበ ቃል እዩ። ኣገላልጻ 6ተ[ሽዱሽተ]ፊደል ዘለዎ እዩ። ኣብዚ መልሲ በብሰለስተ[3ተ] ክንምልሶ ኢና። ንሱኻ። ኦርቶ[ortho] ማለት ቅኑዕ፣ትኽክል፣ሓቐኞ መንጊዲ ማለት ክኸውን ከሎ። ዶክስ[Doxa] ማለት እምነት፣ሃይማኖት ማለት እዩ። ስለዚ ኦርቶዶክስ ማለት ድማ ቅኑዕ እምነት፣ትኽክለኞ እምነት፣ ሓቐኞ እምነት ፣ቅኑዕ ሃይማኖት ማለት እዩ። ናብ እግዚኣቢሄር ትወስድ መንግዲ ሓቒ ማለት እዩ።
መደምደምታ
,,,ኣብዚ ሲዒቡ ዝመጽእ ኣብ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤት ክርስቲያን፣ኦርቶዶክስ ዝብል ስም ጥራይ ዘይኮነ ዘለዋ ኣስዕብ ኣቢላ ተዋህዶ እያ ትብል፣እዝኸ እንታይ እዩ እንተበልና። ተዋህዶ ማለት ትርጉሙ፣ ,,ቃልን ስጋን ተወሃሂዱ ሓደ ኣካል ሓደ ባህርይ፣ኣምላኽ ሰብ ፣ሰብ ኣምላኽ ዝኾነሉ ምስጢር እዩ። እዚ ካኣ ጎይታናን መድሃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ካብ ሰማይ ሰማያት ወሪዱ፣ካብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ተወሊዱ ስጋ ለበሰ ምሳና ሓደ ኣካል ኮነ ብፍጺም ተዋህዶ ስጋና ለቢሱ ተወሃሃደ። ስለዚ ተዋህዶ ዝብል ሰያመ ተዋህበ።ኣብ ምስጢረ ስጋዌ ብዝግባእ ተገሊጹ ኣሎ።,,ስለዚ ብዛዕባ እምነት ሽም ምፍላጥ ጥራይ ዘይኮነ፣ ብዝግባእ ፈሊጥና ከነፍልጥ ከምቲ ቅኑዕ ዝኾነ ሃይማኖትና ንሕና ውን ቅኑዓት ክንከውን ኣለና።
Kommentare
Kommentar veröffentlichen