1.1.ቂምታን ጽልእን ፍልልይ ኣለዎ ዶ፧?
1.1.ቂምታን ጽልእን ፍልልይ ኣለዎ
ዶ፧?
1, ካብ ኣይትጻላእ ዝብሉኻ መጽሊኢኻ ፈሊጦም ዝዓርቁኻ !!!
1.መጀመርታ እዛ ኣርእስቲ እዚ`ኣ ክብድ ኢላ እኮ እንተኾነት
ግን እቲ ፈውሲ ኣብ ኢድና ምህላዉ እዩ። ከምቲ ቀዳማይ ክፋል ዝሓለፈ ጽሊኢ ወይ ቂምታ ጠቅሚ ከም ዘይብሉ መደብ ጌርና ኔርና ፣
ሎሚ ውን መቀጸልታ ናታ ። ቂምታ ክንድህስስ ኢና መጀመርታ ጽልኢ ክብሃል ከሎ ኣብ መብዛሕትኡ ምስ ቂምታ ሓደ እኮ እንተኾነ ግን
በበይኑ እዩ። ቂምታ ግን ካብ ጽልኢ ፍልይ ዘብሎ ነገራት ዘይርሳዕ ብምኻኑ እዩ ፣ ቂምታ እንተ ሒዝካ ነቲ ዘቀየመካ ሰብ ክትርእዮ
እንከለኻ ብጣዕሚ ትሓርቅ ንኣብነት= መጽዩ ኻ እዚ ሰብ`ዚ እንዳበልካ ብውሽጥኻ ሕርር ትብል ክሳብ እትሰብ ዝእለ ይኹን ዝሓልፍ።
ኣራእያኻ በቃ ሰብ ኮይኑ ኣይስመዓካን ፣ ከሙኡ ውን ብልብኻ ነዚ ሰብ እዚ መዓልቱ ጥራይ ይጸበ ዝድቅሰሉ መሲልዎ እዩ ወይ`ዚ ኸምዝይ
ስቕጥራሕበል እንዳበልካ ንበይንኻ ከም ፈኸራ ዓይነት ትፍክር እዚ ማለት ኣብ ሓሳብካ ሕነ ናይ ምፍዳይ ትሓስብ በቃ ንሱ ምስ እትዝክር
እንዳ ተቆጣዕኻ ትሓስብ ብሕጽር ዝበለስ ሕልናኻ ኣይዕርፍን ካብ`ቲ ተቀይምካሉ ዘለኻ። ከሙኡ ውን ፈተውትኻ ክዓርቁኻ ምስ ዝደልዩ
ነዝይ`ሲ ስቅ ዳ በሉ ምዝይ ክዕረቅ ኣንታ እዝይ ዝገበረኒኮ ጉዳም እዩ ፣ ኣንታ ኣብ ክንዲ ጽቡቅ ዝገበርኩስ እዝይ ክፍደ እንዳበልካ
ክሳብ ምዕራቅ ትኣቢ ብፍላይ ዘሕለፍካሉ እንተ ኣሊይካ ነቲ ዝገበርካሉ
እንዳ ዘከርካ ፣ ብዙሕ ምስ ነብስኻ ትበኣስ ነገር ግን ንስኻ ጽቡቅ ዝገበርካሉ እንበር ዝገበረልካ ኣይትዝክርን ኢኻ፣ ማዕረ ከምዝይ
ይመስል ክግለጽ ኮሎ ቂምታ። እዚ`ኻ ንዓኻ ጽቡቅ ኣይኮነን ፣
2. ብልብኹም መቨም እንታይ ይብል ኣሎ ከምትብሉ ኣይጠራጠርን፣
ካብ`ዚ ቀጺልና ድማ ጽልኢ ኸ ከመይ ይመስል ክንርኢ ኢና ጽልኢ ድማ ካብ ቂምታ ፍልይ ዘብሎ ነገራ እንተሃልዩ፣ ኣብ ልብኻ ስለ
ኮፍዘይተብሎ እዩ፣ ምኽንያቱ ጽልኢ መጀመርታ ምስ ሓደ ሰብ ምስ እትጻላእ ካብ ሂወትካ ሓኺክካ ስለ ትኣልዮ ነቲ ሰብ ፣ እዝይ ካብ
ቂምታ ፍልይ የብሎ ጽልኢ ኸ ከመይ ይመስል ኣብ ሂወትካ ፣ ጽልኢ ካኣ ንሓደ ሰብ ምስ ረኣኻዮ ወይ ብመልክዑ ወይ በዘራርባኡ ወይ
ኣካዳድናኡ ምስ ራእኻዮ ትመዝኖ`ሞ እንድሕር ዳ ደስ ተዘይ ኢልካ ቀልጢፍካ ክላ እዝይ`ሲ ሳክት`ዩ ሰይብሉ ፣ከመይ እዩኻ ዝብል
,,,,እንዳበልካ መሓዛኻ ክኸውን ወይ ድማ ምሳኻ ክኸይድ ናብ ዝኾነ ነገር ዘይትደልዮ እዩ። ከልጢፉ ካባኻ ክፍለ ትደልዮ ሰብ ስለ
ዝጸላእኻዮ እዩ፣ ግና ሰላም እንተ በለካ ሰላም ትብሎ ኣሎ እዝይ ደሓን ዝኾነ ጽልኢ እዩ እንበር ምሳኻ እንተኸደ ዝውዳኣልካ የብሉን
ወይ ዝደለዮ እንተተኸደነ ንዓኻ እንታይ ይጽግመካ ድዩ፣ ንዓኻ ዘገድስ ግን ጥዑይ ልቢ ጥራሕ ይሃልዎ ምበር ንዓኻ ዝጎድለካ የብሉን።
እቲ ቀንዲ ናይ ጽልኢ ግና እሞ ኻኣ ወላ ምስ ሰባት ደፌርካ ትዕልለሉ ነገር ናይ ጽልኢ ንኣብነት= ምስ ሓደ እንተተ ጻልእኻ ኣብ
ሓጺር ግዜ ወይ መስተ ሰቲኻ ወይ ብዘይ ሓሰብካዮ ሃንደበት ትበኣስ ትዋቃዕ ወይ ትጻላእ ተረጋጊጽካ ትሓልፍ ብድሕርኡ ኣብ ልብኻ
ንኸይ ኣቱ ትውግዶ ከምዘይ ናትካ ትርእዮ ቡኡ ጌርካ ትረሳሳዕ ሰባት እንተሓተትኻውን ምስ ኩስቶዳ ተጻሊእና እንዲና ነዊሕ ጌርና
ካብ ንጻላእ እንዳበልካ ትዛረብሉ ኢኻ።
ኣቦታት ክምስሉ ስ ከምዝይ ይብሉ ፍቅሪ እንተደሊኻ ገዳዲፍካ
ጽልኢ እንተደሊኻ ገፋጊፍካ።
3ይ ክፋል ይቕጽል ብመንጽር መጽሓፍ ቅዱሱን ብኣታሓሳስባ
ደቂ ሰባትን ሰናይ ምክትታል ይግበረልኩም ምሳኹም ዝጸናሕኩ ኣታኽልቲ ሰመረ እየ ፍቅርን ሰላምን ንኹልና ሰላም ኩኑ።
Kommentare
Kommentar veröffentlichen