2. ፍርዲ ማለት ከመይ እዩ፧? ስነ-ሓሳብ ንረዳዳእ


2. ፍርዲ ማለት ከመይ እዩ፧? ስነ-ሓሳብ ንረዳዳእ

ሰላም ኩቡራት ሰማዕቲ

ብመጀመርታ ነታ ኣርእስቲ ከልዕላ ዝገበረኒ ምኽንያት እዚ ዝቀነየ ሃዋህው እዩ ። ኣብ`ዚ ቅነ ግን ብወገነይ ሓዘን እካ እንተተሰማዓኒ ካብቲ ህዝቢ ግን ሓደ ነገር ክሓስብ ጌርኒ ምኽንያቱ ሓደ ነገር ዘኪረ እሱ ኸኣ ኣይትፍረድ ከይትፍረድ ዝብል ዘረባ ኣቦታት እዩ። ብመጀመርታ ፍርዲ ማለት እንታይ ማለት እዩ ንዝብል ኣበሃህላ ክንድህስስ ደስ ምበለኒ ። ፍርዲ ዝብል ቃል ክልተ ነገራት ዘመለእ ክኸውን ከሎ ፣

  1.  እትቀዳማይ ፍርዲ ናይ ኣምላኽ እዩ ፣ ንሱ ኸኣ ኣምላኽ ዝፈርደሉ ፍርዲ ይበሃል ፣ መፍረዱኡ
    ምኽንያት ድማ ንኣብነት= ከምዝይ ይመስል ትእዛዝ ኣምላኽ ምስ እትጥሕስ ማለት ነቲ ኣምላኽ ግበሮ ዝበለካ ምስ ዘይትገብር ኣምላኽ ኣብ ልዕሌኻ ክፈርድ ይኽእል እዚ ማለት ድማ ኣብ መወዳእታ ዓለም ኣምላኽ ምስ መጸ ማለት እዩ ንሱ ኸኣ በብግብርኻ ይወሃበካ እዚ ክብል ከለኹ ግን ኣምላኽ ምሉእ ናይ ይቅሬታ ግዜ ይህበካ እዩ ማለት ጌጋኻ ተረዲእካ ንስኻ ንስሓ ምስ እትንሳሕ ይገድፈልካ እዩ። እቲ ክትገብሮ ዘለካ ትእዛዝ ስለ ዝተዋህበካ ክትፈልጦ ጸገም ኣየምጽእን እዩ ንሱ ኻ መጽሓፍ ቅዱስ ስለዘሎ ባዕልኻ ኣንቢብካ ሰናይ ነገር ክትገብር ዘጸግመካ ኣይኮነን፣ ማለት ናይ ኣምላኽ ነገርን ናይ ሰይጣን ነገርን ፈላሊኻ ክትፈልጥ ይገብረካ ።
     

2 . እቲ 2ይ ፍርዲ ድማ ናይ ሰብ ፍርዲ  እዩ፣ ንሱኻ በቲዝገበርካዮ ጌጋ ብቤት ፍርዲ ጉጋይካ ተጻርዩ እትፍረደሉ ፍርዲ ይበሃል ። እዚ ኸኣ ናይ ሰብ ፍርዲ እዩ፣ መፍረዲኻ ብዝተፈላለየ ነገራት ክኸውን  ይኽእል ካብኡ ንምጥቃስ ኣብነት= ክንወስድ ይከኣል ብሓደጋታት ክሕትተካ ዝኽእል ማለት መጋዓዝያ መኪና ምስእትህልወካ እሞ ሓደካ ምስ ዘጋጥመካ ናይቶም ሰባት ተሓታቲ ኢኻ ፣ ከምኡ ውን ዝተፈላለየ ነገራት ዕዳ ገንዘብ ምስ ዝህልወካ እሞ ክሳብ ትኸፍሎ ኣብ ቤት ፍርዲ ክትጸንሕ ትኽእል ፣ ከምኡ ውን ሰባት ምስእትቀትል ክሳብ ብህይወትካ ትሕተተሉ ጌዜ ውን ኣሎ ማለት ንነዊሕ ዓመታት ክትእሰር ይከኣል ወይ ደም ሰብ እንተኣፍሲስካ ወይ ጋል ኣንስተይቲ ብዓመጽ እንተዓሚጽካ ማለት ብሓይሊ ምስ እትግድዳ እዩ። ከምኡ ውን ንትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ምስ እትሃርም ይሕትተካ ። እዚ ኹሉ ግን ፍርዲ ናይ ሰባት ማለት በታ ዝገበርካያ ጌጋ ትፍረደላ እዚማለት በታ ዝተኸሰስካላ ንዝኾነ ውሳኔ ትውሰን ወይ ናጻ ወይ ካ እሱር ቤት ንዝተፈላለየ መዓልታት ወይ ዓመታት ዝውሰነልካ ከከም ደረጅኡ እዩ ። 

ኣብዚይ ክንርዳኦ ዝደሊ ነገር  እንተሃልዩ ግን፣ እዝይ ፍርዲ ንዝምልከቶም ኣካል ጥራይ እዩ ዝምልከት ማለት ነቶም ኣብ ቤት ፍርዲ ዘለዉ ሓለፍቲ ክኸውን ከሎ ሰባት ውን ብሕልናኦም ይፈርዱ እዮም ። እንተኾነ ግን ቅድሚ ቤት ፍርዲ ምጽራዩ ዝኾነ ሰብ ክዛረብ ፍቁዱ ኣይኮነን ። ስለዚ ዝኾነ ነገር ምስ እትሰምዕ ቀልጢፍካ ኣይትፍረድ ስለ ምንታይ ከይትሓፍር ከምኡ ውን ዘጣዕስ ነገር ስለዝኾነ በቲ ዝተገብረ ነገር ውን ብዙሕ ኣይትጭነቅ ማለት እዝይሲ ሰብ ኣይኮነን እንዳራኣየስ በቃ ከምዝይ ይገብር ኣይትበል ። ምኽንያቱ ሰብ ስለዝኾነ እዩ ከምኡ ክገብር ኪኢሉ እምበር እንስሳ ከምኡ ክገብራ ኣይተራእያን። ኣቦታት ክምስሉ ዕንጭይቲ ኾይኑ ዘይተክኽ ሰብ ኮይኑ ዘይእብስ የለን ይብሉ።

 ምሳኹም ዝጸናኽኩ ኣታኽልቲ ሰመረ እየ ንስለ ምክትታልኩም ብልቢ እንዳ ኣመስገንኩ። ፍቅርን ሰላምን ንኹልና እንዳ ተመነኹ ብኻልእ ትሕዝቶ ክሳብ ንራኸብ ሰላም ኩኑ.

Kommentare

ዝተፈትዉ ጽሑፋት

ስነ-ፍጥረት

እምነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶን[ትርጉም ሽም ኦርቶዶክስ ተዋህዶን]።

ምስጢረ ቁርባን ስለ ምንታይ

ምስጢረ ክህነት እንታይ ማለት እዩ

7ተ ምስጢራተ ቤት ክርስትያን