.ካብ ቂምታን ጽልእን ክትርሕቅ ዝሕግዙኻ ስነ-ሓሳባት 11 ነጥብ





     1.1.ካብ ቂምታን ጽልእን ክትርሕቅ ዝሕግዙኻ ስነ-ሓሳባት 11 ነጥብ



0,1= ንስኻ ብዝተኻእለካ ካብ ቂምታን ካብ ምጽላእን ክትርሕቅ ክንደይ ግዜ ፈቲንካ ። ኣብ`ዚ ግዜ እዝይ ካብ ቂምታን ጽልእን ክትርሕቅ ዝሓገዙኻ ነገራት ኣለዉ ዶ ? እንተዳ ኣልዮምኻ መወሰኽታ ክኾኑኻ ይኹእሉ እዮም። ከምኡ ውን ካብ ዞም ነገራት ክትርሕቅ ፈቲንካ ምኻን ዝኣበየካ ድማ ነዞም ነገራት ኣብ ስነ-ሓሳብካ ይእትኻ ምስ ናትካ ኣካይዳ ክትጥቀመሎም ትኽእል ።

1.ብዙኾነ ነገር ሓሳባት ናይ ሰባት ክሕርቀካ ይኽእል እዩ። እንተኾነ ኣብ ናትካ ስነ-ሓሳብ ኣይትእትዎም ።

2.ነቲ ስነ-ሓሳብ ወይ ርእይቶ ናይ ሰባት ምስ ሰማዕኻ ፣ ብዘለዎ ኣይትኺድ ኣቀዲምካ ብናትካ ኣተሓሳስባ ክትሓስቦ ፈትን።

3.ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ምስ ሰባት ኣብ እትኸደሉ ግዜ ብዘካትዕ ነገር ክካትዑ ምስ እትሰምዕ ሓሳብካ እንበር ኣትሪርካ ኣይትማጎት። እትምንታይ `ሲ ነዓኻ ጽቡቅ ኣሎ ክብሉኻ ኣይትጸበ ስለምንታይ ጸቂጥካ ምስ እትካታዕ ንስኻ ኢኻ ክትሓርቅ። ምስ ሓረቅካ ድማ እንታይ ክምትሓስብ ምፍላጥ ተመራጺ ይኸውን።

4.ኣብ ዘጋጥመካ ከምዝይ ክኸውን ኣለዎ ኢልካ ኣትሪርካ ኣይትዛረብ ወላ ንስኻ ቅኑዕ ሃሉ። ምኽንያቱ መብዛሕቶኦም ሰባት ካብ ሰሚዖም ምስ በጸሖም እዮም ዝኣምኑ።

5.ስነ-ሓሳብ ናይ ደቂ ሰባት ከም ዝፈላለ ኣይትረስዕ።

6.ንዝሰማዕኻዮ ነገር ብዘለዎ ምቅባል ዘይኮነስ ኣብ ነብስኻ ክትትርጉሞ ፈትን።

7.ጠባይ ናይ ሰባት ሒዝካ ክትሕልዎም ዘይኮነስ። ኣዋድቃ ቃላቶምን ኣዘራርባኦምን ሒዝካ ተጋዓዝ።

8.ኣብ ሰብ ኣይትወከል ኩስቶ ጥዑይ ሰብ እዩ ኣይትበል ንስኻ ጥዑይ ምኻንካ ንቅድም ሕሰብ ።

9.ንነገራት ሓሳብካ ኣፍሲስካ ከተፋጥሖም እንበር ፣ ሰባት በተሓሳስበኦም ክፈትሕዎ ኣይትጸበ።

10. ሰባት ኣብ ዝጻልእሉ ወይ ኣብ ዝተቀያየምሉ ግዜ ከምዝይ ኮይኖም ኢልካ ምዝራብ ዘይኮነስ ፣ ኣብዚ ደረጃ እዝይ ከብጽሖም ዝኸኣለ ነገር ጸቂጥካ ሕሰብ ምኽንያቱ ጽባሕ ንጉሆ ኣብ ነብስኻ ምስ መጸካ መፍትሒ ክትረኽበሉ ። ማለት ንነገራት ተማሃረሉ እንበር ኣይትንበረሉ ከም ዝበሃል።

11. ንጽልእን ቂምታን ኣብ ነብስኻ ዘምጽዎ ጣዕሳ ተዘይኮይኑ ዘምጽዎ ሰላም ከም ዘየለ ምእማን።

 

እዞም ስነ-ሓሳብ ባዕልኻ ሕሰቦም ካብ ምንታይ ከም ዝብገሱ ሰላምን ፍቅርን ንኹልና !!!

 
        





 





Kommentare

ዝተፈትዉ ጽሑፋት

ስነ-ፍጥረት

እምነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶን[ትርጉም ሽም ኦርቶዶክስ ተዋህዶን]።

ምስጢረ ቁርባን ስለ ምንታይ

ምስጢረ ክህነት እንታይ ማለት እዩ

7ተ ምስጢራተ ቤት ክርስትያን