ምስጢረ ቅዱስ ቁርባን ኣብ ናይ 7ተ ምስጢራት ቤ/ት/ን
28. ምስጢረ
ቅዱስ ቁርባን ኣብ ናይ 7ተ ምስጢራት ቤ/ት/ን
ምስጢረ ቁርባን
ሓደ ካብቶም ዝድገሙ ሚስጢራት እዩ። ንሱ ኸኣ ኣመናዊ ስጋ ወልደ እግዚኣቢሄር ኣመናአዊ ደም ወልደ እግዚኣቢሄር እዩ። ስለ`ዚ ቅዱስ
ቁርባን ተባሂቱ ይጽዋዕ ካብቶም ምስጢራት ኣብ 5ተ ኣእማደ ምስጢር 4ይ ኮይኑ ካብቶም 7ተ ምስጢራተ ቤት ክርስትያን ከኣ 3ይ ኮይኑ
ይርከብ።
1.፠ዝድገመሉ ምኽንያት፣- ከምቲ ብስጋ ክንነብር ከለና ተዳጋጋሚ
መግቢ እንበልዕ፣ከምኡ ድማ ብመንፈስ ክንነብርን ክንዓብን ናይ ዘልኣለም ሂወት ክንረክብን ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ስጋን ደምን ምቅባል
የድልየና።
2.፠ንመጀመርያ ዝቆረበ መን ዩ፣-ንምጀመርያ
ዝቆረብ ኣቦና ኣዳም እዩ። እስራኤላውያን ናብ እግዚኣቢሄር ዘቅርብዎ ዝነበሩ ቁርባን መስዋእቲ ይበሃል። ቁርባን፣-ዝበሃል ከኣ ካብ
ኣእኻልን ኣታኽልትን ኢዩ። ክኽውን እንከሎ መስዋእቲ ድማ ካብ እንስሳታት ኢዩ ኣብ ሓዱሽ ኪዳን ግና ናይ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ
ክርስቶስ ስጋን ደምን እዩ።
3.፠ኣመሳራርታ ቅዱስ ቁርባን፣- ጎይታ ንምስጢረ ቁርባን ብትምህርትን
ብተግባርን መስረቶ።
1] ብትምህርቲ፣
ስጋይ ዝበልዕን ደመይ ውን ዝሰተየ ናይ ዘልኣለም ሂወት ኣላቶ። ዮሓ.6፡54.
2] ብተግባርን፣-
ሓሙስ ምሸት ኣብ ቤት ኣልኣዛር ተረኺቡ ሕብስትን ወይንን ባሪኹ፣ቀዲሱ ለዊጡ፣ቅዱስ ድሙን ቅዱስ ስጋእን ጌይሩ ንሃዋርያት ሃቦም።
ማቴ,26፡26.
4.፠ምስጢረ ቁርባን ዝረአ ኣጎልጉሎት፣- ሕብስትን ወይንን ተዳሉዩ ብካህን ይባረኽ ብጸሎት
ቅዳሴ።
5.፠ምስጢረ ቁርባን ዘይረአ ጸጋ፣-
1] ሕብስትን
ወይንን ተለዊጡ ስጋን ደምን ወልደ እግዚኣቢሄር ክኽውን ከሎ።1ይ ቆሮ,10፡6. ዘዳ,29፡29.
2] ናይ
ዘልኣለም ሂወት። ዮሓ,6፡54.
3] ፍጹም
ዝኾነ ስርየተ ሓጥያት።
4] ምስ
ክርስቶስ ሕብረት ምህላው ።
5] ምስጢር
ይገለጽን ሓዳር ይባርኽን የጽንዕን።
6] መንፈሳዊ
ሓይልን ብርተዕን የውህብ።
6.፠ቅዱስ ቁርባን ንመን ይግባእ፣- ቅዱስ ቁርባን
ጾታ ኣይፈልይን ንኹሉ ኣማኒ ዓቡይ ኣይብል ንእሽተይ ኣይብል መንእሰይ ኣይብል ጎርዞ ኣይብል ዕድመ ከይፈለየ ንኹሉ ኣማኒ፣ ብዝግባእ
ንስሕኡ ንዝወድአ ካብ ሓጥያት ዝረሓቀ ዘበለ ኩሉ ይግባእ። ዘይግብኦ ኣብቲ መኣዲ ጎይታ ኣይቅረብ። 1ይ ቆሮ,11፡21-28.[ስርዓተ ቅዳሴ]።
7.፠ንኹሉ ዝፍጸመሉ ምኽንያት፣- ኩሉ ሰብ ይዕበ ይንኣስ ናይ ዘልኣለም
ሂወት ስለ ዘድልዮ እዩ።
8.፠ስነ ስርዓት ኣብ ግዜ ቁርባን፣- ለይቲ ተኣምረ
ኪዳን ከተርክብ ይግባእ፣ እንተሓሊፍካ ምቅባል ኣይግባእን ቅዳሴ ክጅምር ከሎ ዘይነበረ ምቅባል ኣይግባእን። ፍት ነገስት ኣንቀጽ 12[ስርዓተ ቅዳሴ ቁጽ.62]
፠ብንስሓ
ተፈለየ ሰብ ንስሓ ግዜኡ ከይወድአ ናብ ሞት ዘብጽሕ ሕማም እንተ ሓመመ ቅዱስ ቁርባን ኣይከልከል። ፍት ነገስት ኣንቀጽ 13 ዕንቆራ
15]
፠ስርዓት ኣቀባብላ፣- ህጻናት ብቅድሚት ብድሕሪኡ ዓበይቲ
ሰብኡት በብደረጀኦም ካብኡ ኣንስት ካህናትን ዲያቆናትን ደናግልን ኣዋልድን በብደረጀኦም ይቆርቡ[ይቆርባ]።
Kommentare
Kommentar veröffentlichen