ማዕተብ


46. ማዕተብ

1.፠ማዕተብ፣- ኣተቦ ኣማዕተቦ ዝብል ካብ ግእዝ ዝወጸ ኮይኑ ምልክት መለለዩ መፍለጢ ማለት እዩ። ማዕተብ ሰለስተ ሕብሪ ኣለዎ ንሳቶም ከኣ፣-

[1], ቀይሕ፣- ናይ ወልደ እግዚኣቢሄር ስጋን ደምን ዘመልክት እዩ ከምኡ ውን ብደሙ ከም ዘንጽሃና ብደሙ ከም ዝደሃና እዪ።

[2], ጻዕዳ፣- ናይ ንጽህ ከም ዝኾነ እዩ።

[3], ጸሊም፣- ከኣ ናይ መከራ ወልደ እግዚኣቢሄር እዩ። ከምኡ ውን ካብ ጸልማት ከም ዘውጸኣና። ማዕተብ ዝብል ቃል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እካ እንተዘይ ሃለወ ብትንቢትን ምሳሌን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሰፊሩ ንረኽቦ። ብርሃን መስቀል ሓቂ፡ማዕተብ፡ ብምሳሌ ንረኽቦ። መዝ,43፡3. መዝ,85፡10. ኣብ ክሳድና እንኣስሮ ውን ኣብ መጽሓፍ ሰፊሩልና ይርከብ። ዘዳ,6፡6-9. ምሳ,3፡1-4. ስለዚ ካብዚ ተመልኪትና ድማ ማዕተብ ንኣስሮ። ዘፍ,38፡18. ከምኡ ውን ማዕተብ እንኣስሮ መስቀል እዩ መመኪሕናን መድሃኒናን ኣርማናን ጎይታናን መድሃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ተሰቂሉ ደሙኣፍሲሱ ነዓና ዘድሃነሉ ስሌና ዝተሰቀለሉ ንሕና ውን ዝደሓናሉ ስለዝኾነ ኣብ ክሳድና ይኹን ኣብ ነጸላና እንገብሮን ኣብ ክሳድና እነማዕትቦን።
         

Kommentare

ዝተፈትዉ ጽሑፋት

ስነ-ፍጥረት

እምነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶን[ትርጉም ሽም ኦርቶዶክስ ተዋህዶን]።

ምስጢረ ቁርባን ስለ ምንታይ

ምስጢረ ክህነት እንታይ ማለት እዩ

7ተ ምስጢራተ ቤት ክርስትያን