ኣቦ ወይ ኣባሊጋ ክርስትና ንምንታይ ይጠቅም
23. ኣቦ ወይ ኣባሊጋ ክርስትና
፠ናይ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤት ክርስትያን ብ40ን ብ80ን መዓልቲ ንዝጥመቁ
ህጻናት ብዛዕባ እምነት ዝምልከት ኩሉ ሓላፍነት ክስከም ንዝኽእል ናይ ክርስትና ኣቦ/ኣደ/ኣባሊጋ ክህልዎ ትእዝዝ።
፠እቲ/ታ/ ብልግነት ዝሕዝ/ትሕዝ/ ሰብ መንፈሳዊ ሓላፍነት
ትምህርቲ ሃይማኖት ዝተማህረ ክኸውን ይግባእ። ዘይተማህረ ክሕዝ ግን ግቡእ ኣይኮነን ምኽንያቱ ብናይ ነፍሲ ሓላፍነት ኮይኑ ይሕዞ
ስለዘሎ ተሓታቲ ንሱ እዩ።
፨ካልእ ውን ኣባሊጋ ዝኾውን ወዲ ንወዲ ጋል ንጋል እምበር
ጋል ንወዲ ወዲ ንጋል ምሓዝ ብልግነት ኣይፍቀድን እዩ።
፠ኣባሊጋ ክገብሮ ዝግብኦ እቲ ህጻን ምስ ዓበየ ልክዕ
ከምቶም ናይ ስጋ ደቁ ከይፈለየ ከምህሮን ክከታተሎን እየ ኢሉ ማሕላ ኣትዩ ይወስዶ። ትምህርቲ ክንብል ከለና ግና ናይ ቤት ክርስትያን
መንፈሳዊ ትምህርቲ እዩ።
24.ስም ጥምቀት[ክርስትና ማለት እንታይ ማለት እዩ]
፠ነፍሲ ወከፍ
ክርስትያን 2ተ ኣስማት ክህልዎ ይኽእሉ። እዚ ከኣ እቲ ሓደ
ስድርኡ መጸውዒ ዘውጽእሉ ክኸውን ከሎ እቲ ካልኣይ ከኣ ብጥምቀት ቅድስቲ ቤት ክርስትያን ተውጽኣሉ ስም እዩ።
፠ስም ማለት‘‘ሰመየ‘‘ወይ ከኣ‘‘ሰየመ‘‘ ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ቃል
ዝተረኽበ እዩ። ስም ማለት መጸውዒ መፍለይ መፍለጢ እዩ።
፠ብቤት ክርስትያን ዝወሃብ ስም ድማ ኣብ ግዜ ዝሓመምናሉ በቲ ስም ማይ
ድጋም ይድገመልና ጸሎት ይግበረልና። ከምኡ ውን ኣብ ቀብሪ ኣብ ፍትሓት ብስም ክርስትና ንጽዋዕ።
1.፠ናይ ስም ጥምቀት [ክርስትና]ኣሰያይማ ስርዓት፣-
1] ብስም እቲ ተጠማቃይ ተወልደሉ ዝነበረ ዕለት ናይ እግዚኣቢሄር ስም
ወይ ናይ ቅዱሳን በዓል ይስየም።
2] ብስም ኣብ መዓልቲ ጥምቀቱ ዝወዓለ በዓል።
3] ብስም ዝጥመቀሉ ቤት ክርስትያን ወይ ናይ መብጸዓ ናይ ቅዱሳን ስም
ይስመ።
25. ስም ጥምቀት[ክርስትና] እንታይ ይመስል
1,፠ናይ ወዲ ስም፣- ገብረ እግዚኣቢሄር፣ ገብረ ክርስቶስ፣ ገብረ ማርያም፣
ገብረ ሚካኤል፣ ተስፋ ሚካኤል ወዘተ,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,፣
2,፠ናይ ጋል ስም፣- ወለተ ኢየሱስ፣ ወለተ ማርያም፣ ወለተ ሚካኤል ወዘተ,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,፣
፠እዚ ማለት ከኣ ናይ እግዚኣቢሄር ኣገልጋሊ ኣገልጋሊት ናይ ቅዱሳን ህያብ
ኣገልገልቲ ማለት እዩ።
26. ንምንታይ ብናይ ቅዱሳን ስም ነውጽእ
፠ምኽንያቱ ባዕሉ እግዚኣቢሄር ብናይ ጽድቂ መሪጹ ሕጉን ስርዓትን ብምሕላዩ
ኣብ እምነቶም ጸኒዖም ንዝተረኽቡ ቅዱሳን ብዝኣዎ ቃል ኪዳን መሰረት እዩ። መዝ.89፡3.
ኢሳ,56፡3-6. ንቅዱሳን ሃዋርያትን ሰማእታትን ብዝኣተወሎም ቃል ኪዳን ብስምኩም ውልዱ ዝሰመየ ብስምኩም ቤት ክርስትያን
ዝሃነጸ ብስምኩም ሞባእ ዘውደቀ ብስምኩም ዝኽሪ ዝገበረ ወዘተ እንዳበለ ንቅዱሳን ኪዳን ብዝኣተወሎም ንሕና ውን ነቲ ኪዳን ክንቅበሎ
ክንትግብሮ ስለ ዘለና ውን እዩ።
Kommentare
Kommentar veröffentlichen