ጾም ኣብ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤት ክርስትያን


40. ጾም ኣብ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤት ክርስትያን

1.፠ጾም፣- ካብ ጸመወ ዝብል ግእዛዊ ዝወጸ ቃል ኮይኑ እዚ ማለት ድማ ፍቃድ ስጋኻ ንፍቃድ ነብስኻ ምግዛእ ማለት እዩ። እዚ ማለት ድማ ንዝተወሰነ ግዜ ካብ መብልዕን መስተን ምኽልካል፣ ከምኡ ውን ካብ ጥዑም መብለዕን ዊኒታ ስጋኻ ምግታእ ማለት እዩ።‘‘እተን 3ተ ሰሙን ክሳዕ ዝውድኣ ጥዑም መግቢ ኣይበላዕኩን ስጋን ወይንን ኣይእተኹን። ዳኒ,10፡13. ‚‘‘ንጽድቂ ዝደልዩ ክጠምዩ እዮም እሞ ብጹኣን እዮም‘‘። ማቴ,5፡6። ማቴ,4፡14. ማቴ,17፡27. ዮና,5፡6. ኣስቴ,4፡16. ግብ,13፡3. ኢዩኤል,2፡15.

2.፠ዓይነት ጾም፣-

[1], ናይ ኣዋጅ ጾም

[2], ናይ ብሕቲ[ናይ ውልቂ] ጾም፣ ብኣፍልጦ ኣበነብስኻ ዝጽወም።

፨ብትእዛዝ ቤት ክርስትያን ኣብ ዓመት ዝጽወሙ 7ተ ኣጽዋማት ኣለዉ። ንሳቶ ከኣ

[1], ጾመ ነብያት[ስብከት]፣- ቅዱሳን ነብያት ናይ ጎይታናን መድሃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምምጻእን ምውላድን ዝጸምዎ ጾም ኮይኑ ቅድሚ በዓል ልደት ካብ 15ተ ሕዳር ክሳዕ 28ን ታሕሳስ ይጽወም።

[2], ጾመ ድሕነት[ረቡዕን ዓርብን]፣-‚‘‘ኣይሁድ ንጎይታ ንኽሰቅልዎ ምኽሮም ዘስመርሉ እዩ። ዓርቢ ኸኣ ጎይታና ዝተሰቀለሉ መዓልቲ  እዩ፣ ብጀካ ኣብ በዓል 50 ካብ ትንሳኤ ንኔው ዘለዋ 50 መዓልቲ ኩሉ መዓልቲ ይጽወማ እየን።

[3], ጾመ ጋህድ፣- ትርጉሙ ምግላጽ ማለት እዩ። ድሮ ጥምቀት ምስጢረ ስላሴ ስለ ዝተገልጸሉ በዚ ዕለት እዚ ንጸውም ድሮ ልደት ከኣ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሰብ ኮይኑ ስለ ዝተጋህደ እዩ ኩሉ ግዜ 28ን ታሕሳስ ኣብ ዘመነ ዮውሓንስ ከኣ ይውዕል።

[4], ጾመ ነኔዌ፣- ሰብ ነኔዌ ብስብከት ነቢ ዮናስ ጸይሞም ካብ መዓት ዝደሓንሉ ጾም ስለ ዝኾነ ንሕና ውን ነዚ እንዳዘከርና እንጾሞ ጾም እዩ። ታሪኽ ኣብ መጽሓፈ ዮናስ ንመልከት

[5], ዓቢ ጾም[ጾመ ኣርበዓ]፣- ጎይታ ዝጾሞ ጾም ኮይኑ ሰይጣን ከኣ ዝተሰነፈሉ እዩ። ማቴ,4፡1-2. ስለዚ እዚ ጾም እዚ ነዓና ኣርኣያ ዝነበረ ጾም እዩ። ንሕና ውን ብጾም ንሰይጣን ከም እንስዕሮ ከም እነሸንፎን ዝነግር እዩ።

[6], ጾመ ሓዋርያት[ጾመ ሰነ]፣- ቅዱሳን ሓዋርያት ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ምስ ተቀበሉ ወንጌል መንግስተ ድሕነት ዓለም ናብ ኩሉ ንምብጻሕ ዝጸምዎ እዩ። ካብ በዓል ጴራቅልጦስ ክሳብ 5ተ ሓምለ ዝጽወም ጾም እዩ።

[7], ጾመ ፍልሰታ፣- ቅዱሳን ሓዋርያት ናይ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ትንሳኤን ዕርገትን ንኽርእዩ ዝጸምዎ ኮይኑ ካብ 1ሓደ ነሓሰ ክሳብ 15ተ ነሓሰ ይጽወም ስለዚ ንሕና ውን ነዚ እንዳዘከርና እንጾሞ ጾም እዩ።

፠NB;- ጾመ ቁስቃም ናይ ግሊ ጾም እዩ። ካብ 26ተን መስከረም ክሳብ 5ተ ሕዳር[40 መዓልቲ] ካልእ መዓልቲ ውን ብኣፍልጦ ኣበነብስኻ ብዘይካ ቀዳምን ሰንበትን ክጽወም ይከኣል እዩ።

3.፠ጠቅሚ ጾም፣- ጠቅሚ ጾም ሰብ ጾም ብምጻሙ ካብ መከራን፣ ካብ ጥፍኣትን፣ሓጥያትን ካብ ምስራሕ ካብ ኩፉእ ምሕሳብ የድሕን ጾም ሓይሊ ኣጋንንቲ የርሕቅ። ጾም ኣብ ዝጸምካሉ ፍቅርን ርህራሄን እንበር ኩፉኡን ጽልእን ኣይሕስብን ሓቀኞ ጾም እንተጾምካ። ማቴ,17፡21. ሰብ ነኔዌ ጾም ብምጻሞም ካብ ጥፍኣት ድሓኑ። ካብ ሓጥያት ምስራሕ ኣቃረጹ ናብ እግዚኣቢሄር ተመልሱ ንስኻ ውን ጾም እንተጾምካ ካብ ሓጥያት ምስራሕ ኣቃሪጽካ ናብ እግዚኣቢሄር ትምለስ፣ ምስ እግዚኣቢሄር ከም እትዛረብ ትገብረካ እያ። ዮናስ,3፡5-10. ኣስቴር,4፡16. ኢዮ,2፡15. ማቴ,4፡1-11.

4.፠ስነ-ስርዓት ጾም፣- እንጾሞ ጾም እግዚኣቢሄር ክቅበሎ እንተዳኣ ኮይኑ ብንጽህናን ብፍቅርን እዪ።‘‘ክትጸሙ ኸለኹም ትበኣሱን ትከራኸሩን ትዋቅዑን፣ ብሕሱም ጉስጥን ትዋቅዑ ኣለኹም። ጾሎትኩም ኣብ ላዕሊ ከም ዝስማዕ ጌርኩም ኣይትጸሙን ኢኹም ዘለኹም።,,,,,,,,,,,,እቲ ኣነ ዝፈትዎ ጾም`ሲ እዚ ዝስዕብ እዩ፣ ንማእሰረ እከይ ምፍታሕ፣ነርዑት ባርነት ምዝላቅ፣ንጡቅዓት ምውጻእ ሓራ እዩ‘‘። ኢሰ,58፡3-12.

፨NB;- እንተኾነ ብዙሓት ሰባት ነቲ ኣብ ማቴ,15፡1-20. ተጠቂሱ ዘሎ ሃይለቃል ብዘይምርድኦም ጾም ኣየድልን ይብሉ። ኣብ`ዚ ክንርድኦ ዘለና ግን ፈሪሳውያን‘‘ስለምንታይ እዮም ደቀ መዛምርትኻ ኣእዳዎም ከይተሓጸቡ ዝበልዑ``ዝብል እዩ። ጎይታ ውን ‚‘‘ንሰብ ዘርክሶ ካብ ኣፍ ዝወጽእ ዳኣ እምበር ናብ ኣፍ ዝኣቱ ኣየርክሶን እዩ። ዝብል እዩ ብዝያዳ ካብ ቁጽሪ 20 ተመልክተኣብ መጠረሽታ ከኣ ጎይታ ብኽም`ዚ ዝስዕብ ዛዘሞ‘‘እዚ እዩ ንሰብ ዘርክሶ እምበር ብዘይ ተሓጸበኣእዳው ምብላዕ`ሲ ንሰብ ኣየርክሶን በለ። ኣብዚ ብምልኡ ዝነበረ ዝርርብ ብዛዕባ ምሕጻብ እምበር ካልእ ዝርርብ ኣይነበረን።

                            መደምደምታ

ኣብ`ዚ ጾም ብዙሓት ካብ ጥዑም መብልዕ ተኸልኪልካስ እንታይ እዩ ካብ ስጋ ካብ ጸባ ካብ ዝተፈላለየ እንቓቖሖ መሳሊ ካልእ ውን ተመሳሳሊ ኣነርጂ ዘለዎም ነገራት ቤት ክርስትያንና ትኽልክል እያ እዚ ክትገብር ከላ ግና ብግብሪ ዳኣ እምበር ብኣፍ ኣይኮነትን። ኣብ ግዜ ጾም ክትጸውም ከለኻ ሓይሊ ምእንቲ ክትረክብ ስጋኻ ካብ ስሚዒት ስጋዊ ነገራት ንምቁጣብን ንምቁጽጻርን እዩ። እዚ ምስ ትኽልክላ ነብስኻ ናብ ዝሙት ኮነ ናብ ስርቂ ኮነ ናብ ሓጥያት ኣይትኸይድን ትእሰር ኣላ ማለት እዩ። ንሱ ጥራይ ዘይኮነስ ክትጸውም ከለኻ ጾሎት ክትጽሊ ኣለካ ክትሰግድ ውን ኣለካ እዚ እንድሕር ኣዘውቲርካ ከም ዝጾምካ ነብስኻ ክትነግረካ እያ። ጾም ካብ ትዕቢት ተድሕነካ እያ ምስ ኣምላኽ ክትዛራረብ ትደልየካ እንድሕር ዘይትጸውም እንተኾንካ ናብ ንስሓ ክትበቅዕ ኣይትኽእልን። ኣብዚ ብዙሓት ሰባት ነቲ ጾም ብግብሪ ስለዘይገብርዎ ስለዘይጾምዎን ብዙሕ ክዛረቡ ትሪኢ። ኣብ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ግና ብግብሪ እዩ ዝፍጸም ስለዚ ኣብ መንፈሳዊ ሂወት ጾም ኣገዳሲ እዩ ነብስኻ ትቆጻጸር ንመንፈሳውነት ትሓስብ። ንብዝያዳ እንታይ ረብሓ ከም ዘለዎ ንምፍላጥ ብጾም ንነብስኻ ፈትና ክትምልሰልካ እያ።

Kommentare

ዝተፈትዉ ጽሑፋት

ስነ-ፍጥረት

እምነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶን[ትርጉም ሽም ኦርቶዶክስ ተዋህዶን]።

ምስጢረ ቁርባን ስለ ምንታይ

ምስጢረ ክህነት እንታይ ማለት እዩ

7ተ ምስጢራተ ቤት ክርስትያን