ምስጢረ ንስሓ ብሓጺር መረዳእታ


31. ምስጢረ ንስሓ ብሓጺር መረዳእታ

1.፠ምስጢረ ንስሓ፣- ሓደ ካብቶም ዝድገሙ ምስጢር ኮይኑ ዘውህቦ ጸጋ ድማ ሕድገት ሓጥያት ምሕዳስ ሂወት የውህበና። ግብ,3፡19-2.

2.፠ምስጢረ ንስሓ ኣብ ቡሉይ ኪዳን፣- ኣብ ዘበነ ብሉይ ብንስሓ ዝተጠምቁ።

[1], ኣዳም ምስተነስሐ ድሕነት ረኸበ። ኩፋ,5፡1.

[2],ዳዊት ዘመዩ ሰብ ቀቲሉ ግና ስለ ዝተነስሐ እግዚኣቢሄር ሓጥያቱ ይቅረ ኢሉ ኣርሒቅሉ እዩ። 2ይ ዜና,32፡26. ብንስሓ ዘይተመልሱ ድማ ኣብ ዘበነ ኖህ ዝነበሩ ከኣ ጠፍኡ። ዘፍ,7፡26.

2.፠ኣመሰራርታ ምስጢረ ንስሓ፣- ብናይ ጎይታ ትምህርቲ ዝተመስረተ እዩ፣ ንዝረኸሰ ሰብነት ዘንጽሕ፣ ንዝኣረገ መንፈስ ዘሕድስ። ንጻድቃን ዘይኮነስ ንሓጥኣን ዝግባእ ምስጢር እዩ። ሉቃ,13፡5.

3.፠ናብ ንስሓ ክንቀርብ ከለና ነዞም ነገራት ክንፈልጦም ይግባእ፣-

[1], ብናይ ህጻናት መንፈስ ይቅረ ባሃልትን ንጽህና ምሓዝን ናብ ዓለም ዘይምምላስ። ማቴ,18፡3. ሮሜ,12፡2.

[2], በቲ ዝቀደመ ስራሕ እናሓዘንካ ምልዋጥ።

[3], እቲ ኩሉ ሓጥያት ብንዛዜን ብንስሓን ከም ዝድምስሰልና ኣሚና ምቅራብ። ዮሓ,8፡11.

[4], ብግብሪ ምልዋጥ ንንስሓ ዝበቅዕ ፍሬ ምፍራይ ናይ ሓጥያት ቅጽዓት እንታይ ምኻኑ ምፍላጥ። ማቴ,3፡8.

4.፠ሓጥያት እንታይ እዩ፣- ንግበርዎ ዝተበሃል ዘይምግባር ንኣይትስራሓዮ ዝተበሃለ ምስራሕ እዩ። ካብ መንፈሳዊ ምእላይ ማለት ሞት ብዓለም ምስዓር ካብ እግዚኣቢሄር ምፍላይ ኣብ ጸልማት ምንባር እዩ። ኤር,4፡6.

5.፠ዓይነት ሓጥያት፣-

[1], ብሃልየ [ብምሕሳብ]

[2], ብነቢብ [ብምዝራብ]

[3], ብገብር [ብምስራሕ]

6.፠ናብ ሓጥያት ዘብጽሑ መንገዲታት፣-

[1], ምስ ዘይመስለካ ዕርክነት ምምስራት። መዝ,1፡1. 1ይ ቆሮ,15፡33.

[2], ክፉእ ትምኒት። ያዕ,5፡13.

[3], ንዘይ ግበኣካ ብድፍረት ምስራሕ። መዝ,19፡13.

[4], ብሕሉፍ ዘይምጥዓስ።

[5], ንፈተና ዲያብሎስ ዘይምቅዋም። ያዕ,4፡7.

7.፠ድኹም ጎኒ ብኸመይ ክስገር ይከኣል፣-

[ሀ], መበገሲ ፈተና ምፍላጥ

[ለ], ጽብቅ መሓዛ ምሕራይ ግዜ ብኾንቱ ዘይምብኻን

[ሐ], ንኣካልካ ቐጺዕኻ ቐጺዕኻ ንእግዚኣቢሄር ብዱኹም ጎኒ ምእማን።

[መ], ብእምነት ጽኑዕ ምኻን ኣምላኽ ኩሉ ግዜ ምሳኻ ከም ዘሎ ምእማን። ሮሜ,8፡32.

[ረ], ንእግዚኣቢሄር ምስማዕን ነብስኻ ምምርማርን ናይ ቅዱሳን ሂወት ምርኣይ። እብ,13፡7.

8.፠ንስሓ ብኸመይ ንኣቱ፣-

[1], ንሕናና ኣእሚና ምስ ነብስና ድሉዋት ምኻን።

[2], ካብ ንነብስኻ ብምኽንያት ምጥባር ምእላይ። ገላ,6፡7.

[3], ንስሓ ንምእታው ዘይምድንጋይ። 2ይ ቆሮ,6፡2. ማቴ,3፡2.

[4], ልብኻ ዘይምትራር።

[5], ቀስብቀስ ዝስርሑ ሓጥያት መሰናኽላቶምን መበገሲኦምን ዝኾኑ ነገራት ምእላይ።

[6], ምሕረት እግዚኣቢሄር ዝጽበየና ዘሎ መንግስተ ሰማያትን ብኣስተንትኖ ምሕሳብ። ‚‘‘ልበይ ምሕረት እግዚኣቢሄር ክሓስብ ከለኹስ ተስፋ እገብር።‘‘ደ.ኤር,3፡21.

9.፠ሓጥያትና ንመን ክንናዘዝ ኣለና፣-

፨ሓጥያትና ንካህን ክንናዘዝ ኣለና እዚ ማለት ኣብ ቅድሚ እግዚኣቢሄር ምንዛዝ ማለት እዩ። ግብ,9፡10. ህዝቢ እስራኤል ኣብ ብሉይ ኪዳን ናብ ዮሓንስ መጥመቅ እና ኸዱ ተነስሑ። ማቴ,3፡6. ግብ,19፡18.

10.፠ስለምንታይ ንሓጥያትና ንካህን ንናዘዝ፣-

[1], ካብ ሰባት ተሓቢእና ሓጥያት ሰሪሕና ኣብ ቅድሚ ሰባት ጻድቃናት መሲልና እንተተራኣና። ኣብ ቅድሚ እግዚኣቢሄር ግና ሓጢእና ምኻና ምፍላጥ።

[2], ሓጥያትና ንካህን ክንነግር ከለና ናይቲ ካህን ገጽ ከቃጽለናን ክቀጽዓናን እዩ።‘‘ኪድ ሰብነትካ ንካህን ኣመርምር‘‘ሉቃ,5፡14. ያዕ,5፡16.

[3], በቲ ናይ ካህን ጸሎት ካብ ሓጥያትና ክንርሕቅ ማለት ካብ ማእሰርቲ ሓጥያት ናጻ ክንከውንን ሓይሊ ክንረክብን። ዮሓ,20፡22.

11.፠ኑዛዜ፣-

፨ንነብስኻ እናወቀስካ ከምቲ ሓጥያት ንምስራሕ ዘይሓፈርካ፣ ከምኡ ድማ ንካህን ሓጥያትካ ከይሓፈርካ ምንጋር። ምሳ,28፡13.

፨ገበኑ ዝኽውል ሰብ ኣይሰልጦን እዩ። ምሳ,18፡13.

፨ታሪኽ ሃናንያን ሰጲራን ግብ,5፡1. መዝ,37፡8. ህዳእ እግዚኣቢሄር ክዓየልካ ተጸበያ።

፨ቆነና፣- ብካህን ዝወሃብ መንፈሳዊ መቅጻዕቲ እዩ። 2ይ ቆሮ,7፡9.

12.፠ምስጢረ ንስሓ ዝረአ ኣጎልጎልጉሎት፣-

[1], ተነሳሒ ህውት ደልዩ ዘቅርቦ ኑዛዜ።

[2], ናይ`ቲ ካህን ጸሎትን ናይ ንስሓ ስርየትን።

13.፠ምስጢረ ንስሓ ዘይረአ ኣጎልጉሎት፣-

[1], ስርየተ ሓጥያት። 1ይ ዮሓ,1፡18.

[2], ካብ እርጋን ምሕዳስ ማለት ኣረጊት ሰብነት ምቅያር።

[3], ናይ ነብሲ ድሕነትን ሰላምን ምርካብ። ሉቃ,15፡32.

[4], ምስጢረ ምትዕራቕ ምሕረት ምርካብ። ምሳ,28፡13.

[5], ብነብሲ ምኽባር፣ ዋጋ ምርካብ ንዘማዊ ድንግል ንሓጥእ ጻድቅ ይገብሮ።

Kommentare

ዝተፈትዉ ጽሑፋት

ስነ-ፍጥረት

እምነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶን[ትርጉም ሽም ኦርቶዶክስ ተዋህዶን]።

ምስጢረ ቁርባን ስለ ምንታይ

ምስጢረ ክህነት እንታይ ማለት እዩ

7ተ ምስጢራተ ቤት ክርስትያን