ምስጢረ ንስሓ ብሓጺር መረዳእታ
31. ምስጢረ
ንስሓ ብሓጺር መረዳእታ
1.፠ምስጢረ ንስሓ፣- ሓደ ካብቶም ዝድገሙ ምስጢር ኮይኑ
ዘውህቦ ጸጋ ድማ ሕድገት ሓጥያት ምሕዳስ ሂወት የውህበና። ግብ,3፡19-2.
2.፠ምስጢረ ንስሓ ኣብ ቡሉይ ኪዳን፣- ኣብ ዘበነ
ብሉይ ብንስሓ ዝተጠምቁ።
[1], ኣዳም
ምስተነስሐ ድሕነት ረኸበ። ኩፋ,5፡1.
[2],ዳዊት
ዘመዩ ሰብ ቀቲሉ ግና ስለ ዝተነስሐ እግዚኣቢሄር ሓጥያቱ ይቅረ ኢሉ ኣርሒቅሉ እዩ። 2ይ
ዜና,32፡26. ብንስሓ ዘይተመልሱ ድማ ኣብ ዘበነ ኖህ ዝነበሩ ከኣ ጠፍኡ። ዘፍ,7፡26.
2.፠ኣመሰራርታ ምስጢረ ንስሓ፣- ብናይ ጎይታ ትምህርቲ ዝተመስረተ
እዩ፣ ንዝረኸሰ ሰብነት ዘንጽሕ፣ ንዝኣረገ መንፈስ ዘሕድስ። ንጻድቃን ዘይኮነስ ንሓጥኣን ዝግባእ ምስጢር እዩ። ሉቃ,13፡5.
3.፠ናብ ንስሓ ክንቀርብ ከለና ነዞም ነገራት ክንፈልጦም ይግባእ፣-
[1], ብናይ
ህጻናት መንፈስ ይቅረ ባሃልትን ንጽህና ምሓዝን ናብ ዓለም ዘይምምላስ። ማቴ,18፡3.
ሮሜ,12፡2.
[2], በቲ
ዝቀደመ ስራሕ እናሓዘንካ ምልዋጥ።
[3], እቲ
ኩሉ ሓጥያት ብንዛዜን ብንስሓን ከም ዝድምስሰልና ኣሚና ምቅራብ። ዮሓ,8፡11.
[4], ብግብሪ
ምልዋጥ ንንስሓ ዝበቅዕ ፍሬ ምፍራይ ናይ ሓጥያት ቅጽዓት እንታይ ምኻኑ ምፍላጥ። ማቴ,3፡8.
4.፠ሓጥያት እንታይ እዩ፣- ንግበርዎ ዝተበሃል ዘይምግባር ንኣይትስራሓዮ
ዝተበሃለ ምስራሕ እዩ። ካብ መንፈሳዊ ምእላይ ማለት ሞት ብዓለም ምስዓር ካብ እግዚኣቢሄር ምፍላይ ኣብ ጸልማት ምንባር እዩ። ኤር,4፡6.
5.፠ዓይነት ሓጥያት፣-
[1], ብሃልየ
[ብምሕሳብ]
[2], ብነቢብ
[ብምዝራብ]
[3], ብገብር
[ብምስራሕ]
6.፠ናብ ሓጥያት ዘብጽሑ መንገዲታት፣-
[1], ምስ
ዘይመስለካ ዕርክነት ምምስራት። መዝ,1፡1. 1ይ ቆሮ,15፡33.
[2], ክፉእ
ትምኒት። ያዕ,5፡13.
[3], ንዘይ
ግበኣካ ብድፍረት ምስራሕ። መዝ,19፡13.
[4], ብሕሉፍ
ዘይምጥዓስ።
[5], ንፈተና
ዲያብሎስ ዘይምቅዋም። ያዕ,4፡7.
7.፠ድኹም ጎኒ ብኸመይ ክስገር ይከኣል፣-
[ሀ], መበገሲ
ፈተና ምፍላጥ
[ለ], ጽብቅ
መሓዛ ምሕራይ ግዜ ብኾንቱ ዘይምብኻን
[ሐ], ንኣካልካ
ቐጺዕኻ ቐጺዕኻ ንእግዚኣቢሄር ብዱኹም ጎኒ ምእማን።
[መ], ብእምነት
ጽኑዕ ምኻን ኣምላኽ ኩሉ ግዜ ምሳኻ ከም ዘሎ ምእማን። ሮሜ,8፡32.
[ረ], ንእግዚኣቢሄር
ምስማዕን ነብስኻ ምምርማርን ናይ ቅዱሳን ሂወት ምርኣይ። እብ,13፡7.
8.፠ንስሓ ብኸመይ ንኣቱ፣-
[1], ንሕናና
ኣእሚና ምስ ነብስና ድሉዋት ምኻን።
[2], ካብ
ንነብስኻ ብምኽንያት ምጥባር ምእላይ። ገላ,6፡7.
[3], ንስሓ
ንምእታው ዘይምድንጋይ። 2ይ ቆሮ,6፡2. ማቴ,3፡2.
[4], ልብኻ
ዘይምትራር።
[5], ቀስብቀስ
ዝስርሑ ሓጥያት መሰናኽላቶምን መበገሲኦምን ዝኾኑ ነገራት ምእላይ።
[6], ምሕረት
እግዚኣቢሄር ዝጽበየና ዘሎ መንግስተ ሰማያትን ብኣስተንትኖ ምሕሳብ። ‚‘‘ልበይ ምሕረት እግዚኣቢሄር ክሓስብ ከለኹስ ተስፋ እገብር።‘‘ደ.ኤር,3፡21.
9.፠ሓጥያትና ንመን ክንናዘዝ ኣለና፣-
፨ሓጥያትና
ንካህን ክንናዘዝ ኣለና እዚ ማለት ኣብ ቅድሚ እግዚኣቢሄር ምንዛዝ ማለት እዩ። ግብ,9፡10.
ህዝቢ እስራኤል ኣብ ብሉይ ኪዳን ናብ ዮሓንስ መጥመቅ እና ኸዱ ተነስሑ። ማቴ,3፡6.
ግብ,19፡18.
10.፠ስለምንታይ ንሓጥያትና ንካህን ንናዘዝ፣-
[1], ካብ
ሰባት ተሓቢእና ሓጥያት ሰሪሕና ኣብ ቅድሚ ሰባት ጻድቃናት መሲልና እንተተራኣና። ኣብ ቅድሚ እግዚኣቢሄር ግና ሓጢእና ምኻና ምፍላጥ።
[2], ሓጥያትና
ንካህን ክንነግር ከለና ናይቲ ካህን ገጽ ከቃጽለናን ክቀጽዓናን እዩ።‘‘ኪድ ሰብነትካ ንካህን ኣመርምር‘‘ሉቃ,5፡14. ያዕ,5፡16.
[3], በቲ
ናይ ካህን ጸሎት ካብ ሓጥያትና ክንርሕቅ ማለት ካብ ማእሰርቲ ሓጥያት ናጻ ክንከውንን ሓይሊ ክንረክብን። ዮሓ,20፡22.
11.፠ኑዛዜ፣-
፨ንነብስኻ
እናወቀስካ ከምቲ ሓጥያት ንምስራሕ ዘይሓፈርካ፣ ከምኡ ድማ ንካህን ሓጥያትካ ከይሓፈርካ ምንጋር። ምሳ,28፡13.
፨ገበኑ ዝኽውል
ሰብ ኣይሰልጦን እዩ። ምሳ,18፡13.
፨ታሪኽ ሃናንያን
ሰጲራን ግብ,5፡1. መዝ,37፡8. ህዳእ እግዚኣቢሄር ክዓየልካ ተጸበያ።
፨ቆነና፣-
ብካህን ዝወሃብ መንፈሳዊ መቅጻዕቲ እዩ። 2ይ ቆሮ,7፡9.
12.፠ምስጢረ ንስሓ ዝረአ ኣጎልጎልጉሎት፣-
[1], ተነሳሒ
ህውት ደልዩ ዘቅርቦ ኑዛዜ።
[2], ናይ`ቲ
ካህን ጸሎትን ናይ ንስሓ ስርየትን።
13.፠ምስጢረ ንስሓ ዘይረአ ኣጎልጉሎት፣-
[1], ስርየተ
ሓጥያት። 1ይ ዮሓ,1፡18.
[2], ካብ
እርጋን ምሕዳስ ማለት ኣረጊት ሰብነት ምቅያር።
[3], ናይ
ነብሲ ድሕነትን ሰላምን ምርካብ። ሉቃ,15፡32.
[4], ምስጢረ
ምትዕራቕ ምሕረት ምርካብ። ምሳ,28፡13.
[5], ብነብሲ
ምኽባር፣ ዋጋ ምርካብ ንዘማዊ ድንግል ንሓጥእ ጻድቅ ይገብሮ።
Kommentare
Kommentar veröffentlichen