ምስጢረ ንስሓ ብዝርዝር


30. ምስጢረ ንስሓ ብዝርዝር

1.፠ንስሓ፣- ማለት ካብ ‚‘‘ነስሀ‘‘ ዝብል ግእዛዊ ቃል ዝወጸ ኮይኑ ትርጉሙ ድማ ተጣዕሰ፡ ሓዘነ፣ ናብ ልቡ ተመልሰ ማለት እዩ። ካብ መንገዲ ዲያብሎስ ናብ መንገዲ እግዚኣቢሄር ምምላስ ማለት እዩ። ንስሓ ከምቲ ክዳን ሓጺብካዮ ዝረስሕ ዳግማይ ከኣ ሓጺብካ ተጽርዮ፣ ከምኡ ከኣ ንስሓ ንሓጥያት ተጽርዮ ተንጽህሃካ ንብዘሎ ኩሉ ሓጥያት ተጽርዮ ዝሰራሕካ እንተሰራሕካ ደጋጊምጋ ሓጥያት እንተ ገበርካ ካብ ብዘሎ ሓጥያትካ ንስሓ እዩ ዘጽርየካ።

፠ታሪኽ ናይ ዳዊት ንመልከት 2ይ ሳሙ,12፡1-14. ንስሓ ጠፊእካ ኔርካ ብናይ ሓጥያት ደቂስካ ጸኒሕካ ምብርባር እዩ።

፠ብዘይ ንስሓ ካብ`ቲ ዝመጸእ ናይ መጠረሽታ መከራን ሓዘንን ምድሓን የለን። ማቴ,3፡2. ኢሳ,1፡16. ምሳ,24፡16.

2.፠ጻድቅ 7ተ ግዜ ይወድቅ 7ተ ግዜ ይትንስእ ምሳ,24፡16. ዝወደቀ ሰብከ ኣይትንስእን ዶ መንገዲ ዝተጋገየ ኸ ኣይምለስን ዶ። ኤር,8፡4. ሓጥያት ሰሪሕና ኣብ ዝወደቅናሉ ግዜ ብቅልጡፍ ክንምለስ ይግበኣና። ንስሓ ዝተሰርሐ ንሓጥኣን እንበር ንጻድቃን ኣይኮነን ማቴ,19፡15. ግን ሓጥያት ይፈላለ እዩ፣ ንሱ ከኣ ጌጋን በደልን ተባሂሉ ይጽዋዕ ጌጋ ዝበሃል ብዘይ ኣፍልጦ ዝግበር እዩ፡ በደል ዝበሃል ከኣ ኮነኤልካ እትሰርሖ[እትገብሮ] ሓጥያት እዩ። ንስሓ ክንሳሕ እየ እናበልካ ኣይስራሕን እዩ። ማርኤሳሓቅ 8 ገጽ 126ን እብ,6፡4. ንስሓ ምእታው ሓጥያትና ኣብ ዝዘከርናሉ ግዜ ወይ ቃል እግዚኣቢሄር ብመምሃራን ኣብ ዝሰማዕናሉ ግዜ እንታይ ክንገብር ብምባል ናብ ልብና ክንምለስ ይግበኣና። ግብ,9፡6. ግብ,16፡30. ግብ,2፡37.

3.፠ንስሓ መዓስ ተጀሚሩ፣-

፠ብሕጊ ልቦና ተጀሚሩ ጀመርቱ ከኣ ናይ መጀመርታ ፍጥረት ሰባት ኣቦና ኣዳምን ኣዴና ሄዋንን እዮም። ኣቦና ኣዳምን ኣዴና ሄዋንን ብዝፈጸምዎ በደል ንስሓ ብምእታዎም እግዚኣቢሄር ተቀበለሎም ስለዚ ንስሓ ብእግዚኣቢሄር ቅቡል እዩ። ኩፋ,5፡1.

4.፠ጠቅሚ ንስሓ፣-

፠ንስሓ ንሓጥእ ከም ጻድቅ፡ንሰራቂ ከም መጽዋቲ፡ ንሓሳዊ እሙን፡ ንዘማዊ ከም ድንግል ትቅይሮ ኮይና፣ ካብ ጥፍኣት ካብ ዘለኣለማዊ ሞት ይድሕን ግን ናብ ሓጥኣት ክምለስ ነቲ ዝገብሮ ዝነበረ ሓጥያት ገዲፉ እንተ ተመሊሱ ኩሉ ሕጋጋት ከኣ እንተ ሓለወ። ሕዝ,18፡21-23. ዮና,3፡5. 2ይ ሳሙ,12፡1-13. ሕዝ,8፡30-32. ማቴ,3፡6-8.

5.፠ንስሓ ንመን ይንገር፣- ንስሓ ዝንገር ንካህን፣ ንኤጰስ ቆጶስን ጥራይ እዩ። ብዘይካ ኣባት ነብስኻ ወይ ብካህን ንስሓ ዝፍጸም ምስጢር እዩ። ዮሓ,20፡23.

6.፠ኣባት ነብሲ እንታይ ማለት እዩ፣- ኣበነፍሲ ማለት መንፈሳዊ ኣቦን ማለት እዩ፣ ከምቲ ወላዲ ናይ ስጋ ኣቦ ንውሉዱ ከይጠሚ ከይዓርቕ ዝሓሊ ከዕብዮ ውን ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ውን ዘብጽሖ ከምኡ ከኣ መንፈሳዊ ኣቦ ብመንፈሳዊ ንኽዓቢ ዝከናኸን ማለት እዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ንጢሞጥዎስ ወዱ ዝበሎ ዝነበረ ብመንፈስ እዩ። ወዱ እምበር ብስጋ ኣይኮነን። 1ይ ጢሞ,1፡2.

7.፠ ሓጥያትና ኣብ ቅድሚ ካህን እንና ዘዘሉ፣-

፠ምኽንያት፣- እዚ ከኣ ባዕሉ ጎይታ ዝፈቀደ እዩ። ዮሓ,20፡23. ብዝበሎ መሰረት ከም`ዚ ብምባል ባዕሉ ጎይታ ኪድ ርእስኻ ንካህን ኣመርምር በሎ። ማቴ,8፡4. ሉቃ,17፡13፡16. ብጸሎት ናይ`ቲ ካህን ካብቲ ሓጥያት ማእሰርቲ መታን ክንፍታሕ። ማቴ,18፡18. ያዕ,5፡16. ግብ,9፡17. ብሓጥያትካ ተኣሚንካ ነቲ ዝገበርካዮ ኣብ ቅድሚ ካህን ክትነግር ይግባእ፣ ሓጥያትካ ምሕባእ ወይ ምርሳዕ ኣይግባእን ድሕነት ውን የብሉን ኣባ ኣንጦኖስ ከም ዝበሉ ሓጥያቶም ንዝረስዑ እግዚኣቢሄር ሓጥያቶም ይዘክረሎም ሓጥያቶም ንዝዘከሩ ግን እግዚኣቢሄር ሓጥያቶም ይሓድገሎም።

8.፠ሓጥያተይ ኩሉ ግዜ ኣብ ቅድመይ እዩ። መዝ,51፡3. ስለ`ዚ ንስሓ ኣብ እንኣትወሉ ግዜ ኣብ ቅድሚ ካህን ዘይኮነስ ግብ,5፡1-11. ኣብ ቅድሚ እግዚኣቢሄር ከም ዝቆምና ክንዝክሮ ኣብ ንስሓ ግዜ ኣብ ቅድሚ እቲ ካህን ኮይንካ ተንበርኪካ ወይ ብስነ ስርዓት ኮፍ ኢልካ ዘለካ ሓጥያት ትዛረብ። መዝ,32፡5. ምሳ,28፡13. ገበኑ ዝኽውል ሰብ ኣይሰልጦን እዩ። እቲ ብልቡ ዝናዘዝ እሞ ይሕደገሉ እዩ። ስለዚ ንኣባት ነብስኻ ከም ትፈትዎ እሙን ዓርክኻ ጌርካ ክትዕልሎ ይግባእ። ንሱ ከኣ እቲ ዓቅሚ ናይቲ ተነስሓይ ርእዩ በቲ ስርዓት ኣንቀጽ ንስሓ ቆነና ይህቦ እዚ መቅጻዕቲ ዘይኮነስ መንፈሳዊ መለማመዲ ይበሃል ምስ ወደአ ከኣ ንኣበነፍሱ ይነግሮም እሞ ስርየተ ሓጥያት ይወሃቦ። እቲ ዝወሃብ ቆነና ከኣ ጾም ስግደት፣ ምምጽዋት,,,,,,,ወዘተ መንፈሳዊ ትእዛዝ ይወሃብ ። ሓደ ሰብ ኣብ ምድሪ ክንሳሕ ከሎ ኣብ ሰማያት ብዙሕ ሓጎስ ይኸውን። ሉቃ,15፡11-20. ሉቃ,15፡7.

9.፠ሓጥያት ኣብ ዝሰራሕናሉ ግዜ ብምሉእ እምነት ሓጥያትና ክሕደገልና ምኻኑ ኣሚንና ናብ ዝገደደ ካልእ ሓጥያት ከይተሰገርና እንከለና ቀልጢፍና ኽንሳሕ ይግበእና ደጊም እንታይ ከም ዝተማሃርካን ከምዝሰማዕካን ዘክር። ሓልዎ ተነሳሕ እንተዘይኮይኑ ከም ሰራቂ ኽመጸካ እየ። ራኢ ዮሓ,3፡3. ዘይንሳሕ ዘበለ ኩሉ ኽጠፍእ እዩ። ሉቃ,13፡41. 2ይ ቆሮ,2፡6. ማቴ,24፡44. ማቴ,25፡13. ሉቃ,12፡13-21. ግብ,17፡30. 1ይ ጴጥ,4፡3. 1ይ ተሰ,5፡4-6.

10.፠ድሕሪ ንስሓ ዝግበር ጥንቃቐታት፣-

።ድሕሪ ንስሓ ካብ ሓጥያትና ከም ዝነጻህና ዳግማይ ናብ ሓጥያት ንኸይንምለስ ብውሕዱ ነዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ከተማልእ ኣለካ።

[ሀ]. መካይድኻ ሰብ ስለ ዝጸልወካ ሚዛናዊ ዝኾነ ሰብ ምሕራይ የድልየካ። እዚ ከኣ ቅዱስ መጽሓፍና ከምዚ ይብል ሕማቅ ዕርክነት ንጽቡቅ ልማድ የበላሽዎ[1ይ ቆሮ,15፡33] ታሪኽ [ኣትናስያ] ምስ ለባም ዝመላለስ ለባም ይኸውን ምስ ዓሻ ዝመላለስ ከኣ ዓሻ ይኸውን ይጠፍእ። ምሳ,13፡20. ምሳ,22፡24-25. ሲራ,13፡1. ሲራ,37፡12. 1ይ ነገ,12፡1. 2ይ ሳሙ,13፡1-10.

[ለ]. መንገዲ ሂወት ጀሚርካ ንድሕሪት ዘይምምላስ[ዘይምጥማት] ከመይ ‚‘‘እቶም ሓደ ግዜ ብርሃን ዝተቐበሉ ሰማያዊ ውህበት ዝጠዓሙ ተማቀልቲ መንፈስ ቅዱስውን ዝኾኑ። ነቲ ሰናይ ዝኾነ ቓል ኣምላኽን ሓይሊ ናይታ እትመጽእ ዓለምን ዝጠዓሙ፣ እንተ ወደቁ ንወዲ ኣምላኽ ብገዛእ ፍቓዶም ከም ብሓድሽ ሰቒሎም መላገጺ ስለ ዝገበርዎ፣ ብንስሓ ኪምለሱ ኣይከኣልን እዩ። ዕብ,6፡4-6. ታሪኽ ናይ ዴማስ፣ ሰበይቲ ሎጥ፣[ዘፍ,19፡25. 2ይ ጴጥ,2፡20-23. ፊሊ,3፡13. ሉቃ,9፡62.
[ሐ]. መንፈሳዊ ጎዕዞ ኣሰር እቶም ቀዳሞት ቅዱሳን ብምምልካት ብዘይ ምሕላም ክኸውን ኣለዎ። ዕብ,13፡7. ዕብ,11፡32-38. ዕብ,6፡12. ናብ ቅዱሳን ምጥማት ናባና ጠምት. ግብ,3፡4. ታሪኽ ኤልያስን ኤልሳእን ናብ ኤልያስ ጠሚቱ ዝረኸቦ ጸጋ ብዙሕ እዩ። ስለዚ ናብ ቅዱሳን ኣቦታትና ናብ መንፈሳዊያን ሰባት ምጥማት የድልየና። እግዚኣቢሄር ንስሓ ኩሎም ሓጥኣን ንስሓና ይቅበለልና ምስጢረ ንስሓ ካብ ብነዊሕ ብሓጺር መብርሂ ይህበና።

Kommentare

ዝተፈትዉ ጽሑፋት

ስነ-ፍጥረት

እምነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶን[ትርጉም ሽም ኦርቶዶክስ ተዋህዶን]።

ምስጢረ ቁርባን ስለ ምንታይ

ምስጢረ ክህነት እንታይ ማለት እዩ

7ተ ምስጢራተ ቤት ክርስትያን