ነገረ ቅዱሳን እንታይ ማለት እዩ፧


34. ነገረ ቅዱሳን

1.፠ነገረ ቅዱሳን፣- ማለት ብዛዕባ ቅድስና ናይ ቅዱሳን ዝገለጽ ትምህርቲ እዩ።‘‘ኣነ እግዚኣቢሄር ኣምላኽኩም ቅዱስ እየ ሞ፣ ንስኻትኩም ከኣ ቅዱሳን ኩኑ‘‘። ዘሌ,19፡2. 1ይ ጴጥ,1፡15. እግዚኣቢሄር ብባህሪኡ ቅዱስ እዩ። ቅዱሳን ከኣ ብጸግኡ እዮም ዝቅደሱ።

2.፠ቅዱሳን መላእክቲ፣- መልኣኽ ማለት ልኡኽ ማለት እዩ። ‚‘‘እንበኣርከስ ኩሎም መላእኽቲ ነቶም ክድሕኑ ዘለዎም ክሕግዙ ዝለኣኹ ኣብ ኣግልግሎት እግዚኣቢሄር ዘለዉ መናፍስቲ እዮም‘‘። እብ,1፡14. መዝ,104፡4. ከምኡ ውን መልኣኽ ዝብል ቃል ን3ተ ነገራት የመልክት፣-

[1], ንቅዱሳን መላእኽት

[2], ንመራሕቲ ቤት ክርስትያን

[3], ንሩኽሳት መናፍስት [ዲያብሎስ]                    

3.፠ከም ዘማልዱ፣-‚‘‘ነዘን 70 ዓመታት ዝተቆጣዕካየን ኢየሩሳሌምን ከተማታት ይሁዳን ክሳዕ መዓስ ኢኻ ዘይትምሕረን፣በሎ እግዚኣቢሄር ድማ ነቲ መልኣኽ ጽቡቅን ዜጽናንዕን ቃል መለሰሉ‘‘። ት.ዘካ,1፡12-13. ኢዮብ,33፡23-24. ሉቃ,13፡6. ማቴ,18፡10.

4.፠ከም ዘድሕኑ/ዝረድኡ/፣-‚‘‘መልኣክ እግዚኣቢሄር ኣብ ዙርያ እቶም ዝፈርሕዎ ይሰፍር፣ ካብ ድንገት ከኣ የናግፎም‘‘። መዝ,34፡7. ዘፍ,48፡16. ዘፍ,19፡1-20. ዳን,3፡1-25. ዳን,6፡22. ግብ,12፡6-10.

5.፠ከም ዝባርኹ፣-‚‘‘እቲ ካብ ኩሉ ክፉእ ዘድሓነኒ መልኣኽ ይባርኮም‘‘። ዘፍ,48፡16. ዮሓ,5፡2-5.

6.፠ጸሎት ከም ዘዕርጉ፣-‚‘‘እቲ ትኪ ዕጣን ከኣ ምስቲ ጸሎት ቅዱሳን ኮይኑ ካብ ኢድ እቲ መልኣኽ ናብ ቅድሚ ኣምላኽ ዓረገ‘‘። ራኢ ዮሓ,8፡3-4. ምሳ,13፡20. ጦቢ,12፡12-15. ራኢ ዮሓ,5፡8.

7.፠ከም ዝቀጽዑ፣-‚‘‘ክብሪ ንኣምላኽ ስለዘይሃበ ከኣ ብኡ ብኡ መልኣኽ እግዚኣቢሄር ቀዘፎ ሓሲኹ ከኣ ሞተ‘‘። ግብ,12፡23. 1ይ ዜና,21፡14-15. ዘሁ,22፡33.ዘጸ,23፡20-23.

8.፠ክብሪ ከም ዝግብኦም፣-‚‘‘,,,,,,,እካ ደኣ ከም መልኣኽ እግዚኣቢሄር ከም ክርስቶስ ጌርኩም ተቐበልኩምኒ‘‘። ገላ,4፡14. ምሳ,13፡7. ሮሜ,13፡7. ራኢ ዮሓ,18፡1.

9.፠ናይ ጸጋ/ክብሪ/ስግደት ከም ዝግብኦም፣-‚‘‘ክልተ መላእክቲ ምሽት ናብ ሰዶም መጹ,,,,,,,ሎጥ ከኣ ምስረኣዮም ኪቀባበሎም ወጸ ፍግም ኢሉ ከኣ ሰገደ‘‘። ዘፍ,19፡1. ኢያ,5፡13-14. 1ይ ዜና,21፡16. ዘሁ,22፡31. ራኢ ዮሓ,19፡10. ራኢ ዮሓ,22፡8.

፨ሕቶ፣-‚‘‘ኣነ ከኣ ክሰግደሉ ኢለ ኣብ እግሩ ወደቅኩ፣ ንሱ ግና ሕደግ ከምኡ ኣይትግበር,,,,,,በለኒ‘‘። ራኢ ዮሓ,19፡10. ራኢ ዮሓ,22፡8.

፨መልሲ፣- እቲ መልኣክ ነዚ ቃል እዚ ዝተዛረበ ክብሪ ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ንምግላጽን፡ትሕትና ንክምህረን እዩ። ካብቲ ቅዱስ ዮሓንስ ደጊሙ ምስጋዱ፣ ናይ ጸጋ ስግደት ንመላእክቲ ከም ዝግባእ ክንርዳእ ንኽእል ኢና። ዘይግባእ እንተዝኸውን ግና፡ ቅዱስ ዮሓንስ ሕደግ ኣይትስገደለይ እንዳበሎ ካልኣይ ጌዜ ኣይምሰገደሉን ኔሩ። ራኢ ዮሓ,22፡8.

10.፠ቅዱሳን ሰባት፣-

[1], ቅዱሳን ሰባት፣- ሕጊ እግዚኣቢሄር ሓልዮም፣ፍቃድ ስጋኦም ኣብ ፍቃድ ነብሶም ኣግዚኦም፣ብኩልንትናኦም ንኣምላኽ ዘፍቅርዎን ዘስመርዎን፣ ኣኽሊል ዓወት ዝተቀበሉ እዮም። ንኣብነት፣- ኒቢ ሄኖክክ፣ ዘፍ,5፡24. ኣቦና ኣብርሃም፣ ዘፍ,18፡17-18. ነቢ ሙሴ፣ዘጸ,33፡11. ቅዱስ ጴጥሮስ፣ ማቴ,16፡18. ቅዱስ ጳውሎስ፣ 2ይ ጢሞ,4፡8.

[2], ከም ዘማልዱ፣- ኣማላድነት ማለት ሓደ ኣብ ክንዲ ሓደ ወይ ብዙሓት ምጽላይ፣ ምልማን፣ምትዕራቅ ማለት እዩ።‘‘እንበኣር ቅድሚ ኩሉምህለላ፣ጸሎት፣ምምላድ፣ምስጋና ምእንቲ ኩሉ ሰብ ክግበር እምዕድ ኣለኹ‘‘። 1ይ ጢሞ,2፡1. ኣማላድነት ዘድልየሉ ምኽንያት ከኣ ኣምላኽ ናብኡ ብቀጥታ ጸሊኻ ስለ ዘይሰምዕ ዘይኮነስ ድሕነትን ስርዓትን ስለዘለዎ እዩ።

[3], ኣማላድነት በኣጸደ ስጋ ማለት ብስግኦም ከይመቱ ከለዉ፣- ‚‘‘እቶም ህዝቢ ናብ ሙሴ መጺኦም`ኣብ ልዕሊ እግዚኣቢሄርን ኣብ ልዕሌኻን ብምዝራብና ሓጥያት ገበርና፣ ነዞም ኣትማን ከርሕቀልና ንእግዚኣቢሄር ኣምላኽካ ለምነልና በለዎ። ሙሴ ድማ ምእንቲ እቲ ህዝቢ ለመነ። እግዚኣቢሄር ድማ ብስራዚ ተመን ግበር ኣብ ባላ ድማ ስቀሎ በሎ።,,,,,ናብ ኡ ዝጠመተ ድማ ይሓዊ ነበረ። ዘሁ,21፡7-9. ‚‘‘እዚ ኩሉ ካብቲ ባዕሉ ክርስቶስ ጌሩ ዝተዓረቀና ንካልኦት እውን ምስኡ ክንዕረቅ መዚ ዝሃበና፣ ኣምላኽ እዩ‘‘። 1ይ ቆሮ,5፡18-19. ዘጸ,32፡9-14. ኢዮ,42፡7-8. ያዕ,5፡16. ዘጸ,32፡31-32. ዘፍ,18፡20-32. ዮሓ,2፡3. ማቴ,15፡23. ዘፍ,20፡7. ኤር,42፡2. 1ይ ተሰ,5፡25.

[4], ኣማላድነት ቅዱሳን ብኣጸደ ነፍስ ማለት ድሕሪ ብስጋ ምማቶም፣-

‚‘‘ሙሴ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣቢሄር ኣምላኽ ከምዚ ኢሉ ተማህለለ‘‘ንሳቶም ከኣ ንዘልኣለም ክርስተይዋ እዮም ኢልካ ብርእስኻ ዝመሓል ካሎም ንኣብርሃምን ንይሳቅን ንያዕቆብን ባሮትካ ዘክር።`እግዚኣቢሄር ድማ ነቲ ንህዝቡ ክገብሮ ኢሉ ተዛሪብዎ ዝነበረ ክፋእ ተጠዓሱሉ‘‘። ዘጸ,32፡11-14. ‚‘‘ብህይዎት እንተሎና ወይ እንተሞትና ኩሉ ሳዕ ምሳኻትኩም ኢና። 2ይ ቆሮ,7፡3. ራኢ ዮሓ,14፡13. 2ይ ነገ,19፡34. ሉቃ,16፡27. 2ይ ነ

ገ,13፡20-21.

[5], ክብሪ ምስጋናን ከም ዝግብኦም፣- ‚‘‘ኣብ ምድሪ ዘለዉ ቅዱሳን ክቡራትን እዮም፣ እቲ ዝዓበየ ሓጎሰይ ድማ ምስኣቶም ምኻን እዩ‘‘። መዝ,16፡3. ‚‘‘ነቶም ብጽቡቅ ዜገልጉሉ መራሕቲ ቤት ክርስትያን፣ ምናዳ ነቶም ወንጌል ዝሰብኩልኩም ዝምህሩን ዕጽፊ ክብሪ ይግብኦም እዩ‘‘። 1ይ ጠሞ,5፡17. ‚‘‘ከምቲ ንቅዱሳን ዝግብኦም ምስጋና ዳኣ እንበር ምንዝርናን ኩሉ ርኽሰትን ወይ ስስዐ ከቶ ኣይሰማዕኩም‘‘። ኤፌ,5፡3. ሮሜ,13፡7. ገላ,4፡14. ሮሜ,8፡33. እብ,6፡9. ስራ,44፡1. ስራ,44፡15.

[6], ብስሞም ዝክር ጸበል ምግባር፣- ‚‘‘መዘከርታ ጻድቅ ንበረኸት እዩ፣ስም ረሲኣን ግና ይምሽምሽ‘‘። ምሳ,10፡7. ‚‘‘,,,,,,እቲ ንጻድቅ ብስም ጻድቅ ዝቅበል ዓስቢ ጻድቅ ይረክብ‘‘። ካብዞም ንኣሽቱ ንሓደ እካ ብስም ወደ መዝሙር ዝሑል ብርጭቆ ማይ ዜስቲ ዓስቢ ከቶ ከምዘይስእን ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ‘‘። ማቴ,10፡40-42. መዝ,112፡6. እብ,6፡9-11.                                                                                                                            

[7], ናይ ክብሪ ናይ ጸጋ ስግደት ከምዝግብኦም፣- ‚‘‘ንጉስ ናብከደነጾር ብግንባሩ ተደፊኡ ንዳኒኤል ሰገደሉ‘‘። ዳኒ,2፡46. ‚‘‘,,,,,,,,ራዕራዕ እናበለ ኣብ ቅዱሚ ጳውሎስን ሲላስን ተደፍአ‘‘። ግብ,16፡29. 2ይ ነገ,4፡36-37. 2ይ ነገ,2፡15. ምሳ,14፡19. ራኢ ዮሓ,3፡9.

Kommentare

ዝተፈትዉ ጽሑፋት

ስነ-ፍጥረት

እምነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶን[ትርጉም ሽም ኦርቶዶክስ ተዋህዶን]።

ምስጢረ ቁርባን ስለ ምንታይ

ምስጢረ ክህነት እንታይ ማለት እዩ

7ተ ምስጢራተ ቤት ክርስትያን