ጸበል ዝህቦ ምሕረት እንታይ እዩ


43. ጸበል ዝህቦ ምሕረት

1.፠ጸበል፣- ማለት ሓመድ  ወይ መሬት ማለት እዩ። እግዚኣቢሄር ኣብ ሓመድ  ሓዲሩ ከም ዝምሕር ካብ ዴዌ ስጋን ዴዌ ነፍስን የድሕን።

[1], ንእማን ሓለቃ ሰራዊት ሶርያ ካብ እስራኤል ክልተ ጽዕነት ኣድጊ ሓመድ ወሲዱ ካብ ዝነበሮ ናይ ሕማም ቆርበት ከም ዝሓወየ። 2ይ ነገ,5፡17።

[2], ጎይታናን መድሃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ ብዕውሩ ዝተወልደ ከሕውዮ ከሎ ናብ መሬት ጡፍ በለ በቲ ጥፍጣፍ ከኣ ጸብሪ ገበረ እሞ ኣዕይንት ገበረሉ። ዮሓ,9፡13.

                     መደምደምታ>

ጸበል ዝገብሮ ተኣምራት ብዓይንና እንርእዮ እዩ ከብድና ኣብ ዝተቀረጽናሉ ኣብ ዝሓመምናሉ ግዜ ኣዴታትና ጸበል ኣስትየን የሕውያና እዚ ማለት ኣዴታትና ብእምነት ጸበል የስትያና ኣምላኽ ከኣ ምሕረቱ የውርደልና። ኣብዚ ዘለናዮ ግዜ ግና ካብ ጸበል ሪሕቃ እምነት ኣጉዲልና ብካኒና መድሃኒት እንዳ ወሰድና ንነብር ኣለና እዚ ከኣ እቲ ቀዳማይ መድሃኒት ጸበል ምካኑ ይምህረና እዩ።

Kommentare

ዝተፈትዉ ጽሑፋት

ስነ-ፍጥረት

እምነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶን[ትርጉም ሽም ኦርቶዶክስ ተዋህዶን]።

ምስጢረ ቁርባን ስለ ምንታይ

ምስጢረ ክህነት እንታይ ማለት እዩ

7ተ ምስጢራተ ቤት ክርስትያን