በዓል/ኣብ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ


                        39. በዓል/ኣብ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ

1፠በዓል፣- ማለት ንኽብሪ እግዚኣቢሄር ዝበዓል መዓልቲ ማለት እዩ።‘‘ነዛ መዓልቲ ዘክርዋ፣ ንኽብረይ ንኽብሪ እግዚኣቢሄር፣ኣብዕልዋ፣ ንውሉድ ወለዶ ኣኽብርዋ ‚‘‘። ዘጸ,12፡14. ‚‘‘በቲ ኣረጊት መባኹዕቲ ወይ መባኹዕቲ እከይን ሕስምን ዘይኮነ፣ ብዘይቦኽዐ እንጌራ፣ ማለት ብቕንዕናን ብሓቅን በዓልና ነኽብር‘‘። 1ይ ቆሮ,5፡8. መዝ,22፡29. ዳኒ,7፡25. ግብ,18፡21. ግብ,20፡16.

2.፠ጠቅሚ በዓል፣-

[ሀ], ንእግዚኣቢሄር ንምምስጋን፣-‚‘‘,,,,,,,,,,እዛ ለይቲ እዚኣ እስራኤላውያን ነቂሖም ብጸሎት ዝሓዱሩላ ንውሉድ ወለዶ ንእግዚኣቢሄር ዝተቐደሰት ለይቲ እያ‘‘። ዘጸ,12፡42.

[ለ], ግብሪ እግዚኣቢሄር ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ንምስግጋር፣-‚‘‘ደቅኹም እዚ ስርዓት እዚ እንታይ እዩ፣ ኢሎም እንተሓተትኹም፣ እግዚኣቢሄር ንግብጻውያን ክቐትል ኮሎ፣ንኣባይቲ ደቂ እስራኤል ስለ ዝሓለፈ፣ንኽብሪ እግዚኣቢሄር ዝውፈ መስዋእቲ ፋሲካ እዩ በልዎም‘‘። ዘጸ,12፡24-27.

፨ሕቶ፣- ብብልዕን መስተን፣ብምብዓል በዓላትን፣ሰርቀ ወርሕን፣ ሰና ብትን ዝመጸ፣ ሓደ እካ ኣይፍረድኩም‘‘። ቆላ,2፡16-17.

፨መልሲ፣- እዚ ማለት ከምቲ ናይ ቡሉይ ኪዳን ስርዓት ኣበዓዕላ ዘይኮነስ፣ከም ናይ ሓዱሽ ኪዳን ኣበዓዕላ ነብዕል ማለት እዩ። ‚‘‘ብቕንዕናን ብሓቅን በዓልና ነብዕል‘‘። 1ይ ቆሮ,5፡8. ግብ,18፡21. ግብ,20፡16. ዘጸ,12፡14.

3.፠ናይ ቡሉይ ኪዳን በዓላት፣- እስራኤላውያን ብጠቅላላ 8ተ ዓበይቲ በዓላት የኽቡሩ ነበሩ። ነስ ወከፍ በዓልት ነናቶም ምኽንያት ኣበዓዕላ ኔይሩዎም እዩ።

[1], ሰንበት፣- ብእብራይስጥ ምዕራፍ ወይ ጠጠው ምባል እዩ፣ እግዚኣቢሄር ኣምላኽ ካብ ኩሉ ግብሩ ሰሪሑ ዘዕረፈላ ዕለት እያ። ዘጸ,20፡8-11. ጎይታናን መድሃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሕሙማት ዘሕወየላ፣ለምጻማት፣ዘንጸሃላ ዝነበረ ኣይሁድ እዚ ብምግባሩ ዝቃወምዎ ዝነበረት 7ተ መዓልቲ ዕራፍቲ እያ። ዮሓ,5፡10.

[2], በዓል ቕጫ[ፋሲካ]፣- ዘይበኾዕ እንጀራ እስራኤላውያን ድሕሪ ፋሲካ ዘውዕልዎ ናይተን 7ተ መዓልታት መወዳእታ ዕለት እዩ። ብጥንቲ እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ዝወጽሉ ዕለት እዩ ብእስራኤላውያን ፍስህ ይበሃል ትርጉሙ ከኣ ሓለፋ ማለት እዩ። እዚ በዓልዚ ኣብ ሓዱሽ ኪዳን ባዓል ትንሳኤ[ፋሲካ] ይበሃል።

[3], በዓል ሸዊት[ሓጎስ በዓል]፣- ድሕሪ በዓል ፋሲካ ዝለዉ 7ተ መዓልታት ምስ ተወደአ ዝበዓል እዩ። ዘጸ,23፡15. ኣብ ሓዱሽ ኪዳን እዚ በዓል`ዚ በዓለ መንፈስ ቅዱስ ወይ ቬንጠቆስጠ ተባሂሉ ይበዓል። ግብ,2፡1.

[4], በዓል ዳስ[በዓል መጸለት]፣- እዋን ዓጺድ ምስ ተዛዘመ ኣከታቲሎም ኣይሁድ ዘኽብርዎ በዓል እዩ። ኣብ`ዚ ስሙን`ዚ እስራኤላውያን ዳስሰሪሖም ኣብ ውሽጢ ዳስ ይቅንዩ እዚ ድማ ነቲ ኣቦታቶም ኣብ ምድረበዳ ከርተት ዝበልሉ ዓርበዓ ዓመት ንምዝካር ዝግበር እዩ። ኣይሁድ[ስኮት] ይብልዎ ትርጉሙ በዓል ድንካን ወይ በዓል ንእሽቶ ድካን ማለት እዩ። ዘዳ,16፡13. ንህምያ,8፡14-17.

[5], በዓል መለኸት፣- 7 ወርሒ ብ 1ይቲ መዓልቲ እስራኤላውያን መለኸት እንዳ ነፍሑ ዘብዕልዎ በዓል እዩ። ዘለ,23፡23-25. ዘዳ,29፡1.

[6], ናይ ምትዕራቅ፣- ግዜ/መዓልቲ ሕድገት ሓጥያት እስራኤላውያን ርእሶም እንዳውረዱ ሊቀ ካህናት ድም ሒዙ ናብ ቅድስተ ቅዱሳን ኣትዩ ናይ ምትዕራቅ መፍትሕ ዝፍጽመሉ እዩ። ዘለ,16፡26. ዘለ,23፡26. እብ,9፡6-14. እብ,13፡11. ሮማውያን ብ70 ዓመት ቤት መቅደስ ድሕሪ ምፍራሶም ብጾምን ጸሎትን ብዘይ ደም ምፍሳስ የውዕልዎ ነበሩ።

[7], ጵሪም፣- እዚ ወርሒ ኣብ መጋቢት ዝውዕል እዩ። በዚ ዕለት እዚ ኣይሁድ ብንግስቲ ኣስቴርን ብመድክዮስን ካብ ኢድ ሃማ ዝደሓንሉ ዕለት ዝዝከረሉ ዕለት እዩ ዛንትኡ ኣብ መጽሓፈ ኣስቴር ኣሎ።

[8], በዓል ምሕዳስ፣- ናይ ሶርያ ንጉስ ቤት መቅደስ ዘፍረሰሉ ግዜ ብ165 ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ እስራኤላውያን ከም ብሓዱሽ ኤሕድሶም ዘብዕልዎ በዓል እዩ።

4.፠ናይ ሓዱሽ ኪዳን በዓላት፣- ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ እግዚኣቢሄርን ቅዱሳንን በዓል ክንገብር ከም ዝግብኣና። ‚‘‘መዘከርታ ጻድቅ ንበረኸት እዩ‘‘። መዝ,112፡6. እዚ ወንጌል ዝተሰብከሉ ስፍራ ንሳንዝገበረቶ መዘከርትኣ ክንገር እዩ። ማር,14፡9.

፠ኣከፋፍላ በዓላት ናይ ሓዱሽ ኪዳን፣- 9ተ በዓላት ናይ ጎይታ በዓለ ትስብት[ብስራት]

[1], መጋቢት 29 ብዘበነ ዮውሃንስ ሰዓት 9፡00

[2], 29 ታሕሳስ፣ ብዘበነ ማቴዎስ 29 ይውዕል

[3], ጥምቀት 11 ጥሪ ብዘበነ ሉቃስ፣ ሰሉስ ፍርቂ ለይቲ። ማቴ,3

[4], ደብረ ታቦር ፣ 13 ነሓሰ ይውዕል

[5], ሆሳእና ቅድሚ ትንሳኤ ዘላ ሰንበት ዮሓ,21

[6], ስቅለት 27 መጋቢት ብዘበነ ማርቆስ ዓርቢ ፍርቂ መዓልቲ

[7], ትንሳኤ 29 መጋቢት ሰንበት

[8], ዕርገት ካብ ትንሳኤ 40 መዓልቲ ሓሙስ

[9], ጴራቅሊጦስ ካብ ትንሳኤ 50 መዓልቲ ካብ ዕርገት 10 መዓልቲ

5.፠9ተ ናኣሽቱ በዓላት፣-

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

6.፠5ተ በዓላት ናይ ቅድስቲ ድንግል ማርያም፣- ጠቅላላ ናይ ቅድስቲ ድንግል ማርያም በዓላት 33ተን እዮም፣ ካብ ዚኣቶም 5ተ በዓላት ግን ናይ ግድን ክኽበረን ይግድድ።

[1], ልደታ ባሕቲ ግንቦት

[2], ባእታ ውስተ ቤት መቅደስ 3ተ ታሕሳስ

[3], ኣስተርእዮ ዕረፍታ 21ን ጥሪ

[4], ኪዳነ ምሕረት 16ተ ለካቲት

[5], ፍልሰታ 16ተ ነሓሰ

፨ናይ ውግዘት በዓላት፣- እዚኣተን ኣብ ውሽጢ ወርሒ ክበዓላ ዘለወን በዓላት እየን።

[1], በዓለ እግዚእነ[እግዚኣቢሄር]

[2], በዓለ ማርያም

[3], በዓል ቅዱስ ሚካኤል

[4], ቀዳም

[5], ሰንበት እዮም።

Kommentare

ዝተፈትዉ ጽሑፋት

ስነ-ፍጥረት

እምነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶን[ትርጉም ሽም ኦርቶዶክስ ተዋህዶን]።

ምስጢረ ቁርባን ስለ ምንታይ

ምስጢረ ክህነት እንታይ ማለት እዩ

7ተ ምስጢራተ ቤት ክርስትያን