ምስጢረ ሜሮን እንታይ ማለት እዩ
27. ምስጢረ ሜሮን
1.፠ሜሮን፣- ማለት ብቓንቓ ግሪኽ ሜሮስ ይበሃል
ብቓንቃ ትግርኞን ግእዝን ድማ ካብኡ ከይተፈልየ ``ሜሮን``ይበሃል ትርጉሙ ድማ ቅዱስ ቅብእ ዝተቀደሰ ቅብኣት ማለት እዩ። ሜሮን
ድሕሪ ጥምቀት ይፍጸም ሜሮን ምስተቀባእና ካብ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝተወልደ ኣብ 36 ክፍሊ ኣካላትና ንቅባእ። ሜሮን ኣሰራርሕኡ
ካብ በደሳን ዝበሃል ኦምን ካብ ናይ ዕጣንን ዕንጸይትታትን ከምኡ ድማ ካብ 40 ጥዑም ዝጨንኡም ኣትክልትታት ዝርከብ እዩ። እዚ
ከኣ ብፓትርያርክን ጳጳሳትን ብጸሎት ሱባኤ ተባሪኹን ተቀዲሱን ይመጽእ። ሜሮን ንነገስታትን ንንዋየ ቅዱሳትን ንሓዱሽ ቤት ክርስትያንን
ንሓዱሽ ታቦትን ንኹሉ ናይ ቤት ክርስትያን ንብረት ይቅባእ። ዘጸ.30፡25.
2.፠ሜሮን ስለምንታይ ካብ ጥምቀት ቀጺሉ ይፍጸም[ይግበር]፣-
ጎይታናን
መድሃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ተጠምቀ ብኡ ብኡ መንፈስ ቅዱስ ብኣምሳለ ርግቢ ማለት ብርግቢት ተመሲሉ ኣብ ርኡሱ ምዕላቡ እዩ።
ማቴ,3፡16. ስለዚ ቅድስቲ ቤት ክርስትያንና ብኸምዚ መሰረት ትጥቀመሉ። ምስጢረ ጥምቀትን፣ምስጢረ ሜሮንን፣ምስጢረ ቁርባንን ብዘይኣፈላላይ
ብተኸታታሊ ብሓንቲ መዓልቲ ይፍጸም።
3.፠ምስጢረ ሜሮን ምዓስ ጀሚሩ[ኣበይ ተጀሚሩ]ን ኣብ ምንታይ ኣጎልጉሎት ከ ይውዕል ለይሩ፣-
ምስጢረ ሜሮን
ኣብ ቡሉይ ኪዳን እዩ ጀሚሩ። ዝውዕለሉ ዝነበረ ኣጎልጉሎት ድማ [1], ንስልጣነ ክህነት [2], ብደብተራ ኦሪት [ብኣጎልጉሎት
ድካን ናይ እግዚኣቢሄር ኣጎልጉሎት
ዝውዕሉ ንዋያት
ብምልኦም ብሜሮን ይቕብኡ ነበሩ። [3], ናይ እስራኤል ካህናትን ነገስታትን ብሜሮን ይቅብኡ ነበሩ። 1ይ ነገ,19፡15.
፨ ሜሮን
ሎሚ ቤት ክርስትያን ክትጥቀመሉን ወይ ምስጢር ብምባል ክትቅበሎ ከላ ሕጂ ዝመጸ ኣይኮነን ቀዳም ኣብ ብሉይ ኪዳን ጀሚሩ ዝነበረ
እዩ። ኣብ ዘመነ ኣቦው ኣቦና ያቆብ ምስ ሓዉ ኤሳው ተባኢሱ ናብ ኣብኡ ላባ እናከደ ከሎ ኣብታ ዝሓደረላ ሎዛ እትበሃል ቦታ ሓደ
ራኢ ምስ ረኣየ ተንሲኡ እታ ቦታ ቤት ኤል ኢሉ ሰመያ ሓንቲ እምኒ ኣምጺኡ ኣቂሙ ከኣ ዘይቲ ኣፍሰሰላ እዚ ናይ ሜሮን ምስጢር እዩ።
ያዕቆ ከም ጳጳስ እታ እምኒ ከም ቤት ክርስትያን ምሳሌ እዩ። እቲ
ዘይቲ ናይ ሜሮን ኣብነት ዩ፣ ስለዚ ከኣ ሓድሽ ህንጻ ቤት ክርስትያን ተሃኒጹ ምስ ተወድአ ብቅዱስ ሜሮን ዝቅባእ። ብሕጊ ኦሪት
ውን እግዚኣቢሄር ንነቢ ሙሴ ነቲ ቅዱስ ቅብኣት ወሲድካ ነቲ ኣነ
ዝርከበሉ ድንካን ኣቁሑ ኣብ ውሽጢ ቅድስቲ ቤት ክርስትያን ዘሎ ቅብኣዮ እሊዎ እዚ ማለት ነቲ ቅዱሳን ንዋያት እዩ።‘‘ ነዚ ኩሉ
ቀድሶ`ሞ ኩሉ ፍጹም ቅዱስ ክኸውን እዩ‘‘።ዘጸ,30፡22-29. ዝተንከዮ
ዘበለ ኩሉ ከኣ ቅዱስ ዩ፣ ከምኡ ከኣ ንኣሮን ደቁን ከኣ ካህናት ኮይኖም ከገልግሉ ቅብኣዮም በሎ። ዘጸ,30፡30-33. እዚ ንደቂ
እስራኤል ከም`ዚ ዝስዕብ በሎም እዚ ንወሉድ ውልድኩም ዝተቀደሰ ቅብኣት ይከላኸለይ። ማንም ሰብ ድማ ኣይተንክዮ ካህን ዘይኮነ ዝተንከዮ
ካብ ህዝቡ ይወገዝ። ስለ`ዚ ዩ ሎሚ ነዚ ቅዱስ ሜሮን ብምስጢር ክህነት ዝተቀበሉ ዝፍጸም። ካልእ ውን ካብ ቡሉይ ኪዳን ንንግስነት
ኮነ ንትንቢት ይቅብኡ እሞ መንፈስ ቅዱስ ይሓድሮም። 1ይ ሳሙ.10፡1-2. 1ይ ሳሙ,16፡13.
1ይ ነገ,19፡15-17.ብከምዚ መንገዲ ኣብ ቡሉይ ኪዳን ጸኒሑ።
4.፠ሜሮን ኣብ ሓዱሽ ኪዳን ኣብ ምንታይ ኣጎልጉሎት ይውዕል፣-
1] ናብ
ቤት ክርስትያን ንናይ ክርስቶስ ስጋን ደምን መቀበሊ ዝኾኑ ማለት ጻሕሊ፣ጸዋእ፣ጽርፈ መስቀል፣መሶበ ወርቅ ብጸሎት ሜሮን ተቀቢኦም
ይነብሩ።
2] ንሓዱሽ
ቤት ክርስትያን ብጸሎት ተባሪኹ ቅብኣ ሜሮን ይቅባእ።
3] ንሓድሽ ታቦትን መንበረ ታቦትን ብሜሮን ይቅቡኡ።
4] ምስ ተጠመቅና ብሜሮን ንቅባእ።
፠ስለ ቅዱስ ከረድኣና ከሎ ቅዱስ ጳውሎስ ከም`ዚ ይብለና እቲ ንዓና ንኣካላትኩም ኣብ ክርስቶስ
ዘጽነዓና ኣምላኽ እዩ። ዝቀብኣና መን ንሱ እዩ። ናቱ ከም ዝኮንና ማህተም መፍለጢ ዝገበረልና ኣብ ልብና ዕርቡን መንፈስ ቅዱስ
ዝሃበና ንሱ እዩ። 2ይ ቆሮ.1፡21-23. ሜሮን ማህተም መጽንዒ ናይ ጥምቀት
ምኻኑ የርደኣና።
5.፠ብምስጢረ ሜሮን ዝርከብ ዘይረአ ጸጋ፣-
1] ሃብቲ
መንፈስ ቅዱስ [መንፈስ ቅዱስ ንቅበል] ኤፎ,1፡13. ኤፎ.4፡30. ሉቃ,1፡80
2] ካብ
እግዚኣቢሄር ከም ተወለድና መረጋገጺ[መረድኢ]።
3] ናይ
እግዚኣቢሄር መቅደስ ምኻና።
4] ወረስቲ
መንግስተ ሰማያት ምካና መራጋገጺ።
Kommentare
Kommentar veröffentlichen