ትምህርቲ ኣገልጉሎት
47. ትምህርቲ
ኣገልጉሎት
1.፠ትምህርቲ
ኣገልጉሎት ማለት፣- ነፍሲ ወከፍ ሰብ ከምቲ ዘገልግሎ ንእግዚኣቢሄርን ንሰብን ብጉልበት ኮነ ብገንዘብ ከገልግል ከም ዝግብኦ። ብምግልጋሉ
ድማ ብዙሕ ዓስቢ ረብሓ ከም ዝረክብ ዝገልጽ ትምህርቲ እዩ። እዚ ትምህርቲ እዚ ዓቢይን ንእሽቶይን ጋልን ወድን ዘይፈሊ ከከም ግብኡ
ነፍሲ ወከፍ ሰብ ናይ ምግልጋል ግዴታ ከም ዘለዎ ይምህረና እምበኣር ከስ እቲ ክንገብሮ ዝግብኣና ሰናይ ነገር ዝፈልጥ ግና ዘይገብሮ
ንሱ ሓጥያተኞ እዩ። ያዕ,4፡17. ስንክሳር 6 መስከረም. እዚ ኣጎልጉሎት እዚ ዓስቢ ክንረኽበሉ እንተኾይና ግና ፈቲና ክንገብሮ
ይግበኣና። ነቲ ኣምላኽ ዝሃበኩም መጋሰ ጋስይዎ። እንተኾነ ከም ፍቃድ ኣምላኽ ብፍታው እምበር ብግዲ ኣይኹን ብጽቡቅ ድላይ እምበር
ንኾንቱ ረብሓ ኣይኹን። ኣብ ልዕሊ እቶም ዝተዋህብኹም ጎይቶት ኣይትኹኑ። እቲ ሓለቃ ንጉሳት ምስ ተገልጸ ድማ ዘይጹምሉ ኣኽሊል
ክብሪ ክትቅበሉ ኢኹም። 1ይ ጴጥ,5፡24. 1ይ ቆሮ,9፡16-17. እብ,6፡9-10. እቲ ኣጎልጉሎት ከኣ ቅዳሴ፡ ስብከት፡ መዝሙር፡
ጸሎት ምቅባል ኣጋይሽ፡ ዝተፈላለየ ስነ-ጽሕፍ ንጽጉማት ምርዳእ,,,,,,,,,,,,,,ወዘተ ኮይኑ ኣኣብ ዝምልከቶም ከከም ተውህበኡ
ድማ ሰብ የገልግል። ሮሜ,12፡6-8.
2.፠ጠቅሚ
ኣገልጉሎት፣-
፨ሰብ ንእግዚኣቢሄር
ብምግልጋሉ ዝረኽቦ ጸጋ ረብሓ ኣዝዩ ብዙሕ እዩ።
[ሀ], ናይ
ዘለኣለም ሂወት የውህብ፣- ብዓለማዊ ናብራ ከይሰደዕ ናብቲ ዝመጽእ ሂወት ብምጥማት ብኩልንትናኡ ንእግዚኣቢሄር እንተድኣ ተገዚእኻ
ኣብዚ ምድሪ ብዙሕ ዓስቢ ኣብ ሰማይ ከኣ ናይዘለኣለም ሂወትን ዕረፍቲን ንረክብ። እየሱስ ከኣ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ ምእንቲ መንግስቲ
ኣምላኽ ኩሉ ቤቱ ኮነ ሰበይቱ ኣሕዋቱ ወላዲ ወይ ውሉዱ ዝሓደገ ኣብዚ ዓለም እዚ ብዙሕ ካዕበት መከራ ኣለዎ ኣብታ ትመጽእ ዓለም
ከኣ ናይ ዘልኣለም ሂወት ዘይረክብ የልቦን በሎም። ሉቃ,28፡29-30. 2ይ ጢሞ,4፡8. 1ይ ቆሮ,3፡8. እቶም ጠቢባን ከምናይ
ብርሃን እዮም። እቶም ንብዙሓት ናብ ጽድቂ ዝመርሑ ከኣ ከም ኮባኽብቲ ንዘልኣለም ኣለም ከብርሁ እዮም። ዳን,12፡3. እብ,1፡12.
ራኢ ዮሓ,2፡10.
[ለ], መንፈሳዊ
ኣፍልጦኻን ስነ ምግባርካን የዕቢ፣- ነቶም ተገልገልቲ ብቁዕ ዝኾነ ከተቅስሞም ክትብል ብዙሓት ነገራት ስለእትፍትሽ ንባዕልኻ [ንርእስኻ]
ብዙሕ ፍልጠት ትዕቢ።
፨ኣብ ስነ-ምግባር
ድማ ንሰባት ንኸይትዕንቅፍ ክትብል ካብ ዓበይቲ ሓጥያት ጥራይ ዘይኮነ ካብ ደቂቅ ነገራት ውን ስለእትጥንቀቅ ፣ ካብዚ ኩሉ ተሓሊፍካ
ብጽቡቅ ስነ-ምግባር ትህነጽ።
[ሐ], በረኸት
የውህብ፣- ንእግዚኣቢሄር ከተገልግል ላዕልን ታሕትን ዓስቢ ኣገልግሎትካ ንሂወትካ ንኽት ሕጉሳ ይግርኽ እዩ ካብዛ መዓልቲ እዚኣ
ጀሚረ በረኸት ክህብ እየ። ሓጌ,2፡19. ሓጌ,1፡1-15. ንሱ ከኣ ሓይለይ ኣብ ድኻመይ እዩ። ዝግለጽ እሞ ጸጋይ ይኣኽለካ 1ይ
ቆሮ,12፡9.
[መ], ናይ
ሕልና ዕግበትን ሰላምን የውህብ፣- እዚ ኣገልጉሎት እዚ ቅዱሳን መንፈሳውን ብምኻኑ፡ነዚ ኣገልጉሎት እዚ ኣብ እትፍጽመሉ ማለት ንእግዚኣቢሄር
ብኹልንትናኻ ክትግዛእ ንጽጉማት ድማ ብዝተኻእለካ ዓቅሚ ክትረድእ[ክትሕግዞም] እንከለኻ ብዙሕ ናይ ሕልና ዕግበት ሰላምን ትረክብ።‘‘እቶም
ሕግኻ ዘፍቅሩ‘‘ ብዙሕ ሰላም ኣለዎም፡ዝዕንቅፎም ድማ የልቦን። መዝ,119፡165.
3.፠ኣገልጉሎት
ብኸመይ ክኸውን ኣለዎ፣- ኣገልጉሎት ብእግዚኣቢሄር ቅቡል እንተዳኣ ኮይኑ ብውሑድ እዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ከማልእ ይግባእ።
፨ኣገልጉሎት፣-
ኣብ 3ተ ይኽፈል
[1], ንእግዚኣቢሄር
[2], ንነብስኻ
[3], ንህዝቢ
[ሀ], ፍቅሪ፣-
ፍቅሪ መፈጸምታ ሕጊ መእሰሪ ኩሉ ስለዝኾነት ኹሉ ኣጎልጉሎትና ብፍቅሪ ብስኒት ክኽውን ኣለዎ። ምኽንያቱ ብዘይ ፍቅሪ ዝግልግል ኣጎልጉሎት
ኮንቱ ትርጉም ኣልቦ እዩ። ኩሉ ገንዘበይ ከኣ ንድኻታት እንተ ዝዕድል ሰብነተይ ንምንዳድ ኣሕሊፈ እንተ ዝህብ ግና ፍቅሪ እንተዘይ
ህልወኒ ሓንቲ እካ ኣይጠቅመንን እዩ። 1ይ ቆሮ,13፡8. ሮሜ,13፡10. 1ይ ጴጥ,4፡8. ማቴ,5፡44-45. ዘፍ,37፡1-36.
ዘፍ,39፡1-23.
[ለ], መንፈሳዊ
ቅዱስ ቅንኢ፣- ንእግዚኣቢሄር ከተገልግል ልዑል ተገዳስነትን ድልየትን ብምሕዳር ብመንፈስ ከተገልግል ኣለካ፡ ኣብ ኣገልግሎትኩም
ኣይትትሃከዩ፡ ብመንፈስ ዝተቓጸልኩም ኩኑ ንእግዚኣቢሄር ኣገልግሉ። ሮሜ,12፡11. ራኢ ዮሓ,31፡15-18.
[ሐ], ብጾምን
ብጾሎትን፣- መታን ኣገልግሎትና ኽባረኽን ካብ ፈተና ክንድሕንን ብጾምን ብጾሎትን ከነገልግል ኣለና። እዚኣቶም ንእግዚኣቢሄር ከገልግሉን
ክጸሙን እንከለዉ መንፈስ ቅዱስ ነቲ ኣነ ዝመረጽክዎ ኣጎልጉሎት ንሓዋሩ ፍለየለይ በሎም። ግብ,13፡2. ማቴ,4፡1-11. እምበኣር
ኣብ ፈተና ከይትኣትዉስ ንቅሑን ጸልዩን። ማቴ,26፡41. ማቴ,6፡9-13. ኤፎ,6፡11. ሮሜ,12፡12.
[መ], ብትሕትና፣-
ኣምላኽ ልዑል ክንሱ ትሕት ከም ዝበለ ትሕትና ክንገብር ከም ዝመሃረና ንትሑታት ከኣ ጸጋ ከም ዝህቦም ፈሊጥና ወላ ብሉጽ ፍልጠት
እንተሃለወና ብትዕቢት ዘይኮነስ ብትሕትና ከነገልግል ከም ዝግበኣና።
እዚኻ እንተ ዓበኻ ኣዚኻ ትሑት ኩን ሽዑ ካብ እግዚኣቢሄር ሞጎስ ክትረክብ ኢኻ። ሲራ,3፡18. ብመንፈስ ድኻታት ዝኾኑ መንግስተ
ሰማይ ናቶም እያ እሞ ብጹኣን እዮም። ማቴ,5፡3. ዮሓ,13፡1-5. ኣምላኽ ንዑቡያት ይጻረሮም፡ ንትሑታት ድማ ጸጋ ይህቦም። ያዕ,4፡6.
ኤር,9፡23-24.
[ረ], ብጥንቓቀ፣-
ሰባት ንኸይንዕንቅፍ ንኣገልግሎት እግዚኣቢሄር ንኸይነጽርፍ መታን ሚዛናዊ ብምኻን፡ ብኹልንትናናን፡ ብኣታሓሳስባናን፡ ብኣዛራርባናን፡
ብኣላ ባብሳና ወዘተ,,,,,,,ጥንቁቃት ክንከውን ይግባኣና፡ መታን ኣጎልጉሎትና ከይንዕንቀፍ ንዝኾነ ይኹን ሰብ ምኽንያት መዕንቀፊ
ኣይንኹን ኢና። 2ይ ቆሮ,6፡3. 1ይ ቆሮ,10፡32-33. ሮሜ,14፡18. ሮሜ,12፡12. ያዕ,1፡27. ዘዳ,22፡5. ብተኣማንነት
ንሃይማኖት ካብ ኩሉ ፍንፉን ተግባራት እናሓለና በታ ዘላትና ኣገልጎሎት ኣብ ቅድሚ እግዚኣቢሄር እሙናት ኮይንና ክንርከብ የድሊ፡
ጎይታኡ ድማ ጽብቅ ኣታ ሕያዋይን እሙንን ኣገልጋሊ ብውሑድ ታኣሚንካ ኢኻ እሞ ኣብ ልዕሊ ብዙሕ ክሸመካ እየ። ማቴ,25፡21. ንስኻ
ግና ክሳብ ግዜ ሞት እሙን ኩን ኣነ ውን ኣኽሊል ሂወት ክህበካ እየ።
Kommentare
Kommentar veröffentlichen