ጾሎት ዝህቦ ሂወት
41. ጾሎት
ዝህቦ ሂወት
1.፠ጾሎት፣-
ጸለየ ካብ ዝብል ግእዛዊ ቃንቃ ዝወጸ ኮይኑ ትርጉሙ ድማ ተማህለለ፣ለመነ፣ማለት እዩ። ጾሎት ማለት ምስ እግዚኣቢሄር ዘራኽብ ድልድል
ወይ መሳልል እዩ ከምኡ ውን ምስ እግዚኣቢሄር ንዘራረበሉ መንግዲ እዩ።
2.፠ጠቅሚ ጾሎት፣-
[1], ምስ
እግዚኣቢሄር የራኽበና። 1ይ ነገ,8፡1. 1ይ ነገ,9፡3.
[2], ካብ
ፈተና የድሕነና። ማቴ,26፡41. ኢሳ,37፡1. 1ይ ተሰ,5፡17.
[3], መንፈሳዊ
ሓይሊ የውህብ። ያዕ,5፡16. 1ይ ሳሙ,16፡17.
[4], ናብ
ሓጥያት ከይንኣቱ ይከላኸለልና። 1ይ ሳሙ,12፡13. ሮሜ,6፡23.
[5], ትሕትና
ይምህረና። ሉቃ,18፡14.
[6], ዝለመንናዮ
ይወሃበና ድልየትና ኩሉ ዘበለ። ፊሊ,4፡6. ማቴ,7፡7.
3.፠ክፍልታት
ጾሎት፣- ጾሎት ናይ ነፍሲ ብርሃን እያ። ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቂ
[1], ናይ
ኣምልኾ ጾሎት። ዘፍ,4፡26. ግብ,3፡22. ኢሰ,6፡4.
[2], ናይ
ልመና ጾሎት። መዝ,145፡15. 1ይ ሳሙ,1፡10.
[3], ናይ
ምምላድ ጾሎት። መዝ,91፡12. ኢዮ,42፡9. ያዕ,5፡16. ሉቃ,10፡2.
4.፠ዓይነታት
ጾሎት፣-
[1], ናይ
ግሊ ጾሎት። ማቴ,6. ግብ,10፡9. ዳኒ,9፡20.
[2], ናይ
ማሕበር/ሕብረት ጾሎት። ማቴ,18፡20. ግብ,1፡10.
[3], ናይ
ቤት ክርስትያን ጾሎት። s
5.፠ከመይ
ኢልና ክንጽሊ ይግባእ፣-
፨ገጽና ብትምእርተ
መስቀል ኣማዕትብና ክንጅምር ይግበኣና።
፨ብስግደት
ዝተማእኸለ ክኸውን ኣለዎ። ጸሎት ብዝተፈላለዩ መልክዓት ክቀርብ ይከኣል እዩ። ንኣብነት ሕቆኻ ተዓጢቅካ ኤፊ,6፡14. ናብ ምብራቅ ገጽካ እናጠመትካ ውዕለት ጎይታ እንዳኣስተንተንካ፣ ኢድካ
ኣልዒልካ፣ ዓይንኻ ንላዕሊ ቃሕ ኣቢልካ ዮሓ,11፡41. ብዘይ ጥርጥር ሉቃ,18.
ከምኡ ውን ተስፋ ከይቆረጽካ፣ ተምበርኪኽካ፣ ብዝማረ ወይ ከኣ ብዜማ። ዘጸ,14፡1.
ማቴ,26፡30. ቆላ,3፡16.
6.፠ግዝያት ጸሎት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ፣- ‚‘‘ፍርድኻ
ቅኑዕ ስለዝኾነ ኣብ መዓልቲ 7ተ ሳዕ የመስግነካ ኣለኹ‘‘። መዝ,119፡164.
[1], ንግሆ
ሰዓት 6፡00ተ ቅድሚ ጸሓይ ምብራቃ[ነግህ]፣-መዝ,5፡3። እግዚኣቢሄር ናይ ጸልማት ግዜ ኣሕሊፉ ብርሃን ስለዝሃበና ጎይታ ንፍርዲ
ጲላጦስ ዝቀረበላ ሰዓት እዩ። ማቴ,27፡1. ነዚ ብምሕሳብ ንጽሊ።
[2], ሰዓት
9፡00ተ ንግሆ[ስለስቱ]፣- ጎይታ ብጲላጦስ ንሞት ዝተፈርደላ ሰዓት እያ፣
ሄዋን ዝተፈጥረትላ፣ ጎይታ ዝተጠነሰላ እያ ነዚ ብምሕሳብ ንጽሊ።
[3], ፋዱስ
ሰዓት 12፡00 ቀትሪ[ስድስቱ]፣- ኣቦና ኣዳም ዝሰሓተላ ሰዓት ኢያ፣ ጎይታ
ኣብ መስቀል ዝተሰቅለላ ሰዓት ኢያ። ነዚ ብምሕሳብ ንጽሊ።
[4], ሰዓት
3፡00ተ ድሕሪ ቀትሪ ናይ ምሸት[ተስዓቱ]፣- ጎይታ ክብርቲ ነፍሱ ካብ
ስግኡ ብስልጣኑ ዝተፈልየትላ፣ ወይ ድማ ዝሞተላ ሰዓት እያ፣ መላእኽቲ ናይ ወዲ ሰብ ስራሕ ናብ እግዚኣቢሄር ጸብጻብ ዘቅርበላ ሰዓት
እያ። ሓዋርያት በዚ ሰዓት እዚ ይጽልዩ ኔይሮም፣ ሓለቃ ሚእቲ ቆርጌሊዎስ ዝጸለየላ ሰዓት እያ። ነዚ ብምዝካር ንጽሊ።
[5], ሰዓት 5፡00ተ
ድሕሪ ቀትሪ/እቶእቶ[ሰርክ]፣-ናይ ምሸት ጎይታ ናብ መቃብር ዝኣተወላ ሰዓት እያ። ነዚ ብምዝካር ንጽሊ።
[6], ናይ ድቃስ ጸሎት 9፡00ተ
[ኖመ ንዋም]፣- ጎይታ ዝጸለየላ ሰዓት እያ፣ ሰዓታት ስራሕ ኣሕሊፉ ናይ ዕረፍቲ ሰዓት ስለ ዘምጽኣልና ከምኡ
ውን ብሰላም ኣደቂሱ ብሰላም ከተስኣና። መዝ,63፡6. ነዚ ብምዝካር ንጽሊ።
[7], ናይ ፍርቂ ለይቲ ጸሎት[መንፈቅ ሌሊት]፣-
ጎይታ ዝተወልደላ፡ዝተጠመቀላ፡ዝተንሳኣላ
ከምኡ ውን ንፍርዲ ዳግም ንፍርዲ ዝመጸላ ሰዓት እያ። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስን ሲላስን ዝጸለዩላ ሰዓት እያ። ነዚ ብምዝካር ንጽሊ።
7.፠ካልእ እንጽልየሉ ምኽንያት፣-
[1], ናይ መንገዲ ጸሎት፣- እግዚኣቢሄር
ኣብ መንገድና ክሕልወና ዝግበር ጸሎት እዩ።
[2], ናይ መኣዲ ጾሎት፣- ቅድሚ መግቢ
እንጽልየሉ መግቢ ስለ ዝሃበና ነመስግን፣ ኣብ መጠረሽታ ተመጊብና ምስ ወዳእና ከኣ ስለ ዘጽገበና ነመስግን።
[3], ናይ መከራ ጸሎት፣- እግዚኣቢሄር
ኣብ ሽግርን ኣብ መከራን ምእንቲ ክረድኣና እንጽልየሉ ጸሎት እዩ።
[4], ስራሕ ክንጅምር ነገራት ክንምርምርን እንጽልየሉ ጾሎት እዩ።
8.፠ክንጽሊ ከለና ኣብ ግምት ከነእትዎም ዝግበኣና ነገራት፣-
[1], ቀልጢፉ ከም ዝሰምዓና።
[2], ኣዝዩ ደንግዩ ከም ዝሰምዓና።
[3], ፈጺሙ ኣይህበናን። እዚ ክበሃል ከሎ እግዚኣቢሄር ዝለመንካዮ ዘይሰምዕ ኮይኑ
ዘይኮነስ ናትካ ትዕግስትን ንምፍላጥን ተስፋ ብዘይምቁራጽን ክግበር ከምዘለዎ እዩ።
Kommentare
Kommentar veröffentlichen