ምስጢረ ቀንዴል እንታይ እዩ
32. ምስጢረ
ቀንዴል
1.፠ቄንዴል፣- ማለት ቅብኣት ወይ ምጽላይ ማለት
እዩ። ቄንዴል ክልተ ነገራት
[1], ቄንዴል
ዝበሃል ብርሃን ዝህብ መብራህቲ ክኽውን ከሎ። ማቴ,25፡1-10.
[2], እቲ
ካልኣይ ትርጉሙ ከኣ ቄንዴል ናይ ሕሙማት ቅብኣት ማለት እዩ።
፨ናይ ቄንዴል
ኣመጻጽእኡ ከኣ ንጽህ ናይ ኣውሊዕ ዘይቲ ተወሲዱ ብዘይዝኮነ ይኹን ተወሳኺ ቀመም ወይ ካልእ ነገር ብካህናት ይዳሎ ካህናት ናይ
ጸሎት ምስ ጸለይሉ ከኣ ብጸጋ እግዚኣቢሄር ናይ ምፍዋስ ሓይሊ ይህበና።
2.፠ናይ ቄንዴል መስራቲ፣- ባዕሉ ጎይታናን መድሃኒናን ኢየሱስ
ክርስቶስ እዩ መስሪትዎ። ኣመሳራርትኡ ውን ጎይታይ ነቶም 12ተ ደቂ መዛሙርቱ ናብኡ ጸዊዑ በብ2ተ ጌሩ ለኣኾም ኣብ ልዕሊ ርኹሳት
መናፍስቲ ውን ስልጣን ሃቦም። ንሳቶም ውን ንስሓ ሰቢኾም ብዙሓት ኣጋንንቲ ኣውጽኡ ንብዙሓት ሕሙማትን ድውያንን ዘይቲ እና ለኸዩ
ኣሕወይዎም። ማር,6፡7-13.
3.፠ናይ ቄንዴልን ሜሮንን ኣርእስቲ፣-
፨ሜሮን ካብ
በለስን ካብ ጥዑም ናይ ዕንባባ ዕንጬቲ ካብ 40 ጥዑም ዝመኣዘኦም ኣዕጻዊት
ዝዳሎ እዩ። ብፓትርያርክ ሱባኤ ኣትዮም ዝገብርዎ ቅዱስ ቅብኣት ንጥምቀት ዘጽንዕ መንፈስ ቅዱስ ዘውርድ እዩ። ሓደ ግዜ ኣብ ጥምቀት
ምስ ተፈጸመ ዘይድገም እዩ።
፨ናይ ቄንዴል
ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጻሕፈ ካብ ንጹህ ዘይቲ ኣውሊዕ ዝርከብ ኮይኑ ንሑሙማት በቶም ካህናት ጸሎት ጌሮም ዝፍጽሙሉ ቄንዴል ካብቶም
ካብቶም ዝድገሙ ኮይኑ ንዝሓመሙ ዕድመ ኣይፈልን ይፍጸም ዝሓመመ እንተሎ ንመራሕቲ ቤት ክርስትያን ይጸውዕ እሞ ብዘይቲ ይጽልይሉ።
፨እቲ ብእምነት
እየሱስ ክርስቶስ ዝተገብረ እምነት ኣዕንቲ ሕሙማት ከተድሕና እያ። ያዕ,5፡14-16.
ኣጠቃቅምኡ ድማ ነቲ ሕሙም ኣብቲ ዝሓመመ ክፍሊ ኣካላቱ ይቅባእ።
Kommentare
Kommentar veröffentlichen