ስለምንታይ መስቀል ኣብ ክሳድና ንገብር፧
37.መስቀል
ጎይታ
1.፠መስቀል፣-
ማለት ሰቀል ካብ ዝብል ግእዝ ዝወጸ ቃል ኮይኑ ትርጉሙ ድማ ተማሳቀለ ማለት እዩ። ማቴ,27፡32. ዮሓ,19፡25. ቆላ,1፡20.
፨መስቀል
ኣብ ቡሉይ ኪዳን መቅጽዒ ገበነኞታት እዩ ኔይሩ። ዘዳ,21፡22-23. ‚‘‘ኣብ ዕንጭይቲ ዝተሰቕለ ርጉም ይኹን ዝብል ጽሑፍ ከምዘሎ፡ክርስቶስ
ኣብ ክንዳና መርገም ብምኻን ካብ ሕጊ መርገም ኣድሓነና‘‘። ገላ,3፡13. ዘዳ,21፡23. ቆላ,1፡20. ማቴ,27፡32. ዮሓ,19፡25.
ማር,15፡29-32. ቆላ,2፡14. እብ,12፡1-2.
2.፠ጥቕሚ
መስቀል፣-
፨ሰንደቕ
ዕላማና እዩ፣-‚‘‘ነቶም ዝፈርሑኻ ሰንደቕ ዕላማ ሃብካዮም‘‘። መዝ,60፡4.
፨ሓይልናን
ትምክሕትናን እዩ፣-‚‘‘ኣነ ግና በቲ ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተሰቅለሉ መስቀል እንተዘይኮይኑ ኣይምካሕን እየ‘‘። ገላ,6፡14.
፨ኣጋንንቲ
ንስዕረሉ እዩ፣-‚‘‘ነቶም ሕልቃናትን ስልጣናትን ኣጽዋሮም ገፊፉ ብመስቀሉ ምስ ሰዓሮም ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኣሕፈሮም‘‘። ቆላ,2፡15.
፨ካብ ኣምላኽና
ሰላምን ድሕነትን ዝተቐበልናሉ እዩ፣-‚‘‘ንሕጉ ምስ ትእዛዙን ስርዓቱን ኣፍሪሱ ሰላም ገበረ። ኣብ መስቀል ተሰቂሉ ብሙማት ነቲ
ጽልኢ ደምሰሶ። ነቶም ክልተ ሓደ ብምግባር ከኣ ምስ ኣምላኽ ኣተዓተቖም‘‘። ኤፌ,2፡14-16. ዘጸ,17፡11-13. ዘሁ,21፡8.
3.፠ክብሪ
መስቀል፣-
፨‘‘ከምቲ
ብዙሕ ግዜ ዝነገርክኹም ሕጂ ከኣ እናነባዕኩ ዝነግረኩም ዘለኹ ብዙሓት ጸላእቲ መስቀል ክርስቶስ ኮይኖም ይነብሩ ኣለው። መወዳእትኦም
ጥፍኣት እዩ፣ ኣምላኾም ከብዶም እዩ ክብረቶም ኣብ ነውሮም እዩ፣ ሓሳቦም ምድራዊ እዪ‘‘ይብል። እምበኣር ንሕና ከምቶም ገሊኣቶም
ከብዶም ዝኣምላኾም፣ዘይኮነስ ከም እኒ በዓል ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ንመስቀል ከነኽብር እዩ ዘለና። ከመይሲ መስቀል ዝጸልእ መወዳእትኡ
ጥፍኣት ስለ ዝኾነ። ፊሊ,3፡16-17. ገላ,6፡14. ኤፌ,2፡14-16. ሮሜ,13፡7.
Kommentare
Kommentar veröffentlichen