እንታይ ማለት እዩ ታቦት፧


36. ታቦት

1.፠ታቦት፣- ብፍቃድ እግዚኣቢሄር ዝተሰርሐ ናይ ጽላት መሕደሪ እዩ። ‚‘‘ሰራው ብዝበሃል ኦም ታቦት ስራሕ‘‘። ዘጸ,25፡10. ‚‘‘ነቲ ኣነ ዝህበካ ጽላት ከኣ፣ ኣብ`ቲ ታቦት ኣንብሮ‘‘። ዘጸ,25፡21.

2.፠ጽላት፣- ቃላት ኪዳን ዝተጻሕፎ እዩ።‘‘ነተን ቃላት ኪዳን፣ ዓሰርተ ቃላት ኣብተን ጽላት ጽሓፎ‘‘። ዘጸ,31፡18. ዘጸ,32፡15. ዘጸ,34፡1-28. ዘጸ,25፡32. 2ይ ሳሙ,6፡3. ኢያ,7፡6. መዝ,132፡1-8. 2ይ ዜና,35፡3.

፨ሕቶ፣-‚‘‘,,,,,,,,,እቶም ህዝቢ ብናይ ታቦት ኪዳነይ ኣይክዛረቡን ኣይክድልዮምን እዩኡ፣ከም ብሓዱሽ ውን ኪዳን ታቦት ኣይክገብሩን እዮም‘‘። ኤር,3፡16.

፨መልሲ፣- እዚ ትንቢት እዚ ነቲ እስራኤላውያን ን70 ዓመት ብስደት ኣብ ባቢሎን ዝተቀመጥሉ ዘመልክት እዩ። ስለ ዝኾነ ድማ እዩ ኣብ ቁጽሪ 18ተ በተን ወርሓት እቲኣተን ህዝቢ ይሁዳ ምስ ህዝቢ እስራኤል ክኽዱ፣ሓቢሮም ድማ ካብ ስደት ካብ ሃገር ሴሜን ኪምለሱ እዮም‘‘። ዝብል። እወ እስራኤላውያን ኣብ ባቢሎን ብዛዕባ ታቦት ኪዳን ኣይሓሰቡን ኣይተዛረቡን፣ ምኽንያቱ ኣብ ትሕቲ እግዚኣቢሄር ዘየምልኹ ይግዝኡ ስለ ዝነበሩ። ዳኒ,3፡1-7. ከምኡ እንተዘይከውን ግና ካብ ስደት ምስ ተምልሱ ቤት መቅደስ ኣይምሰርሑን ኔሮም።‘‘ነታ ቤት መቅደስ ከም ብሓዱሽ ሰርሕዋ‘‘። ሃጌ,1፡8.

፨ሕቶ፣- እታ ኩሉ ሰብ መታን ክፈልጣን ኬንብባን ኣብ ልብና ዝተጻሕፈት መልእኽቲ ንስኻትኩም ኢኹም,,,,,ኣብ ቀጸላ እምኒ ዘይኮነስ ኣብ ልቢ ወዲ ሰብ ዝተቀርጸት መልእኽቲ ምኻንኩም ግሁድ እዩ።‘‘2ይ ቆሮ,3፡2-3.

፨መልሲ፣- እዚ ማለት ድማ ጽላት ኣየድልን ማለት ዘይኮነ፣ሙሴ ንእስራኤላውያን ንዝተጻሕፈ ሕጊ እዩ ዝመርሖም ኔሩ። ጎይታ ግና ንሓዋርያት ብጽሑፍ ዘይኮነስ ብቃሉ ዝመሃሮም ቃል ወንጌል ኣብ ልቦም እዩ ተቀሪጹ። ‚‘‘ንሕግታተይ ኣብ ኣእምሮኦም ከእትዎ፣ ኣብ ልቦም ውን ከሕድሮ እየ‘‘። እብ,8፡10. ብሓጺሩ እቲ ቃል ኣብ መንጎ ብሉይ ኪዳንን ዘሎ ናይ ክብሪ ፍልልይ ማለት ሓዱሽ ኪዳን ማዕረ ክንደይ ዓቢ ክብሪ ከምዘለዎ ዜረድእ እዩ። ጽላት/ታቦት/መቅደስ/ተሪፋን ዘየድልን ኔሩ እንተዝኸውን ግና ቅዱሳን ሓዋርያት ድሕሪ ዕርገት ጎይታ ኣብቲ ታቦት ጽላት ዘለዎ ቤት መቅደስ ኣትዮም ኣይመመስገኑን፣ኣይምተኣከቡን፣ኣይ ምጸለዩን ኔሮም።‘‘ናብ ኢየሩሳሌም ተመሊሰ ኣብ መቅደስ ኮይነ  ክጽሊ ከለኹ ድማ ተመሰጥኩ።‘‘ ግብ,22፡17. ግብ,2፡46. ሉቃ,24፡53.

3.፠ታቦት ኣብ ሓዱሽ ኪዳን፣-

።ኣገልጉሎት ታቦት ኣብ ብሉይ ኪዳን ተጀሚሩ ዝውዳእ ኣይኮነን።‘‘ኣነ ንሕጊ ሙሴ ኮነ ነብያት ክፍጽም ዳኣ እምበር ክስዕሮም ዝመጻእኩ ኣይምሰልኩም፣ ሰማይን ምድርን ክሳዕ ዝሓልፍ፣ ካብ ሕጊ የውጣ ወይ ሓንቲ ሕንጻጽ ከምዘይትሓልፍ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ‘‘። ማቴ,5፡17. ስለ`ዚ ኣብ ጽላት ዝተጻሕፈ ካብ ዘይተሳዕረ እቲ ዝተጻሕፈ ጽላትን ናቱ መሕደሪ ታቦትን ዳኣ ከመይ ጌሩ ይሰዓር።

4.፠ኣገልጉሎት ታቦት ኣብ ሓዱሽ ኪዳን፣- ኣብ ጸሎት ቅዳሴ ህብስቲ ናብ ስጋ መለኮት ወይኒ ድማ ደመ መለኮት ዝልወጠሉ ኣብ ልዕሊ ታቦት እዩ። እዚ ከኣ ታቦት እቲ ኣመናዊ መግቢ ሂወት ቅዱስ ስጋኡን ኩቡር ደሙን ዝቐርበሉን ዝፍትፈተሉን መሰውኢ ይበሃል። ብዘይ ታቦት ግና መስዋእቲ ክስዋእ ኣይግባእን።

5.፠ንታቦት ክብርን ስግደትን ከምዝግባእ፣-

፨ታቦት ሰማያዊ ስለ ዝኾነ ክብሪ ይግብኦ እዩ። እታ ኣብ ሰማይ ዘላ መቅደስ ኣምላኽ ከኣ ተኽፍተት ኣብታ መቅደስ ኣምላኽ ውን ታቦት ኪዳኑ ተራእየ። ራኢ ዮሓ,11፡19. ስለዚ ንኽብሪ ኢየሱስ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ዘሎ ኩሉ ፍጥረት ብብርኩ ክንብርከኽ እዩ። ፊሊ,2፡10. ስለዚ ኣብ ቅድሚ ታቦት ምስጋድ ማለት ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ምስጋድ ማለት እዩ። ኣብ ቅድሚ ታቦት እግዚኣቢሄር ብግጾም ናብ ምድሪ ከም ዝተደፍኡ ውን ንጉስ ዳዊትን ኩሎም እስራኤላውያን ንታቦት ይሰግዱ ከም ዝነበሩ ተጻሒፍልና ኣ`ኣሎ። ኢያ,7፡6. 1ይ ቆሮ,3፡2 ክሳብ ፍጻሜ።

6.፠ምሳሌ ታቦት፣-

፨ቅድስቲ ድንግል ማርያም ምሳሌ ታቦት እያ። ታቦት ቃላት እግዚኣቢሄር ዝተጻሕፎ ከምዝኾነ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ድማ ናይ ኣካላዊ ቃል ኢየሱስ ክርስቶስ መሕደሪት ኮይና እያ። መዝ,131፡8.

[ሀ], እቲ ዝተሰብረ ጽላት ናይ ኣዳምን ሄዋንን ምሳሌ እዩ። ጽላት ብምኽንያት በደል ህዝቢ እስራኤላውያን ከም ዝተደርበየ፣ ኣዳምን ሄዋንን ድማ ብሰንኪ በደሎም ተደርብዮም ምንባሮም ምሳሌ እዩ።

[ለ], እታ ዳግማይ ዝተቀርጸት ጽላት ግን ናይ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ምሳሌ እዩ። ዋላካ ኩሉ ሰብ ብምኽንያት ሄዋን ሞት ስጋን ሞት ነብስን ተፈሪድዎ እንተ ነበረ። በታ ዳግማይ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተረኽበላ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ናይ ምድሃኖም እዩ። ህዝቢ በቲ ዳግማይ ዝተቀርጸ ጽላት እና ተመርሑ ምድረ ርስቲ ከም ዝወረሱ፣ ህዝቢ ክርስትያን ውን ብድንግል ማርያም እና ተመርሑ ሰማያዊት እዮርሳሌም ይወርሱ በዚ እያ ከኣ መራሒት መንግስተ ሰማያት እትበሃል።

7.፠ጠቅሚ ታቦት ኣብ ሓዱሽ ኪዳን፣-

፨ታቦት ኣብ ቡሉይ ኪዳን ተጀሚሩ ዝተርፍ ኣይኮነን ኣብ ሓዱሽ ኪዳን ውን ስርዓተ ኣምልኾ እግዚኣቢሄር ይጥቀመሉ እዩ።‘‘ ንሕጊ ሙሴ ኾነ ንነብያት ክፍጽሞም እምበር ክስዕሮም ኣይመጻእኩ።‘‘ ማቴ,5፡17. ስለዚ ኣብ ጽላት ዝተጻሕፈ ካብ ዘይተሳዕረ ከመይ ጌይሩ ይሰዓር ከምኡ ውን ኣብ ቅዳሴ ሕብስቲ ናብ ስጋ መለኮት ወይኒ ናብ ድመ መሎኮት ዝልወጠሉ ኣብ ልዕሊ ታቦት እዩ። በዚ ከኣ ታቦት እቲ ኣመናዊ መግቢ ሂወት ቅዱስ ስጋኡን ክቡር ደሙን ዝፍትፈተሉ መሰዊኢ እዩ። ሃጌ,1፡3-4. 2ይ ቆሮ,3፡2. ት.ኢሳ,56፡7.

Kommentare

ዝተፈትዉ ጽሑፋት

ስነ-ፍጥረት

እምነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶን[ትርጉም ሽም ኦርቶዶክስ ተዋህዶን]።

ምስጢረ ቁርባን ስለ ምንታይ

ምስጢረ ክህነት እንታይ ማለት እዩ

7ተ ምስጢራተ ቤት ክርስትያን