ሰሙነ ሕማማት (ዓርቢ)
16.04.2020

ነገረ ስቕለቱ ብኵሎም ወንጌላውያን ዝተመዝገበ ኮይኑ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጉዕዞ መስቀል ድማ ድንቂ ዝኾነ ስንቂ ህይወት እንረኽበሉ ቃላት ተጻሒፉ ይርከብ። ኣብዚ ክዝርዘር ስለዘይከኣል ድማ ነቲ ቅዱስ መጽሓፍ ምስ ትርጓሜኡ ኣስተውዒልና ነንብቦ። ብዝተረፈ ግና እዚኣ መዓልቲ ናታ ፍሉይ ስም ከም ዘለዋውን ምጥቓስ ይግባእ እዩ።
ዓርቢ ስቕለት፦ መድሓኒ ዓለም ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ በጃ ዓለም ብምዃን ኣብ መልዕልተ መስቀል ተሰቒሉ ዝወዓለሉ ዕለት እዩ (ማቴ27፡35, ማር 15፡21-32, ሉቃ23፡ 26-43, ዮሓ19፡17-27)።
እዚ ዕለት እዚ መስቀል ምልክት ድኅነትና ኣርማ ናጽነትና ዝኾነሉ ዕለት እዩ። ቅድሚ እዛ ዕለት እዚኣ ደቂ ኣዳም ኣብ ዝኸፈአ በደል እንተተረኽቡ ኣብ መስቀል ተሰቒሎም ክሞቱ ይፍረዶም ነበረ። ነዚ ናይ ገበነኛታት መቅጽዒን ምልክት መርገምን ዝነበረ መስቀል፡ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብደሙ ቀዲሱ ንምሕረትና ትእምርቲ ሰንደቅ ድኅነትና፡ መመክሒ ክርስቶሳውያን፡ ንዲያብሎስ ንስዕረሉ ሓይሊ ዝገበረሉ፡ ብሞቱ ካብ ሞት ናብ ህይወት ዝተሰጋገናሉ ቅዱስ ንዋይ ገበሮ። በዚ ዕለት ኵሎም ምእመናን ካብ ክፉእ ተግባራት ርሒቖም ካብ እኽለ ማይ ተቖጢቦም ክሳብ ዕርበተ ፀሓይ ማለት ሰዓት ሽዱሽተ ድኅሪ ቀትሪ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ክሰግዱን ክጽልዩን ዝውዕልሉ መዓልቲ እዩ።
እዚ ዕለት እዚ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዚ ዘይብሃል ስቓይን መከራን ዝበዝሖ 13 ሕማማተ መስቀል ተቐቢሉ እዩ። ኣብ መስቀል ኮይኑ’ዉን ዓበይቲ ምስጢራት ዝሓቖፋን መልእኽቶም’ውን ረዚን ዝኾና 7 ቃላት ኣብ መስቀል እንከሎ ተዛሪቡ እዩ።
13ሕማማተ መስቀል ዝበሃሉ
1, ኣክሊለ ሶክ 2,ተኮርዖ ርእስ 3, ተጸፍኦ መልታሕት
4ተወክፎ ምራቕ 5 ሰተየ ሓሞት 6, ተኣስሮ ድሕሪት
7ተቀስፎ ዘባን 8,ጸዊረ መስቀል 9, ሳዶር
10, ኣላዶር 11, ዳናት 12,ኣዴራ 13,ሮዳስ
ብዘይካ እዚ ጎይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዕለተ ዓርቢ ኣብ መስቀል ኮይኑ ዝተዛረበን ሸውዓተ ቃላት ኣለውዋ፡ ሸውዓተ ቃላተ መስቀል ተባሂለን ድማ ይጽውዓ። ንሳተን ከኣ፥
1. ኦ! ኣቦይ ዝገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ ኣይትሓዘሎም(ሉቃ 23፡34)።
2. ሎሚ ኣብ ገነት ምሳይ ከም እትኸውን ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣሎኹ(ሉቃ 23፡43)።
3. እንሆ ወድኺ፡ እንሀት ኣዴኻ (ዮሓ 19፥26-27)።
4. ኤሎሄ ኤሎሄ ላማ ሰብቅታኒ (ማቴ 27፥46)።
5. ጸማእኩ (ዮሓ 19፡28)።
6. ኦ ኣቦይ ንነፍሰይ ኣብ ኢድካ ኣማዕቝባ ኣለኹ (ሉቃ 23፡46)።
7. ተፈጸመ (ዮሓ 19፡30)።
ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ምስ ተሰቕለ ብገዛእ ፍቓዱ ነፍሱ ካብ ስግኡ ምስ ፈለየ ሸውዓተ ተኣምራት ተፈጺሞም እዮም። እተን ሠለስተ ኣብ ሰማይ ዝፈጸማ ክኾና እንከለዋ እተን ኣርባዕተ ከኣ ኣብ ምድሪ ዝተፈጸማ እየን።
ኣብ ሰማይ ዝተፈጸሙ ተኣምራት፥
1. ፀሓይ ጸልመተት፡
2. ወርኂ ደም መስለት፡
3. ከዋኽብቲ ረገፉ፡
ኣብ ምድሪ ዝተፈጸሙ ተኣምራት፥
4. መጋረጃ ቤተ መቅደስ ኣብ ክልተ ተተርተረ፡
5. ኣእማን ተፈተቱ (ኣኻውሕ ተጨዱ)፡
6. መቓብራት ተኸፍቱ፡ዝ
7. ምውታት’ውን ተንስኡ።
እዛ ዕለት እዚኣ እምበኣር ጎይታናን መድሓኒና ኢየሱስስ ክርስቶስ ምእንታና ክብል ዝረኸቦ ስቓይን መከራን እናዘከርና፡ እቲ ኩሉ ሓጢኣትና ገዲፍና ብንስሓ ተሓጺብና ነቲ ዘፍቀረና ክርስቶስ መሲልና ብንጽህና ክንነብር ከም ዘለና እተዘኻኽር ዕለት እያ።
ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ስለቲ ብቓላት ክግለጽን ክንገርን ዘይክእል ውዕለቱ ዝኸበረን ዝተመስገነን ይኹን። ኣሜን!!
ስብሃት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ኣሜን!
Kommentare
Kommentar veröffentlichen