መራሕቲ ኣፍሪቃ እንተዝነፍዑ እሞ ህዝበይ ህዝብና እንተዝብሉ ህዝቢ ኣፍሪቃ ኣይምተሰደን ኔሩ


መራሕቲ  ኣፍሪቃ እንተዝነፍዑ
እሞ ህዝበይ ህዝብና እንተዝብሉ
ህዝቢ ኣፍሪቃ ኣይምተሰደን ኔሩ
Here Are the Top 10 Most Educated African Leaders 2020
Bildunterschrift hinzufügen
ኣብ መራሕቲ ኣፍሪቃ ዘለኒ ቅሪታ

እንተኾነ ግን ምራሕቲ ኣፍሪቃ
ንውልቆም ስለ ዝነብሩ ህዝቢ ኣፍሪቃ ክስደድ ይነብር ንሓዋሩ። በቲ ዝተፈላለየ ቦታ ዝተሰድዎ ድማ ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ኣብ ዘለውዎ ቦታ ምስ ተለማመዱ ድማ ደቂ እቲ ዓዲ መሓዛ ብምሓዝ ኣብ ውላድን ካልእን ይበጽሑ ይኹን እንበር እቶም ዝወለድዎም ቆልዑ ውን ራዛ ናይ ኣቦኻ ሓዛ ስለ ዝኾነ ሕብሪ ቆርበት ናይ ኣቦ ወይ ናይ ኣደont-family: "Arial",sans-serif; font-size: 16.0pt; line-height: 107%;"> ብምሓዝ ሕብሪ ቆርበት ኣፍሪቃዊ ይገብሮም፡ ዝኾነ ናይ ዓልየት ምስ ዝልዓል ካኣ ጸለምቲ ተባሂሎም ብምጽዋዕ ከም ኣቦኦም ዘሕለፎ ሽግር እንዳተሰከሙ ይነብሩ። እዝይ ጥራይ ከይኣክል ድማ ኩልና ከም እንፈልጦ ኣብ ምዕራባዊ ሃገራት ብዝተፈላለየ ነገር ጸለምቲ ኢሎም ብናይ ዓልየት ምስ ዘልዕሉ ብቅልጡፍ እዩ ዝስመዓና፡ እዚ ንሕና ጸለምቲ ስለ ዝኾና እዩ። ንነብስና ንምጽንናዕ ውን ኩሉ ሰብ ሓደ እዩ ሕብሪ ቆርበት ኣይትፈላልዩ ወይ ድማ ሰብ እኮ ሰብ እዩ (All human beings are equal/human beigs are human beings) ብምባል ኢና ክንቃወሞ። እንተ ኾነ ግን ኣብ በይንኻ ወይ ኣብ ውሽጥኻ ምትሓት ርእሲ ወይ ሕማቅ ስምዒት እዩ ዝሕድረልካ፡ እዚ ኹሉ ነገር ክመጽእ ዝኸኣለ ድማ መራሕቲ ኣፍሪቃ እንተዝነፍዑስ ህዝቢ ኣፍሪቃ ፈቆዶ ስደት ከርተት ኣይምበለን ብምባል ክትድምድሞ ይቀለልካ።  እንተዘይ ኮነ ግን መራሕቲ በዚዘለዉዎ እንተ ቀጺሎም ውን እቲ ንብዓት ኣፍሪቃዊት ኣደ ዘብቅዕ ኮይኑ ኣይስመዓካን፡ ከመይ‘ሲ መራሕቲ ኣፍሪቃ በዛዕባ ዝስደዱ ዘለዉ ህዝቦም ክዛረቡ ወይ ድማ እንታይ ኮይኖም ህዝብና ይስደዱ ኣለዉ ኢሎም ክሳብ ሕጂ ዘይሓስቡ ወይ ድማ ዘይዛረቡ ብምኻኖም እዩ። ህዝቢ ኣፍሪቃ ጻዕራምን ትጉህን ህዝቢ ምስቲ ምኻኑ ድማ ፡ ሰኣን ጥዑያት መራሕቲ ክስደድ ክነብር ከሎ ብጣዕሚ ይሕዝነካ።




ትማሊ ሶሉስ ማማ እንዳ በለ ሂወቱ ዝሰኣነ መንእሰይ George Floyd 


ትማሊ ሶሉስ ውን ሓደ ጸሊም መንእሰይ  George Floyd ዝተባህለ ወዲ 46 ዓመት ኤመሪካዊ ሓደ ጻዕዳ ፖሊስ ኣብ ክሳዱ ን8 ደቂቅ ዝኣክል ብምርጋጽ ቀቲልዎ። ብሕጊ ፖሊስ ሓደ ሰብ ምስ ዝኣብየካ ወይ ፈንጠርጠር ብምባል ምስ ዝኣብየካ ኣብ ክሳዱ ክትረግጾ ከም ዘለካ እዩ ዝሕብር፡ እንተኾነ ግን ክትሃስዮ ዘይኮነስ ንሂወቱ ከምዘይ ሃሲ ጌርካ ክትረግጾ እዩ ዝነግር። እንተኾነ ግን መንእሰይ George Floyd ዓሌታዊ ፖሊስ ስለ ዝረኸቦ በቲ ዝገብሮ ዝነበረ ጋዕሪ ክምሕሮ ኣይከኣለን እምበር መንእሰይ George Floyd ምስትንፋስ ከም ዝሰኣነስ ነጊርዎ ኔሩ ካብቲ ዝተዛረቦ ኣነ ምስትንፋስ ይስእን ኣለኹ ትንፋስ ይሓጽረኒ ኣሎ ማማ ማማ እንዳበለ ሓገዝ ሓቲቱ ነገር ግን እቶም ህዝቢ ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ነቲ ፖሊስ ክሳዱ ሓኒቅካዮ ኣፍኩሰሉ ብምባል ክሳብ 8 ደቂቅ ዓው ብምባልን ብቴለፎን ቪድዮ እንዳ ገበሩ ለሚኖሞ እዮም፡ ክቀርብዎ እንተበሉ ውን እቲ ካልኣዩ ዝነበረ ፖሊስI Can't Even Describe It': Use-Of-Force Experts Say Police ... ስለ ዝኸልከሎም ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ሓይሉ ክሳብ ዝውድእ ስለ ዝገበሩ ድሕሪ 9ደቂቅ ናብ ሕክምና ክወስድዎ ፈነወሎም እንተኾነ ግን መንእሰይ  George Floyd ኣብ ሕክምና ሂወቱ ሓለፈት። 

ቅድሚ ሕጂ 

ቅድሚ ሕጂ ውን 2014 ኣብ‘ዚ ቦታ ሓደ ጸሊም መንእሰይ ክሳድ ብምርጋጽ ብሓደ ፖሊስ ሞይቱ እዩ ናቱ ድማ ልክዕ ከምዚ ናይ መንእሰይ George Floyd ምስትንፋስ ሲኢነ ኣታ በጃኹም ግደፉኒ እንዳ በለ ብምድግጋም ከም ዝተዛረቦም ይንገር እንተኾነ ዓሌታዊ ፖሊስ ብምንባሩ ክሰምዖ ስለ ዘይከኣለ ነዊሕ ከይጸነሐ ሂወቱ ሓለፈ። ኣብ ኤመሪካ ብዙሓት ብዓሌታውያን ፖሊስ 44 ጸለምቲ መንእሰያት ሞይቶም ከም ዘለዉ ይንገር።




ጸሓፊ ኣታኽልቲ ሰመረ ዕለት 27.052020 ሃገረ ጀርመን

Kommentare

ዝተፈትዉ ጽሑፋት

ስነ-ፍጥረት

እምነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶን[ትርጉም ሽም ኦርቶዶክስ ተዋህዶን]።

ምስጢረ ቁርባን ስለ ምንታይ

ምስጢረ ክህነት እንታይ ማለት እዩ

7ተ ምስጢራተ ቤት ክርስትያን