ስነ-ፍጥረት
45. ስነ-ፍጥረት 1.፠እዚ መጽሓፍ እዚ ካብ ዝፍጠር ጀሚሩ እግዚኣቢሄር ብዝገለጸሎም ነብያት ተፈሊጡ እተነግሩ ካብ ዘመነ ሙሴ ካልኦት ውን ካብ ነብያት ዝጸሓፍዎ እዩ። ባዕሉ ጎይታ ውን ሰብ ኮይኑ ኣብ ዚምድሪ እናተማለለሰ ወንጌል ንምምሃር ናይ ሰማያትን ምድርን ፈጣሪ ምኻኑ ብብዓይነቱ ኣምላኻዊ ተኣምራት ብምግባር ኣረዲኡ ኣሎ። ዮሓ,4፡10-12. ብድሕሪኡ ውን ሓዋርያት 72ተን ኣርድእትን ብብግዚኡ ዝነበሩ ሊቃውንቲ ውን ናይ ስነ-ፍጥረት ነገር ኣስፊሖምን ኣብሪሆምን ኣለዉ። ‚‘‘ዘበቱ ኩሉ ኮነ ወዘእንበለሁሰ እልቦ ዘኮነ ወኢምንትኒ‘‘። ዮሓ,7፡3. ፍላስፋታት ውን እንተኾኑ ጎይታ ከይገለጸሎም ዝኾነ ምግባር ኣይከኣሎምን እዩ። ‚‘‘ወዘእን በሌየስ ኣልቦ ዘትኸሉ ገበረ ወኢምንትኒ‘‘ በዘይ ብኣይስ ሓንቲ ነገር እካ ክትገብሩ ኣይትኸኡሉን ኢኹም። ዮሓ,15፡5. 2.፠ዕላማ ስነ-ፍጥረት፣-/ኣርባዕተ ዕላማታት/ ፨ሰብን መላእኽትን ስሙ ንምምስጋንን ኩቡሩ ንምውራስን ተፈጥሩ። ካልእ ዝተፈጥሩ ፍጥረታት ግን ንመደነቅታን ንመዘከርታን ንምግብን ስጋን ንምግብ ነፍስን ፈጠሮ። ኢሳ,43፡7-8. ከምኡ ውን ህላዊኡ ንኽንርዳእ ዝተፈላለዩ ፍጥረታት ፈጠረ። ግብ,14፡17. ኢዩ,12፡7-10. ንትምህርቲ ውን ነቶም ካልኦት ፍጥረታት ፈጠሮም። 3.፠3ተ መንገዲ ኣፈጣጥራ ስነ-ፍጥረት፣- [1], ብሓልዮ [ብምሕሳብ] ብሓሳብ] እቲ ሰማይን፡ ምድርን፡ መላእኽቲ፡ ኣርባዕተ ባህርያት [መሬት፡ ማይ፡ ንፋስ፡ ሓዊን]። [2], ብነቢብ [ብምዝራብ] ብርሃን። [3], ብገቢር [ብምስራሕ፡ ብተግባር]፣- ኣቦና ኣዳም= እቲ ዝኸበረ ስነ-ፍጥረት ዩ። = እግዚኣቢሄር ካብ ሰንበት እሁድ ክሳብ ዓርቢ ዝፈጠሮም ፍጥረታት ሓደ ብሓደ እንተ ዝቑጸር ፍጡር ቆጺሩ ኣይም...
Kommentare
Kommentar veröffentlichen