ጥቅምቲ 03 ዝኽሪ 8ይ ዓመት ግዳያት ኤርትራውያን ኣብ ላምፓዱሳ


                             ጥቅምቲ/03 😥



ሰላም ኩቡር ኣንባቢ/ት ቅድሚ ምንባብካ/ኪ ገለ ፍልይ ዝበለ ሓሳበይ ከካፍለካ ይፈቱ! 


ጥቅምቲ/03 ሓዘን መንእሰያት ግዳይ ላምባዱሳ ብፍልይ ዝበለ ንኤርትራውያን ከቢድ ሓዘን እያ፡ ከመይ`ሲ በታ ዕለት እቲ`ኣ ተጻዒኖማ ኣፍታ  ጃልባ ተጻዒኖማ ዝነበሩ ሰባት 545 ስደተኛታት እዮም ንሳቶም ድማ ኤርትራውያንን ሶማላውያንን እዮም። እዞም 545 ሰባት ኣብ`ታ ተሰቂሎማ ዝነበሩ ጃልባ ሓዳጋ ምስ ኣጋጠሞም ካብ ኣቶም ድማ 155 ሰባት ጥራይ ብሂወት ወጽዮም እቶም 366 ድማ ሂወቶም ኣብ`ታ ማይ ተሪፋ፡ እንተኾነ ካብ ዞም 366 ግዳያት ዝኾኑ ሰባት እቶም 365 ኤርትራውያን እዮም ። ንሕናውን ዓመት መጸት ጥቅምቲ/03 እንዳዘከርና ንዓና ዝሓይሽን ፡ንዓና ዝኸውንን ፡መንገዲ ብምፍጣር እንዳፈጠርናን በብዝከኣለና ንዓና ዝሓይሽን፡ ክጥርንፈና ዝኽእል ነገራትን እንዳ ኣምጻእና ክሕንኩለናን፡ ክፈላልየናን ዝኽእል ነገራት እንዳ ጸረግና ክንጎዓዝ ኣለና። ካብ ክፈላሉዩናን፡ ከባኡሱናን፡ ዝደልዩ ሰባት ብሓጺሩ ካብ ጸላእትና ብምርሓቅን፡ ክንርሕቅ ውን ኣለና። ከመይ`ሲ ብዙሓት ካብ ፍልጠት ናጻን ርድኢት ዝጎዶሎምን ሓደ ሓደ ሰባት ምጽዮም ስለ`ዘለዉ ክንጥቀቅ ኣለና ፡ ከሙኡ ውን  ንዓና ኤርትራውያን ክኣኻኽበና ዝደሊ እንበር፡ ክፈላልዩና ዝደልዩስ ኣይወሓዱናን። ስለ`ዚ ምፍልላይ ገዲፍና ሬሳና ኣብ ዓድና ክኾነልና ንቃለስ፡ ኣዴኻ እያ ኣዴኻ ፡ ዓድኻ እዩ ዓድኻ ፡ ሃገርካ እዩ ሓገርካ። ምፍልላይ ንወግድ ፡ ምትሕቁቃፍ ነበርክት ሰላምን ፍቅርን ንኹልና እንዳበልኩ፡ ንኹሎም ግዳያት ኣብ ዝተፈላለየቦታን ሂወቶም ዝሰኣኑ ፈጣሪ ኣብ የማናዩ ይቀበሎም። 


በዛዕለት እዚ`ኣ ሂወቶም ንዝሰኣኑ ዓበይትን ነኣሽቱን ዝተሰምዓኒ መሪር ሓዘነይ እንዳ ገለጽኩ ንኹልኹም ምሉኣት ስድራቤትን የዕሩኽን እዞም ግዳያት ዝኾንኩም ኣምላኽ ጽንዓቱ ሂቡ የበርትዕኹም፡ ንኹሎም ዝሞቱ ድማ መንግስተ ሰማይ የዋርስ ይብል።



ጥቅምቲ/03 ንጀርመናውያን 


እዛ ጥቅምቲ ሰለስተ መዓልቲ ሓድነት ጀርመናውያን ነዞም ኣብ ጀርመን ንቅመት ስለምንታይ የውዕልዎ ከም ዘለዉ ነቶም ዘይትፈልጥዎ ፡ ኣብ ጀርመን እንዳተቀመጥካ ናይ ጀርመን ባህልን ፡ ብኽብሪ ዝወዓሉ ዓበይቲ በዓላትን ክትፈልጥ ግድን ስለዝኾነ እየ ክጽሕፋ ወሲነ እሞ ሕጽር ብዝበለ ክጽሕፋልኩም እየ ምኽንያቱ ታሪኹ ነዊኽ ስለዝኮነ ። ሰናይ ንባብ ይምነየልኩም


ጥቅምቲ/03  (03. Oktober )

ዛ በዓል እዚ`ኣ ዓመት መጸ ትበዓል በዓል ኮይና እታ መዓልቲ ሓድነት ጀርመናውያን (Tag Der Deutschen Einheit ) ተባሂላ ትጽዋዕ ። እዚ ኸኣ ጀርመናውያን ቅድሚ ሳላሳ ዓመታት ሓድነት ኣይነበሮምን ስለ`ዚ ኣፍቲ ፍልልይ ዝነበሩሉ ግዜ ቅድሚ ሳላሳ ዓመታት ምዕራብን ምብራቅ ጀርመንን ተባሂሎም ተፋላልዮም ይነብሩ ኔሮም፡ ኣብ`ዚ ተፋላልየሙሉ ዝነበሩ ግዜ ድማ ሓደ ካብ ምዕራብ ጀርመን ናብ ምብራቅ ጀርመን ምስ ዝኸይድ ኣዝዩ ግፍዒ ይረክብ ማለት እንታይ ክትገብር መጺኻን ካልእን ወዘተ...............። ብድሕሪ እዚ ድማ ድሕሪ ክንደይ ቃልስን ሓይልን ሓድነት ንምፍጣር ተቃሊሶም   ብ03.10.1990 ተዓዊቶም ንሕና ሓደ ኢና ብምባል ናይ ሓድነት ሓወልቲ ተኺሎም ነዛ ዕለት እዚ`ኣ ዓመት መጸ ነቲ ዝነበረ ታሪኽ ብምንባብን ጎደሎታቶም ብምእራምን ዓመት ዓመት ሓድነት ጀርመናውያን እንዳበሉ የብዑልዋ።

ስለ`ዚ ድምእ መዓልቲ ሓድነት ጀርመናውያን ተባሂላ ትጽዋዕ( 03. Oktober  Tag Der Deutschen Einheit) 


ኤርትራውያን ውን ፍልልይና ጼርና ንተሓቃቆፍ 



ኣዳላውን ጸሓፍን፡ ኣታኽልቲ ሰመረ (ወዲ ጀርመን) ዕለት 03.10.2020😓


Kommentare

ዝተፈትዉ ጽሑፋት

ስነ-ፍጥረት

እምነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶን[ትርጉም ሽም ኦርቶዶክስ ተዋህዶን]።

ምስጢረ ቁርባን ስለ ምንታይ

ምስጢረ ክህነት እንታይ ማለት እዩ

7ተ ምስጢራተ ቤት ክርስትያን