ንሕና ኣፍሪቃዊያን ጽምኢ ሰላም እምበር ጽምኢ ኪናት የብልናን።
ሰላም ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ደለይቲ
ፍትሕን ሰላምን ፍቅርን !
ብቀዳምነት ንኹልኹም ኣኣብ ዘለኹሞ ዕዙዝ ሰላምታይ ይብጻሕኩም ፣ ብምቅጻል እዛ ጽሕፍቲ እዚ‘ኣ ሒዘ ናብ‘ዚ ናይ ሎሚ ይእኪብና ዘሎ ጉዳይ ክኣቱ ፍቀዱለይ ። ብቀዳምነት ግን እዛ ጽሕፍቲ እዚ‘ኣ እንዳ ነባዕኹ ስለዝጸሓፍኩዋ ብጽሞና ሰሚዕኹም ብምስትንታን ከተዳምጹኒ ብትሕትና ይላቦ።
ንሕና ኤርትራዊያን ኮነ ኤቶጲያውያን ከሙ ውን ኣፍሪቃውያን ብሓፈሻ !
ጽምኢ ሰላም እንበር ፣ጽምኢ ኪናት የብልናን። ከመይ‘ሲ ዝሓለፍናዮ ኪናት ኣይወሓደን
ጽምኢ ምትሕቁቃፍ እንበር ፣ጽምኢ ምብትታን የብልናን። ዝተባታተንናዮ ኣይወሓደን
ጽምኢ ፍቅሪ እንበር፣ ጽምኢ ጽልኢ የብልናን። ዝተጻላእናዮ ኣይወሓደናን
ጽምኢ ሓድነት እንበር፣ ጽምኢ ምፍልላይ የብልናን። ዝተፈላለናዮ ኣይወሓደናን
-ንሕና ዘድልየና ዘሎ ሕጂ ግን ዘጻላኣናን ዘባእሰናን ዝፈላልየናን ዘቃያይመናን ዝድብድበናን ዘባሳጭወናን ጽልኢ ዝምህረናን ተንኮል ዝዘርኣልናን ዘይኮነስ፣ እንታይ ደኣ በኣንጻሩ ሰላምን ፍቅርን ሓድነትን ምትሕቁቃፍን ዝምህረናን ዝነግረናን ከሙኡ ውን እንዳመሃረ ዝመርሓናን እዩ ዘድልየና ዘሎ።
- ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ህዝበይ ኣብ‘ዛ ዘለናያ ዓለም ፣ ንዓና ኤርትራውያንን ኤቶጴያውያንን ከምኡ ውን ብሓፈሻ ኣፍሪቃውያን። ንዓና እያ ብዝያዳ ዓለም ብገፋሓ ጸቢባትና ዘላ፣ እዚ ክንከውን ዝገበረና ድማ ሕምቀትናን ከምኡ ውን እዞም ብድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቆላ ዝብሉ መራሕቲ ኢና በሃልትን ከም በዓል ኢሰያስን ካሎኦትን ከምኦም ዝኣመሰሉን እዮም። እምበር ከም ኣፍሪቃዊ ጻዕራምን በሊሕን ከም ዘየለስ ዝተማህረ ኣፍሪቃዊ እዩ ባዕሉ ዝመስከረ፣ ሕጂ ውን ክቡራትን ክቡራንን ሰማዕተይ ንሃገርናን ንኣፍሪቃን ንዓለምን ክንቅይራ ንኽእል ንሕና ኢና።
-ሓደ ነገር ግን ኣሎ ንሕና ከም ህዝቢ ክንርድኦ ዘለና ፣ ንሱ ድማ ብናይ ሓደ ክልተ ዝብልዎ ክንታለል ከምዘይ ብልናን ኣብ ዝኾነ ግዜ ብናትና ኣተሓሳስባ ኣመዛዚንና ክንጎዓዝ ደኣ እምበር ብናይ ካልእ ሰብ ዘረባታት ክንታለል ከምዘይ ብልና እዩ። ንመሰልና ድማ ብትብዓት ክንዛረብን ክንዕጠቅን ይግበኣና እዩ፣ ምኽንያቱ እቶም ንኣምኖም ሰባት ውን ብጌጋ ክእምኑና ስለ ዝፍትኑ።
-በዚ ኣጋጣሚ ግን ንኹልኹም መንእሰያት ክሕልፎ ዝደሊ መልእኽቲ ኣለኒ፣ ሓደ ሓደ ግዜ ባህርያት ናይ ወዲ ሰብን ባህርያት ነፋሒቶን ሓደ እዩ ። ነፋሒቶ ካብ‘ቲ ባህርያታ ሓደ ናይ ምምስሳል ባህርያት ኣለዋ፣ ንሱ ድማ ነፋሒቶ ኣብ ሓደ ቀጠልያ ነገር እንተ ኸይዳ ቀጠልያ ትኸውን ፣ ኣብ ጸሊም ነገር እንተ ኸይዳ ድማ ጸላም ናይ ምኻን ካብ ናይ ተፈጥሮ ባሕርያት ኣለዋ። እዝይ ኣብነት እዩ፦ ሓደ ሰብ ድማ ኣብ ናይ ምንባር ባህርያቱ ሓደ ነገር ኣለዎ ፣ ንሱ ድማ ሓደ ሰብ ኩሉ ግዜ ናይ ኪናት ነገር ንኣብነት፦ ከም ደርፊ ኪናትን ፊልሚ ኪናትን ታሪኽ ኪናትን እንድሕር ዝሰምዕን ዝከታተልን ዝዕዘብን ኮይኑ። ኩሉ ግዜ ዝኾነ ነገር ብኪናት እንበር ብምርድዳእን ብምዝርራብን ዝፍታሕ ኮይኑ ኣይስምኦን እዩ ፣ ብሕጽር ዝበለ ኣብ‘ዚ ናይ ለንቅነ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ክዝርጋሕ ዝቀነየ ኣብነት ክንወስድ ይከኣል እዩ ( ሻ በሎ ዳዓወሽ በሎ እንዳ በልካ ናይ ቀደም ታሪኽ እንዳምጻኻ መሊስካ ኣብ ክንዲ ንሰላም ንጽልኢ ምጉስጋስ ክካየድ ዝቀነየን ዝካየድ ዘሎን እዩ )። ክቡራትን ክቡራንን ሕማቅ ታሪኽ ንመምሃሪኻ ደኣ እንበር መንባሪኻ ኣይትገብሮን ኢኻ ፣ ስለ‘ዚ ድማ ኣብ ኪናት ወገንነት ኣይክወንን እዩ እንታይ ደኣ ንኽልቲኡ ወገን ኢኻ ናብ ሰላም ክመጽእ ትዕድም ። ስለ‘ዚ ድማ እየ ሰብኣውነት ተሰሚዕኒ እንዳ ሓዘንኩ ንሰላም ክጽውዕ ዝመጻኹ።
- ናይ መወዳእታ መልእኽተይ ነዚ ሕጂ ዘሎ ኪናት ፦ ነዚ ቀዳማይ ሚንስተር ዶ/ክ ኣብይ ኣሕመድ ዝገብሮ ዘሎ ናይ ደብዳብ ነፈርቲ ኪናት ደው ከብሎ ይጽውዕ ። ምኽንያቱ ንሱ ብዝወሰዶን ብዝገለጾን ስጉምቲ ድሕነት ንህዝቢ ትግራይ ብዝብል እዩ ፣ ሓደ ነገር ግን ኣሎ ዶ/ክ ኣብይ ኣሕመድ ንህዝቢ ሓልየት እንዳበልካ ንሕዝቢ ብነፋሪት እንዳ ደብደብካስ ሓልየት ህዝቢ ትግራይ እዩ ምባልካ ካብ ሓቂ ዝረሓቀ ናይ ጌጋ ጌጋ ስለዝኾነ ብዝሓሸ መንገዲ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ብህጹጽ ትገብሮ ዘለኻ ተግባራት ጠጠው ከተብሎ ንሓትት ንምሕጸን ውን። ብዝቀነየ እንዳሓዘንናን እንዳ ነባዕናን ሕጂ‘ኸ ኣደ መን ክትመክን ኣደ መን‘ከ ክትነብዕ ሓለፍቲ ኣብ መንበርኩም ኮፍ ኢልኩም ወዲ ምስ‘ኪን ክመውትን ክቆስልን ናብ ኪናት ሰዲድኩም ። እዝይ ሓደገኛ ኣካይዳ ምስ ኢሰያስ ተማኺርኩም ትገብርዎ ዘለኹም ጠጠው ከተብሉ ንምህጸነኩም ሕጂ ውን ምሽኪናይ ህዝቢ ዝሓለፈ ይኣኽሎ ።
-ሰራዊት ኤርትራ ውን ብዘይ ደለዮ ብሰንኪ ኢሰያስ ስርዓት ህግደፍን ናብ ኪናት ተሸይሙ ይርከብ ኣሎ፣ እዚ ነገር እዚ ውን ክኸውን ዘይግብኦን ንህዝቢ ኤርትራ ከምዘይ ውክሎን ክንፈልጥ ይግበኣና።
ህዝቢ ትግራይን ህዝቢ ኤርትራን ሓደ ህዝቢ እዩ ሓደ ዝገብሮ ድማ ሓደ ቃንቃን ሓደ ባህልን ስለዘለዎ እዩ፣> ከምኡ ውን ስለዝዋለድን ስለዝዋሰብን እዩ። ንሱ ስለዝኾነ ድማ እቲ ማዓስከር ስደተኛታት ኣብ ትግራይ ክግበር ዝተኻእለ ብሓደ ቓንቃ ይረዳዳእን ይነብርን ኣሎ፣ ብዙሓት ግን ኣለዉ ካብ ፍልጠት ናጻ ዝኾኑ ነዚ ሓቂ ሰኣን ምፍላጦም ብቶንኮል ንህዝቢ ዘታልሉ ። ንህዝቢ ትግራይን ንህዝቢ ኤርትራን ኣብ ዝሓለፈ ታሪኽ ብሰንኪ ቶንኮል ኢሰያስን መለስን እዮም ተባኢሶም፣ ሕጂ ግን ኢሰያስ ከምዘይ ውክሎም ፈሊጦም ሰብኣውነት ውን ተሰሚዕዎም ንዝመጽእ ሽግራት ብሓደ ኮይኖም ክምክቱ እዩ ዝግብኦም ። ገለ ገለ ሰባት ህዝቢ ትግራይን ህዝቢ ኤርትራን ይሕዋት ኢና ክበሃል ምስ ሰምዑ ዘይወሓጠሎም ሰባት ኣለዉ እዚ‘ኦም ግን ካብ ዘይምርድኦም እዩ ፣ ህዝቢ ትግራይን ህዝቢ ኤርትራይን የሕዋት ማለት ጎረባብቲ ኮይኖም ብቃንቃን ባህልን ሓደ ስለዝኾኑ እዩ።
-ስለ‘ዚ ድማ ከምዚ ኣቦታትና ዝብልዎ (ፍቅሪ እንተደሊኻ ገዳዲፍካ ፣ጽልኢ እንተደኣ ደሊኻ ገፋጊፍካ ) ከም ዝብሉ፣ ነዚ ሒዝና መንእሰያት ብፍላይ ክንነቅሕን ከነስተውዕልን ይግበኣና ክሳብ ሕጂ ጥዑም ኣይሰማዕናን ካብ ሕጂ ግን ተስፋ ጽባሕ ንሕና ስለዝኾና መናባብሮና ከነማሓይሽ ሓቢርና ክንቃለስ ሓላፍነት ናይ ኩላትና እዩ።
- ስለ ጺን ኢልኩም ዝሰማዕኹምኒ ብልቢ የመስግነኩም ! ሰላምን ፍቅርን ነዚ ውጹዕ ህዝብና ፈጣሪ ሰላሙ ይሃበና ኣጆኹም ክንዕወት ኢና!
ይቀንየለይ
ዕለት 21.11.2020
ኣታኽልቲ ሰመረ ኣብ ሃገረ ጀርመን
Kommentare
Kommentar veröffentlichen