ሰሙነ ሕማማት ( ዓርቢ ) 16.04.2020 ሓሙስ ምሸት እቶም ንጎይታ ዝሓዝዎ ኣይሁዳውያን ንጎይታ ከባጭውሉ ድሕሪ ምሕዳር፡ ንጽባሒቱ ዓርቢ ከይወገሐ ከሎ፡ ጲላጦስ ንጐይታ ናብ ሄሮድስ ለኣኾ፡ ሄሮድስ ድማ መሊሱ ናብ ጲላጦስ ሰደዶ ከምዚ እናገበሩ ኣላገጽሉ ። ሊቃነ ካህናትን ብዘሎ እቲ ዋዕላን ከኣንጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ክቐትልዎ ምስክር ሓሶት ይደልዩ ነበሩ። እንተኾነ ብዙሓት ሓሰውቲ መሰኻኽር እዃ እንተቐረቡ፡ ሓንቲ ኣይረኸቡን። ድሓር ግን ክልተ ቐሪቦም “ እዚ ሰብ እዚ ” ንቤት መቕደስ ኣምላኽ ኣፍሪሰ ብሰለስተ መዓልቲ ክሃንጾ እኽእል እየ ኢሉ ተዛሪቡ ” በሉ። እቲ ሊቀ ካህናት ከኣ “ ነዚ ዝብሉኻ ዘለዉስ ገለዶ ኣይትምልሰሉን ኢኻ በሎ ” ኢየሱስ ግና ኣይመለሰሉን። እቲ ሊቀ ካህናት ከኣ “ ንስኻ እቲ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ እንተ ኾንካስ ክትነግረና በቲ ህያው ኣምላኽ አምሕለካ ኣለኹ ” በሎ። ኢየሱስ ከኣ “ ንስኻ እኳ ትብል ኣሎኻ ” በሎ። ድሕሪ እዚ እቲ ሊቀ ካህናት ክዳኑ እናቐደደ “ እንሆ ይጸረፍ ኣሎ፡ ደጊም ደኣ እንታይ ንስክር ኣድልየና፡ እንታይከ ይመስለኩም፧ ” በሎም። ንሳቶም ከኣ “ ሞት ይግብኦ ” ኢሎም መለሱሉ። ሽዑ ኣብ ገጹ ጡፍ በለሉ ገሊኦም ድማ ወቕዕዎ። ። ” ኦ መሲሕ መን እዩ ዝወቕዓካ፧ እስከ ተነበየልና ፧ ” ኣንዳበሉ ይጸፍዕዎ ነበሩ። ጎይታናን...