Posts

Bild
  ንሕና ኣፍሪቃዊያን ጽምኢ ሰላም እምበር ጽምኢ ኪናት የብልናን።   ሰላም ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ደለይቲ ፍትሕን ሰላምን ፍቅርን ! ብቀዳምነት ንኹልኹም ኣኣብ ዘለኹሞ ዕዙዝ ሰላምታይ ይብጻሕኩም ፣ ብምቅጻል እዛ ጽሕፍቲ እዚ ‘ ኣ ሒዘ ናብ ‘ ዚ ናይ ሎሚ ይእኪብና ዘሎ ጉዳይ ክኣቱ ፍቀዱለይ ። ብቀዳምነት ግን እዛ ጽሕፍቲ እዚ ‘ ኣ እንዳ ነባዕኹ ስለዝጸሓፍኩዋ ብጽሞና ሰሚዕኹም ብምስትንታን ከተዳምጹኒ ብትሕትና ይላቦ።               ንሕና ኤርትራዊያን ኮነ ኤቶጲያውያን ከሙ ውን ኣፍሪቃውያን ብሓፈሻ ! ጽምኢ ሰላም እንበር ፣ጽምኢ ኪናት የብልናን። ከመይ ‘ ሲ ዝሓለፍናዮ ኪናት ኣይወሓደን ጽምኢ ምትሕቁቃፍ እንበር ፣ጽምኢ ምብትታን የብልናን። ዝተባታተንናዮ ኣይወሓደን ጽምኢ ፍቅሪ እንበር፣ ጽምኢ ጽልኢ የብልናን። ዝተጻላእናዮ ኣይወሓደናን ጽምኢ ሓድነት እንበር፣ ጽምኢ ምፍልላይ የብልናን። ዝተፈላለናዮ ኣይወሓደናን - ንሕና ዘድልየና ዘሎ ሕጂ ግን ዘጻላኣናን ዘባእሰናን ዝፈላልየናን ዘቃያይመናን ዝድብድበናን ዘባሳጭወናን ጽልኢ ዝምህረናን ተንኮል ዝዘርኣልናን ዘይኮነስ፣ እንታይ ደኣ በኣንጻሩ ሰላምን ፍቅርን ሓድነትን ምትሕቁቃፍን ዝምህረናን ዝነግረናን ከሙኡ ውን እንዳመሃረ ዝመርሓናን እዩ ዘድልየና ዘሎ። - ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ህዝበይ ኣብ ‘ ዛ ዘለናያ ዓለም ፣ ንዓና ኤርትራውያንን ኤቶጴያውያንን ከምኡ ውን ብሓፈሻ ኣ...