Posts

ሽግር ኤርትራዊያን ስደተኛታት ኣብ መዓስከር ማይ ዓይንን ዓዲ ሓርሽን

Bild
  ሽግር ኤርትራዊያን ስደተኛታት ኣብ መዓስከር ማይ ዓይንን ዓዲ ሓርሽን   ሎሚ ንግሆ ድሕሪ ኽንደይ ፈተነ መስመር ሰሪሕለይ ናብ መዓስከር ማይ ዓይኒ ደዊለ ኔረ፣ ይኹን እንበር  ኣብ ሓፍ ዘይብል ጸገም ተሸኺሎም ከም ዝቀነዩን ከም ዘለዉን ኣቡ ዘለዉ ይሕዋተይ ነጊሮምኒ። ንሳቶም ኣብ ዘዕለሉኒ ኩሉ ሰብ ብፍላይ ጥኑሳትን ቆልዑ ዝሓዛን ኣዝይዩ ከፊእወን ከም ዘሎን ከም'ኡ ውን መንግስቲ ባንኪ ብምድስካሉን ዓቡይ ሃስያ ኮይኑ ኣሎ፡ ሰብ ሓወላ ናብ ኣዲስ ኣባባ ድኣሉ ክመጽእ ዝኽእል እንበር ናባና ግን ክኣቱ ኣይክእልን እዩ ዘሎ ። እዚ ኹሉ ህዝቢ ራሽን የብሉን ዝህቡ ውን የለዉን በይንና ተሪፍና ፣ ወላ እኽሊ ቁሩብ እንተሃለወና ወይ እንተሃለወ ብምንታይ ክብላዕ ሽጉርቲ ብጠቅላላ የለን ኣብ'ዚ መዓስከር እቲ ዝተረፈ ኣስቤዛ ውን ልዕሊ ዓቁሙ እዩ ነዚ ሰብ ብጣዕሚ ከቢሩ እዩ ዘሎ። ነዞም ናይ ፌደራል ሰራዊት እንተተዛረብናዮም እሞ ኪዱ ጽርግያ ሒዝኩም ናብ ኣዲስ ኣባባ ወላ ሓንቲ ኣይብልኹምን እዮም ኢሎምና ፣ ብዙሓት ስደተኛታት ወን እቶም ነብሶም ዝኽእሉ መብዛሕቶኦም ካብ'ዚ መዓስከር ወጽዮም ናብ ጎንደር ብእግሮም ይኸዱ ኣለዉ ካብ ጎንደር ድማ ናብ ኣዲስ ኣባባ ይጎዓዙ ኣለዉ ። ይኹን እንበር ካብ'ዚ መዓስከር ዝወስዳ መኪና የለዋን እቲ ህዝቢ ግን ካብ'ዚ ቦታ  ብእግሪ ናብ ናይ ኦሮሞ መሬት ይጎዓዝ ከምዘሎ ሓቢሮምኒ ኣለዉ፣ እሞ እተን ነብሶጾራትን እተን ኣደ ቆልዑን ከ እንታይ ይኹና ቆልዑ ብጥሜት ይመቱ ኣለዉ ። እዚ ድማ ናይ ኩልና ሕቶ ኮይኑ ኣሎ፣ ስለ'ዚ ንሕና ኩልና ኣብ ወጻኢ እንርከብ ድማ ናይ ሓገዝ ቦፋንግ ብምውጻእ ክንሕግዞም ይላቦ ወላ ሕጂ እንተዘይ ኣተዎም እቲ ኪናት ምስተረጋግኤ ኣዝዩ ክሕግዞም እዩ። ፈጣሪ ሰላሙ ይሃበና ! ኣነ...
Bild
  ንሕና ኣፍሪቃዊያን ጽምኢ ሰላም እምበር ጽምኢ ኪናት የብልናን።   ሰላም ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ደለይቲ ፍትሕን ሰላምን ፍቅርን ! ብቀዳምነት ንኹልኹም ኣኣብ ዘለኹሞ ዕዙዝ ሰላምታይ ይብጻሕኩም ፣ ብምቅጻል እዛ ጽሕፍቲ እዚ ‘ ኣ ሒዘ ናብ ‘ ዚ ናይ ሎሚ ይእኪብና ዘሎ ጉዳይ ክኣቱ ፍቀዱለይ ። ብቀዳምነት ግን እዛ ጽሕፍቲ እዚ ‘ ኣ እንዳ ነባዕኹ ስለዝጸሓፍኩዋ ብጽሞና ሰሚዕኹም ብምስትንታን ከተዳምጹኒ ብትሕትና ይላቦ።               ንሕና ኤርትራዊያን ኮነ ኤቶጲያውያን ከሙ ውን ኣፍሪቃውያን ብሓፈሻ ! ጽምኢ ሰላም እንበር ፣ጽምኢ ኪናት የብልናን። ከመይ ‘ ሲ ዝሓለፍናዮ ኪናት ኣይወሓደን ጽምኢ ምትሕቁቃፍ እንበር ፣ጽምኢ ምብትታን የብልናን። ዝተባታተንናዮ ኣይወሓደን ጽምኢ ፍቅሪ እንበር፣ ጽምኢ ጽልኢ የብልናን። ዝተጻላእናዮ ኣይወሓደናን ጽምኢ ሓድነት እንበር፣ ጽምኢ ምፍልላይ የብልናን። ዝተፈላለናዮ ኣይወሓደናን - ንሕና ዘድልየና ዘሎ ሕጂ ግን ዘጻላኣናን ዘባእሰናን ዝፈላልየናን ዘቃያይመናን ዝድብድበናን ዘባሳጭወናን ጽልኢ ዝምህረናን ተንኮል ዝዘርኣልናን ዘይኮነስ፣ እንታይ ደኣ በኣንጻሩ ሰላምን ፍቅርን ሓድነትን ምትሕቁቃፍን ዝምህረናን ዝነግረናን ከሙኡ ውን እንዳመሃረ ዝመርሓናን እዩ ዘድልየና ዘሎ። - ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ህዝበይ ኣብ ‘ ዛ ዘለናያ ዓለም ፣ ንዓና ኤርትራውያንን ኤቶጴያውያንን ከምኡ ውን ብሓፈሻ ኣ...