ጥቅምቲ 03 ዝኽሪ 8ይ ዓመት ግዳያት ኤርትራውያን ኣብ ላምፓዱሳ

ጥቅምቲ/03 😥 ሰላም ኩቡር ኣንባቢ/ት ቅድሚ ምንባብካ/ኪ ገለ ፍልይ ዝበለ ሓሳበይ ከካፍለካ ይፈቱ! ጥቅምቲ/03 ሓዘን መንእሰያት ግዳይ ላምባዱሳ ብፍልይ ዝበለ ንኤርትራውያን ከቢድ ሓዘን እያ፡ ከመይ`ሲ በታ ዕለት እቲ`ኣ ተጻዒኖማ ኣፍታ ጃልባ ተጻዒኖማ ዝነበሩ ሰባት 545 ስደተኛታት እዮም ንሳቶም ድማ ኤርትራውያንን ሶማላውያንን እዮም። እዞም 545 ሰባት ኣብ`ታ ተሰቂሎማ ዝነበሩ ጃልባ ሓዳጋ ምስ ኣጋጠሞም ካብ ኣቶም ድማ 155 ሰባት ጥራይ ብሂወት ወጽዮም እቶም 366 ድማ ሂወቶም ኣብ`ታ ማይ ተሪፋ፡ እንተኾነ ካብ ዞም 366 ግዳያት ዝኾኑ ሰባት እቶም 365 ኤርትራውያን እዮም ። ንሕናውን ዓመት መጸት ጥቅምቲ/03 እንዳዘከርና ንዓና ዝሓይሽን ፡ንዓና ዝኸውንን ፡መንገዲ ብምፍጣር እንዳፈጠርናን በብዝከኣለና ንዓና ዝሓይሽን፡ ክጥርንፈና ዝኽእል ነገራትን እንዳ ኣምጻእና ክሕንኩለናን፡ ክፈላልየናን ዝኽእል ነገራት እንዳ ጸረግና ክንጎዓዝ ኣለና። ካብ ክፈላሉዩናን፡ ከባኡሱናን፡ ዝደልዩ ሰባት ብሓጺሩ ካብ ጸላእትና ብምርሓቅን፡ ክንርሕቅ ውን ኣለና። ከመይ`ሲ ብዙሓት ካብ ፍልጠት ናጻን ርድኢት ዝጎዶሎምን ሓደ ሓደ ሰባት ምጽዮም ስለ`ዘለዉ ክንጥቀቅ ኣለና ፡ ከሙኡ ውን ንዓና ኤርትራውያን ክኣኻኽበና ዝደሊ እንበር፡ ክፈላልዩና ዝደልዩስ ኣይወሓዱናን። ስለ`ዚ ምፍልላይ ገዲፍና ሬሳና ኣብ ዓድና ክኾነልና ንቃለስ፡ ኣዴኻ እያ ኣዴኻ ፡ ዓድኻ እዩ ዓድኻ ፡ ሃገርካ እዩ ሓገርካ። ምፍልላይ ንወግድ ፡ ምትሕቁቃፍ ነበርክት ሰላምን ፍቅርን ንኹልና እንዳበልኩ፡ ንኹሎም ግዳያት ኣብ ዝተፈላ...