Posts

ጥቅምቲ 03 ዝኽሪ 8ይ ዓመት ግዳያት ኤርትራውያን ኣብ ላምፓዱሳ

Bild
                              ጥቅምቲ/03 😥 ሰላም ኩቡር ኣንባቢ/ት ቅድሚ ምንባብካ/ኪ ገለ ፍልይ ዝበለ ሓሳበይ ከካፍለካ ይፈቱ!   ጥቅምቲ/03 ሓዘን መንእሰያት ግዳይ ላምባዱሳ ብፍልይ ዝበለ ንኤርትራውያን ከቢድ ሓዘን እያ፡ ከመይ`ሲ በታ ዕለት እቲ`ኣ ተጻዒኖማ ኣፍታ  ጃልባ ተጻዒኖማ ዝነበሩ ሰባት 545 ስደተኛታት እዮም ንሳቶም ድማ ኤርትራውያንን ሶማላውያንን እዮም። እዞም 545 ሰባት ኣብ`ታ ተሰቂሎማ ዝነበሩ ጃልባ ሓዳጋ ምስ ኣጋጠሞም ካብ ኣቶም ድማ 155 ሰባት ጥራይ ብሂወት ወጽዮም እቶም 366 ድማ ሂወቶም ኣብ`ታ ማይ ተሪፋ፡ እንተኾነ ካብ ዞም 366 ግዳያት ዝኾኑ ሰባት እቶም 365 ኤርትራውያን እዮም ። ንሕናውን ዓመት መጸት ጥቅምቲ/03 እንዳዘከርና ንዓና ዝሓይሽን ፡ንዓና ዝኸውንን ፡መንገዲ ብምፍጣር እንዳፈጠርናን በብዝከኣለና ንዓና ዝሓይሽን፡ ክጥርንፈና ዝኽእል ነገራትን እንዳ ኣምጻእና ክሕንኩለናን፡ ክፈላልየናን ዝኽእል ነገራት እንዳ ጸረግና ክንጎዓዝ ኣለና። ካብ ክፈላሉዩናን፡ ከባኡሱናን፡ ዝደልዩ ሰባት ብሓጺሩ ካብ ጸላእትና ብምርሓቅን፡ ክንርሕቅ ውን ኣለና። ከመይ`ሲ ብዙሓት ካብ ፍልጠት ናጻን ርድኢት ዝጎዶሎምን ሓደ ሓደ ሰባት ምጽዮም ስለ`ዘለዉ ክንጥቀቅ ኣለና ፡ ከሙኡ ውን  ንዓና ኤርትራውያን ክኣኻኽበና ዝደሊ እንበር፡ ክፈላልዩና ዝደልዩስ ኣይወሓዱናን። ስለ`ዚ ምፍልላይ ገዲፍና ሬሳና ኣብ ዓድና ክኾነልና ንቃለስ፡ ኣዴኻ እያ ኣዴኻ ፡ ዓድኻ እዩ ዓድኻ ፡ ሃገርካ እዩ ሓገርካ። ምፍልላይ ንወግድ ፡ ምትሕቁቃፍ ነበርክት ሰላምን ፍቅርን ንኹልና እንዳበልኩ፡ ንኹሎም ግዳያት ኣብ ዝተፈላ...

ፕረዝደንት ዶናል ትራም ብኮረና ባይረስ ከም ዝተለኽፈሓቢሩ

Bild
  ፕረዝደንት (USA) ዶናል ትራም ድሕሪ ነውሕ ምዕግርጋሩ ኮረና ከም ዝተለኽፈ ሓቢሩ. ፕረዝደንት ዶናል ትርም ምስ ሰበይቱ ኣብ ውሸባ ከም ዘሎ ኣብ ትዊተሩ ባዕሉ ሎሚ ሰሉስ ሓቢሩ ዶናል ትራም ብኸመይ ከም ዝተለኽፈ ክገለጽ ኮሎ ከምዝይ ይብል፦ ሓንቲ መሳርሕተይ ኩሉ ግዜ እያ ማስክ ትገብር ማለት ብዝግባእ ምሉእ ጥንቃቀ ትገብር ኔራ፡ እንተኾነ ግን ምርመራ ምስ ገበረት ኮረና መልከፍቲ ከም ዘለዋ ተነግረት ይብል። ኣነ ኸኣ እሞ ኣነውን ክምርመር ኢለ ናይ ምርመራ ምስ ገብርኩ ነዓይ ውን ኮረና መልከፍቲ ከም ዘለኒ ተነግረኒ፡ ብድሕሪ እዚ ምስ ሰበይተይ ኣብ ውሸባ ኣለና ብምባል ኣብ ትዊተር ብዝርከብ መርበብ ሓበሬቱ ሓቢሩ።

ሌና ምስ Chanelና፡ ሓዳሽ Chanelና ምስ ሓዱሽ ሓሳብና DWJ Entertainment ዕድሜኹም ትብል

Bild
ሰላም ዝኸበርኩም ተጠቀምቲ ዩ`ቱብ፣ -እንበኣር ንሕና ውን ብግዜና ከም ኩሎም ዩ`ቱብ ዓማዊልኩም ክንከውንን ክትኮኑናን መጺና ኣለና። -ብምቕጻል ኣብ`ዚ Chanelና ኣቲኹም ሳብስክራይብ ብምግባር ቤት-ሰብ ክትኮኑና ብኽብሪ ንዕድም። ኣብ`ዚ DWJ Entertainment ዝቀርብ መደባት ፡ -ጽፉፍን፡ ሓጋዚ ዝኾነን ጭብጢ ዘለዎን ብጭብጢ ዝቀርብን፡ መሃርን እግሪ ከትክል ዝኽእል መደባትን ንምቅራብ። -ንረብሓ ኢሉ ዘይኮነስ፡ ንጠቅሚ ተኻታተልቱን ህዝቡን ኢሉ ናይ ዘለዎ ክእለትን ትምህርትን ንምውፋይ እዩ ተዳልዩ መጽእዩ ዘሎ። -ብሳልሳዩ ድማ እዚ DWJ Entertainment ንሓቂ ሓቂ፡ ንሓሶት ድማ ሓሶት ኢሉ ዝጎዓዝ ምኻኑ ብትብዓትን፡ ተባዕን ምኻኑ ክሕብር ይፈቱ። -ኣብ ናይ ፖሎቲካ ዘለዎ DWJ Entertainment ኣራእያ እንታይ ይመስል፧? DWJ Entertainment ኣብ ዲሞክራስን ፍትሕን ዝኣምንን፡ ዝምርኮስን፡ ዝምራሕን እዩ ሓደ ክዕመጽ፡ ሓደ ክዕምጽ ኣይፈቱን እዩ። -ኣብ`ዚ መድብ ብሓሳብ ወይ ብትምህርቱ ዝደሊ እንተሎ በዚ ኣድራሻና ክረኽበና ይኽእል እዩ (eri.whm20@gmail.com)። -ዝመሓላለፈሉ ቦታ ድማ ኣብ ሃገረ ጀርመን ካብ ማርቡርግ(Marburg) ዝበሃል ከተማ እዩ። ተወሳኺ ብጽሑፍ ዝሓልፍ መድብ ንምክትታል ኣብ ጎጉል ዝርከብ ወብ ሳይትና፡ hiwetmenfsawnet.blogspot.com በዚ ዩ`ቱብ ዝሓልፍ መድብ ንምክትታል፡ https://youtube.com/channel/UCBfhQBhkQq1rPu86eymtSmQ ንእትገብሩልና ኩሉ ብልቢ ነመስግን ! ይቀንየልና  

ስለምንታ ዝተማህርካዮ ትርስዕ፧

Bild
 

ዓወትካ ኩሉ ግዜ ምስ ጸዓርካ

Bild
 

ፍቅሪ ጥዑም

Bild
ፍቅሪ ጥዑም። ኣብ ነብስኻ ለቢስካ፡ ተባሕለን ተገብረን ገዲፍካ፡ ሓመዩኒ፡ ከምዝይ በሉኒ፡ ኣውረዩለይ ኣጽደፉለይ ከይበልካን፡ ትነብራ እንተዳ ኮንካ ኣቤት ጣዕማ ክፍተወካ። ኣብ ግዜና ፍቅሪ ጠፊኣ ይብሉና ግንና፡ ፍቅሪ ዘይኮነት ሰባት እዮም ጠፊኦምና። ምኽንያቱ ፈቃር ሰብ ፍቅሪ ጠፊኣ ክብል ኣይክእልን እዩ፡ እቲ ንፍቅሪ ዘይፈልጣን ፈቃር ዘይኮነ ሰብን ግን ሎሚ`ዶ ፍቅሪ ኣሎ እዩ ክብል ኣይሓፍርን እዩ ። ፍቅሪ ግን ካብ ነብስኻ እያ ትጅምር ፈቃር ሰብ የፍቅር እዩ፡ ጸላኢ ሰብ ድማ ይጻላእ እዩ።  ፍቅሪ ጥዕምቲ እያ እሞ ፍልልያትና ገዲፍና፡ ኣብ ናይ ውልቀ ሰብ መናባብሮ ከይኣተና በብዘለና፣ በብዘለናዮን ተሓላሊና ዓለም ንሕለፋ። ዓለም ሰሓቅ ጥራይ እዩ ትርፋ ፈጣሪ ሰድትና የትርፋ ጥዑምን ሰናይን በብዘለናዮ ንኹልና።   juNt64co8zw/X24_NTbOmjI/AAAAAAAAAUs/jYCQZuxdZmE3dNy92k48priFink96KQzwCLcBGAsYHQ/s16000/80654765_582282448997761_1753098091361206272_n.jpg" />

ሰባት ርሒቆምኒ ኢልካ ኣይተማርር

Bild
ጅእወ ሕጂ ውን ንስኻ ንነብስኻ ኣይተነኣእሳ ፡ ምኽንያቱ ንስኻ ናይ ጽባሕ ሰብ ስለዝኾንካ።

nay hiwet senselet ናይ ሂወት ሰንሰለት!!!

Bild
- ከይ ` ረኣኻ ኣይት ` ኣምንን።   - ከይ ` ጠመኻ ኣይትበልዕን።   - ከይ ` ጸገብካ ውን ኣይትትስእን።   - ከይ ` ጸማእኻ ኣይትሰትን። - ከይ ` ደቀስካ ኣይትትስእን።   - ከይ ` ሰራሕካ ኣይትደክምን። - ከይ ` ደኸምካ ውን ኣይትዕርፍን።   - ከይ ` ሰራሕካ ኣይ ` ትበልዕን።   - ከይ ` ቖረርካ ውን ኣይትኽደንን። - ከይ ` ተሓጸብካ ኣይትጸርን።   - ከይ ` ረሳሕካ ውን ኣይትሕጸብን።   - ከይ ` ተበገስካ ኣይትጋዓዝን።   - ከይ ` ጎየኻ ኣይትቅድምን። - ከይ ` ቀደምካ ውን ኣይትዕወትን። - ከይ ` ተማሃርካ ኣይትመሃርን።   - ከይ ` ተማሃርካ ውን ኣይትምህርን። - ከይ ` ሓተትካ ኣይትምሃርን።   - ከይ ` ተሓተትካ ውን ኣይትምልስን። - ከይ ` ተጋዓዝካ ኣይትስጉምን። - ከይ ` ሰጎምካ ውን ኣይትጎይን። - ከይ ` ጎየኻ ውን ኣይተርክብን። - ከይ ` ሸተትካ ኣይጭንውን።   - ከይ ` ጭነወ ውን ኣይሽትትን።   - ከይ ` ጠዓምካ ኣይተስተማቅርን።   - ከይ ` ከየስተማቀርካ ውን ኣይትውሕጥን።   - ከይ ` ተሰብረ ኣይስበርን።   - ከይ ` ተሰብረ ውን ኣይጽገንን ( ኣይዕረን ) ።   - ከይ ` ሓመምካ ኣይ ` ትሓምምን።   - ከይ ` ሓመምካ ውን ኣይትሓውን።   ካብ ናይ ሂወትና ሰንሰለት ካብ ብዙሕ ብውሑድ ኣዳላውን ጸሓፍን ኣታኽልቲ ሰመረ ( ወዲ ጀርመን ) ኣብ ሃገረ...

ተማሃራይ ነባራይ

Bild

እቶም ሰለስተ ፌደል ዝውንኑ ኣብ ሂወትካ ኣቡይ ታራ ዘለዎም ተታሓሓዝቲ ነገራት

Bild
ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ምሉእ ትሕዝቶ ብጽሑፍ ክመጽእ እዩ፡ ኣብ ዚሊንክ ሳብስክራይብ ግበሩ። ማዓልታዊ ሓሳባትካ መስፈሪ ፍጠረሎም፡ ድሕሪ ግዜ ክሕጉስኻ እዮም። ብጽሑፍ ኣብ ዝሓጽር ግዜ ክዝርግሓልኩም ይሓስብ እንተ ሰሊጥኒ፡ እንተ እቲ ሓሳብ ኣብ ኩሉ ሰብ ኣሎ ዝብል እምነት እዩ ዘለኒ። እንተኾነ ግን ንዘይፈልጥ ንምፍላጥ ይሕግዝ ይኸውን ይብል ንዝፈልጥ ከኣ ኣብ ርእሲ ፍልጠቱ ይሕግዞ እዩ ይብል ብወገነይ። ዝመጸኒ ሓሳባት ብዙሕ እዩ ግን ሓደ ሓደ ግዜ በየናይ ክጅምር ይጠፍኣኒ፡ እቲ ሓሳባት ኣብ ትርፊ ግዜ ዝሰርሖ እዩ ፡ ገለ ገለ ሰባት ግን ንሓደ ነገር ክትሕዝ ይግድዱኻ ፡ እንተኾነ ግን ብሓደ ነገር ወይ ንሓደ ነገር ክትሕዝ ኣይከኣልን እዩ ድልየት እንድሕር ተሎ። ንምክትታልኩም የመስግን ኣዳላዊን ጸሓፍን ኣታኽልቲ ሰመረ (ወዲ ጀርመን) ካብ ሃገረ ጀርመን ዕለት.04.09.2020

መራሕቲ ኣፍሪቃ እንተዝነፍዑ እሞ ህዝበይ ህዝብና እንተዝብሉ ህዝቢ ኣፍሪቃ ኣይምተሰደን ኔሩ

Bild
መራሕቲ  ኣፍሪቃ እንተዝነፍዑ እሞ ህዝበይ ህዝብና እንተዝብሉ ህዝቢ ኣፍሪቃ ኣይምተሰደን ኔሩ Bildunterschrift hinzufügen ኣብ መራሕቲ ኣፍሪቃ ዘለኒ ቅሪታ እንተኾነ ግን ምራሕቲ ኣፍሪቃ ንውልቆም ስለ ዝነብሩ ህዝቢ ኣፍሪቃ ክስደድ ይነብር ንሓዋሩ። በቲ ዝተፈላለየ ቦታ ዝተሰድዎ ድማ ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ኣብ ‘ ቲ ዘለውዎ ቦታ ምስ ተለማመዱ ድማ ደቂ እቲ ዓዲ መሓዛ ብምሓዝ ኣብ ውላድን ካልእን ይበጽሑ ይኹን እንበር እቶም ዝወለድዎም ቆልዑ ውን ራዛ ናይ ኣቦኻ ሓዛ ስለ ዝኾነ ሕብሪ ቆርበት ናይ ኣቦ ወይ ናይ ኣደ ont-family: "Arial",sans-serif; font-size: 16.0pt; line-height: 107%;"> ብምሓዝ ሕብሪ ቆርበት ኣፍሪቃዊ ይገብሮም፡ ዝኾነ ናይ ዓልየት ምስ ዝልዓል ካኣ ጸለምቲ ተባሂሎም ብምጽዋዕ ከም ‘ ቲ ኣቦኦም ዘሕለፎ ሽግር እንዳተሰከሙ ይነብሩ። እዝይ ጥራይ ከይኣክል ድማ ኩልና ከም እንፈልጦ ኣብ ‘ ዚ ምዕራባዊ ሃገራት ብዝተፈላለየ ነገር ጸለምቲ ኢሎም ብናይ ዓልየት ምስ ዘልዕሉ ብቅልጡፍ እዩ ዝስመዓና፡ እዚ ኻ ንሕና ጸለምቲ ስለ ዝኾና እዩ። ንነብስና ንምጽንናዕ ውን ኩሉ ሰብ ሓደ እዩ ሕብሪ ቆርበት ኣይትፈላልዩ ወይ ድማ ሰብ እኮ ሰብ እዩ (All human beings are equal/human beigs are human beings) ብምባል ኢና ክንቃወሞ። እንተ ኾነ ግን ኣብ በይንኻ ወይ ኣብ ውሽጥኻ ምትሓት ርእሲ ወይ ሕማቅ ስምዒት እዩ ዝሕድረልካ፡ እዚ ኹሉ ነገር ክመጽእ ዝኸኣ...
Bild
ሰሙነ   ሕማማት ( ዓርቢ ) 16.04.2020 ሓሙስ ምሸት እቶም ንጎይታ ዝሓዝዎ ኣይሁዳውያን ንጎይታ ከባጭውሉ ድሕሪ ምሕዳር፡ ንጽባሒቱ   ዓርቢ ከይወገሐ ከሎ፡ ጲላጦስ ንጐይታ ናብ ሄሮድስ ለኣኾ፡ ሄሮድስ ድማ መሊሱ ናብ ጲላጦስ ሰደዶ ከምዚ እናገበሩ ኣላገጽሉ ። ሊቃነ ካህናትን   ብዘሎ እቲ ዋዕላን ከኣንጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ክቐትልዎ ምስክር ሓሶት ይደልዩ ነበሩ። እንተኾነ ብዙሓት ሓሰውቲ መሰኻኽር እዃ እንተቐረቡ፡ ሓንቲ ኣይረኸቡን። ድሓር ግን ክልተ ቐሪቦም “ እዚ ሰብ እዚ ” ንቤት መቕደስ ኣምላኽ ኣፍሪሰ ብሰለስተ መዓልቲ ክሃንጾ እኽእል እየ ኢሉ ተዛሪቡ ” በሉ። እቲ ሊቀ ካህናት ከኣ “ ነዚ ዝብሉኻ ዘለዉስ ገለዶ ኣይትምልሰሉን ኢኻ በሎ ” ኢየሱስ ግና ኣይመለሰሉን። እቲ ሊቀ ካህናት ከኣ “ ንስኻ እቲ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ እንተ ኾንካስ ክትነግረና በቲ ህያው ኣምላኽ አምሕለካ ኣለኹ ” በሎ። ኢየሱስ ከኣ “ ንስኻ እኳ ትብል ኣሎኻ ” በሎ። ድሕሪ እዚ እቲ ሊቀ ካህናት ክዳኑ እናቐደደ “ እንሆ ይጸረፍ ኣሎ፡ ደጊም ደኣ እንታይ ንስክር ኣድልየና፡ እንታይከ ይመስለኩም፧ ” በሎም። ንሳቶም ከኣ “ ሞት ይግብኦ ”  ኢሎም መለሱሉ። ሽዑ ኣብ ገጹ ጡፍ በለሉ ገሊኦም ድማ ወቕዕዎ። ። ” ኦ መሲሕ መን እዩ ዝወቕዓካ፧ እስከ ተነበየልና ፧ ” ኣንዳበሉ ይጸፍዕዎ ነበሩ። ጎይታናን...