Posts

ስለምንታይ መስቀል ኣብ ክሳድና ንገብር፧

37.መስቀል ጎይታ      1.፠መስቀል፣- ማለት ሰቀል ካብ ዝብል ግእዝ ዝወጸ ቃል ኮይኑ ትርጉሙ ድማ ተማሳቀለ ማለት እዩ። ማቴ,27፡32. ዮሓ,19፡25. ቆላ,1፡20. ፨መስቀል ኣብ ቡሉይ ኪዳን መቅጽዒ ገበነኞታት እዩ ኔይሩ። ዘዳ,21፡22-23. ‚‘‘ኣብ ዕንጭይቲ ዝተሰቕለ ርጉም ይኹን ዝብል ጽሑፍ ከምዘሎ፡ክርስቶስ ኣብ ክንዳና መርገም ብምኻን ካብ ሕጊ መርገም ኣድሓነና‘‘። ገላ,3፡13. ዘዳ,21፡23. ቆላ,1፡20. ማቴ,27፡32. ዮሓ,19፡25. ማር,15፡29-32. ቆላ,2፡14. እብ,12፡1-2. 2.፠ጥቕሚ መስቀል፣- ፨ሰንደቕ ዕላማና እዩ፣-‚‘‘ነቶም ዝፈርሑኻ ሰንደቕ ዕላማ ሃብካዮም‘‘። መዝ,60፡4. ፨ሓይልናን ትምክሕትናን እዩ፣-‚‘‘ኣነ ግና በቲ ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተሰቅለሉ መስቀል እንተዘይኮይኑ ኣይምካሕን እየ‘‘። ገላ,6፡14. ፨ኣጋንንቲ ንስዕረሉ እዩ፣-‚‘‘ነቶም ሕልቃናትን ስልጣናትን ኣጽዋሮም ገፊፉ ብመስቀሉ ምስ ሰዓሮም ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኣሕፈሮም‘‘። ቆላ,2፡15. ፨ካብ ኣምላኽና ሰላምን ድሕነትን ዝተቐበልናሉ እዩ፣-‚‘‘ንሕጉ ምስ ትእዛዙን ስርዓቱን ኣፍሪሱ ሰላም ገበረ። ኣብ መስቀል ተሰቂሉ ብሙማት ነቲ ጽልኢ ደምሰሶ። ነቶም ክልተ ሓደ ብምግባር ከኣ ምስ ኣምላኽ ኣተዓተቖም‘‘። ኤፌ,2፡14-16. ዘጸ,17፡11-13. ዘሁ,21፡8. 3.፠ክብሪ መስቀል፣- ፨‘‘ከምቲ ብዙሕ ግዜ ዝነገርክኹም ሕጂ ከኣ እናነባዕኩ ዝነግረኩም ዘለኹ ብዙሓት ጸላእቲ መስቀል ክርስቶስ ኮይኖም ይነብሩ ኣለው። መወዳእትኦም ጥፍኣት እዩ፣ ኣምላኾም ከብዶም እዩ ክብረቶም ኣብ ነውሮም እዩ፣ ሓሳቦም ምድራዊ እዪ‘‘ይብል። እምበኣር ንሕና ከምቶም ገሊኣቶም ከብዶም ዝኣምላኾም፣ዘይኮነስ ከም እ...

እንታይ ማለት እዩ ታቦት፧

36. ታቦት 1.፠ታቦት፣- ብፍቃድ እግዚኣቢሄር ዝተሰርሐ ናይ ጽላት መሕደሪ እዩ። ‚‘‘ሰራው ብዝበሃል ኦም ታቦት ስራሕ‘‘። ዘጸ,25፡10. ‚‘‘ነቲ ኣነ ዝህበካ ጽላት ከኣ፣ ኣብ`ቲ ታቦት ኣንብሮ‘‘። ዘጸ,25፡21. 2.፠ጽላት፣- ቃላት ኪዳን ዝተጻሕፎ እዩ።‘‘ነተን ቃላት ኪዳን፣ ዓሰርተ ቃላት ኣብተን ጽላት ጽሓፎ‘‘። ዘጸ,31፡18. ዘጸ,32፡15. ዘጸ,34፡1-28. ዘጸ,25፡32. 2ይ ሳሙ,6፡3. ኢያ,7፡6. መዝ,132፡1-8. 2ይ ዜና,35፡3. ፨ሕቶ፣-‚‘‘,,,,,,,,,እቶም ህዝቢ ብናይ ታቦት ኪዳነይ ኣይክዛረቡን ኣይክድልዮምን እዩኡ፣ከም ብሓዱሽ ውን ኪዳን ታቦት ኣይክገብሩን እዮም‘‘። ኤር,3፡16. ፨መልሲ፣- እዚ ትንቢት እዚ ነቲ እስራኤላውያን ን70 ዓመት ብስደት ኣብ ባቢሎን ዝተቀመጥሉ ዘመልክት እዩ። ስለ ዝኾነ ድማ እዩ ኣብ ቁጽሪ 18ተ በተን ወርሓት እቲኣተን ህዝቢ ይሁዳ ምስ ህዝቢ እስራኤል ክኽዱ፣ሓቢሮም ድማ ካብ ስደት ካብ ሃገር ሴሜን ኪምለሱ እዮም‘‘። ዝብል። እወ እስራኤላውያን ኣብ ባቢሎን ብዛዕባ ታቦት ኪዳን ኣይሓሰቡን ኣይተዛረቡን፣ ምኽንያቱ ኣብ ትሕቲ እግዚኣቢሄር ዘየምልኹ ይግዝኡ ስለ ዝነበሩ። ዳኒ,3፡1-7. ከምኡ እንተዘይከውን ግና ካብ ስደት ምስ ተምልሱ ቤት መቅደስ ኣይምሰርሑን ኔሮም።‘‘ነታ ቤት መቅደስ ከም ብሓዱሽ ሰርሕዋ‘‘። ሃጌ,1፡8. ፨ሕቶ፣- እታ ኩሉ ሰብ መታን ክፈልጣን ኬንብባን ኣብ ልብና ዝተጻሕፈት መልእኽቲ ንስኻትኩም ኢኹም,,,,,ኣብ ቀጸላ እምኒ ዘይኮነስ ኣብ ልቢ ወዲ ሰብ ዝተቀርጸት መልእኽቲ ምኻንኩም ግሁድ እዩ።‘‘2ይ ቆሮ,3፡2-3. ፨መልሲ፣- እዚ ማለት ድማ ጽላት ኣየድልን ማለት ዘይኮነ፣ሙሴ ንእስራኤላውያን ንዝተጻሕፈ ሕጊ እዩ ዝመርሖም ኔሩ። ጎይታ ግና ንሓዋርያት ብጽ...

ነገረ ቅዱሳን እንታይ ማለት እዩ፧

34. ነገረ ቅዱሳን 1.፠ነገረ ቅዱሳን፣- ማለት ብዛዕባ ቅድስና ናይ ቅዱሳን ዝገለጽ ትምህርቲ እዩ።‘‘ኣነ እግዚኣቢሄር ኣምላኽኩም ቅዱስ እየ ሞ፣ ንስኻትኩም ከኣ ቅዱሳን ኩኑ‘‘። ዘሌ,19፡2. 1ይ ጴጥ,1፡15. እግዚኣቢሄር ብባህሪኡ ቅዱስ እዩ። ቅዱሳን ከኣ ብጸግኡ እዮም ዝቅደሱ። 2.፠ቅዱሳን መላእክቲ፣- መልኣኽ ማለት ልኡኽ ማለት እዩ። ‚‘‘እንበኣርከስ ኩሎም መላእኽቲ ነቶም ክድሕኑ ዘለዎም ክሕግዙ ዝለኣኹ ኣብ ኣግልግሎት እግዚኣቢሄር ዘለዉ መናፍስቲ እዮም‘‘። እብ,1፡14. መዝ,104፡4. ከምኡ ውን መልኣኽ ዝብል ቃል ን3ተ ነገራት የመልክት፣- [1], ንቅዱሳን መላእኽት [2], ንመራሕቲ ቤት ክርስትያን [3], ንሩኽሳት መናፍስት [ዲያብሎስ]                      3.፠ከም ዘማልዱ፣- ‚‘‘ነዘን 70 ዓመታት ዝተቆጣዕካየን ኢየሩሳሌምን ከተማታት ይሁዳን ክሳዕ መዓስ ኢኻ ዘይትምሕረን፣በሎ እግዚኣቢሄር ድማ ነቲ መልኣኽ ጽቡቅን ዜጽናንዕን ቃል መለሰሉ‘‘። ት.ዘካ,1፡12-13. ኢዮብ,33፡23-24. ሉቃ,13፡6. ማቴ,18፡10. 4.፠ከም ዘድሕኑ/ዝረድኡ/፣ -‚‘‘መልኣክ እግዚኣቢሄር ኣብ ዙርያ እቶም ዝፈርሕዎ ይሰፍር፣ ካብ ድንገት ከኣ የናግፎም‘‘። መዝ,34፡7. ዘፍ,48፡16. ዘፍ,19፡1-20. ዳን,3፡1-25. ዳን,6፡22. ግብ,12፡6-10. 5.፠ከም ዝባርኹ፣- ‚‘‘እቲ ካብ ኩሉ ክፉእ ዘድሓነኒ መልኣኽ ይባርኮም‘‘። ዘፍ,48፡16. ዮሓ,5፡2-5. 6.፠ጸሎት ከም ዘዕርጉ፣- ‚‘‘እቲ ትኪ ዕጣን ከኣ ምስቲ ጸሎት ቅዱሳን ኮይኑ ካብ ኢ...

ቤት መቅደስ እንታይ ማለት እዩ ፧

                         35. ቤት መቅደስ 1.፠ቤት መቅደስ፣- ማለት ኣብ መንጎ ሰብን እግዚኣቢሄር ኮይኑ ዘራኽብ መሳልል ዘለዎ ወይ ዝተቀደሰ ቤት መሕደሪ እግዚኣቢሄር ማለት እዩ። ኣብ 3ተ ከኣ ይኽፈል። ዘፍ,28፡10-22. 2.፠ምድራዊ ቤት መቅደስ፣- ‚‘‘ኣነ ኣብ ማእከልኩም ምእንቲ ክነብር ድማ መቅደስ ግበሩለይ‘‘። ዘጸ,25፡8. ‚‘‘ናብ ኢየሩሳሌም ተመሊሳ ኣብ መቅደስ ኮይነ ክጽሊ ከለኹ ድማ ተመሰጥኩ‘‘። ግብ,22፡17. 1ይ ነገ,9፡3. ሉቃ,24፡53. ግብ,2፡46. ሉቃ,2፡49. 3.፠ሰማያዊት ቤት መቅደስ፣- ‚‘‘እታ ኣብ ሰማይ ዘላ መቅደስ ኣምላኽ ከኣ ተኸፍተት,,,,,,,‘‘ ራኢ ዮሓ,11፡19. 4.፠ሰብነት/ልቢ/ደቂ ሰባት፣- ‚‘‘ቤት መቅደስ ኣምላኽ ምኻንኩምን፣ መንፈስ ኣምላኽ ኣባኹም ሓዲሩ ምህላውን`ዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም‘‘። 1ይ ቆሮ,3፡16. ፨ሕቶ፣- መጋረጃ ቤት መቅደስ ኣብ ክልተ ተተርተረ። ማቴ,27፡51. ፨መልሲ፣-‚‘‘መጋረጃ ቤት መቅደስ ኣብ ክልተ ምትርታሩ እቲ ናይ ጽልኢ መንደቅ/ሓጥያት/ምፍራሱ ዘመልክት እዩ‘‘። ኤፊ,2፡14-17. ፨ሕቶ፣-‚‘‘ንሕና/ልብና/ ቤት መቅደስ ህያው ኣምላኽ ኢና‘‘። 2 ይ ቆሮ,6፡16. 1ይ ቆሮ,3፡16-17. ፨መልሲ፣-‚‘‘እወ ንሕና /ልብና/ ቤት መቅደስ ህያው ኣምላኽ ኢና‘‘። ግና ከኣ ንኣምላኽ እነምልኸሉ ህንጻ ቤት መቅደስ የድልየና እዩ። ‚‘‘ንኣምላኽ ኩሉ ሳዕ ኣብ ቤት መቅደስ ኮይኖም የመስግኑ ነበሩ‘‘። ሉቃ,24፡53. ግብ,2፡46. ግብ,22፡17. ግብ,3...

ሕጊ ኦርቶዶክስ ኣብ መርዓ ፧

                  33. ምስጢረ ተኽሊል/መርዓ 1.፠ተኽሊል፣- ማለት ክቡር ዝብል ትርጉም ዘለዎ ኮይኑ ካብ ‚‘‘ከለለ`` ዝብል ናይ ግእዝ ቓንቃ ዝወጸ እዩ። ስለዚ ወድን ጋልን ተሰማሚዖም ዝገብርዎ መርዓ እዩ። ከምኡ ውን ተኽሊል/መርዓ ነቶም ክልተ ተጻመድቲ ሓደ ኣካል ዝገብር ምስጢር ኮይኑ ብካህን ከኣ ይፍጸም ስለዚኢ ሰብኣይ   ኣብኡን ኣዲኡን ይሓድግ ምስ ሰበይቱ ከኣ ይወሃሃድ ሓደ ኣካል ድማ ይኾኑ። ዘፍ,2፡24. ማቴ,19፡4-6. ኤር,5፡31-32. ጸሎት ተኽሊል ከኣ ቀሌቤት ከቢድ ምኻኑ ከኣ እቶም ክልተ ተጻመድቲ ክሳብ ግዜ ሞት ዘይፈርስ ምኻኑ ዝገልጽ እዩ። 2.፠ዕላማ መርዓ፣- ፨መርዓ 3ተ ዓበይቲ ዕላማታት ኣለዎ። ንሳቶም ከኣ [ሀ], ንምድግጋፍ፣- እዚ ክብል ከሎ ከኣ ንመንፈሳውን ስጋውን ምትሕግጋዝ ማለት እዩ። እግዚኣቢሄር ኣምላኽ ከኣ ሰብኣይ በይኑ ክነብር ጽቡቅ ኣይኮነን እሞ ንዕኡ እትሳማማዕ ደጋፊት ክገብረሉ እየ በለ። ዘፍ,2፡18. 1ይ ጴጥ,3፡5. [ለ], ዘርኢ ንምትካእ፣- እዚ ማለት ከኣ ንምብዛሕ እዩ። ኣምላኽ ከኣ ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ከኣ ምልእዋን ምለኽዋን ዓሳታት ባሕርን ኣዕዋፍ ሰማይን ኣብ ምድሪ ለመም ዝብሉን ኩሉ እንስሳን ከኣ ግዝኡን እናበለ ባረኾም። ዘፍ,1፡28. እብ,13፡14. [ሐ], ካብ ዝሙት ንምሕላው፣- እዚ ድማ ሰብ ካብ ፍቃድ ኣምላኽ ወጻኢ ከይ ምንዝር ንቅድስና ንኽነብር እዩ። ግናኸ ካብ ምንዝርና ምእንቲ ኽርሕቅ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ ናይ ገዛእ ርእሱ ሰበይቲ ትሃልዎ፣ ሰበይቲ ውን ናይ ገዛእ ርእሳ ሰብኣይ ይሃልዋ። 1ይ ቆሮ,7፡12. 3...

ምስጢረ ንስሓ ብሓጺር መረዳእታ

31. ምስጢረ ንስሓ ብሓጺር መረዳእታ 1.፠ምስጢረ ንስሓ፣- ሓደ ካብቶም ዝድገሙ ምስጢር ኮይኑ ዘውህቦ ጸጋ ድማ ሕድገት ሓጥያት ምሕዳስ ሂወት የውህበና። ግብ,3፡19-2 . 2.፠ምስጢረ ንስሓ ኣብ ቡሉይ ኪዳን፣- ኣብ ዘበነ ብሉይ ብንስሓ ዝተጠምቁ። [1], ኣዳም ምስተነስሐ ድሕነት ረኸበ። ኩፋ,5፡1. [2],ዳዊት ዘመዩ ሰብ ቀቲሉ ግና ስለ ዝተነስሐ እግዚኣቢሄር ሓጥያቱ ይቅረ ኢሉ ኣርሒቅሉ እዩ። 2ይ ዜና,32፡26. ብንስሓ ዘይተመልሱ ድማ ኣብ ዘበነ ኖህ ዝነበሩ ከኣ ጠፍኡ። ዘፍ,7፡26. 2.፠ኣመሰራርታ ምስጢረ ንስሓ፣- ብናይ ጎይታ ትምህርቲ ዝተመስረተ እዩ፣ ንዝረኸሰ ሰብነት ዘንጽሕ፣ ንዝኣረገ መንፈስ ዘሕድስ። ንጻድቃን ዘይኮነስ ንሓጥኣን ዝግባእ ምስጢር እዩ። ሉቃ,13፡5. 3.፠ናብ ንስሓ ክንቀርብ ከለና ነዞም ነገራት ክንፈልጦም ይግባእ፣- [1], ብናይ ህጻናት መንፈስ ይቅረ ባሃልትን ንጽህና ምሓዝን ናብ ዓለም ዘይምምላስ። ማቴ,18፡3. ሮሜ,12፡2. [2], በቲ ዝቀደመ ስራሕ እናሓዘንካ ምልዋጥ። [3], እቲ ኩሉ ሓጥያት ብንዛዜን ብንስሓን ከም ዝድምስሰልና ኣሚና ምቅራብ። ዮሓ,8፡11. [4], ብግብሪ ምልዋጥ ንንስሓ ዝበቅዕ ፍሬ ምፍራይ ናይ ሓጥያት ቅጽዓት እንታይ ምኻኑ ምፍላጥ። ማቴ,3፡8. 4.፠ሓጥያት እንታይ እዩ፣- ንግበርዎ ዝተበሃል ዘይምግባር ንኣይትስራሓዮ ዝተበሃለ ምስራሕ እዩ። ካብ መንፈሳዊ ምእላይ ማለት ሞት ብዓለም ምስዓር ካብ እግዚኣቢሄር ምፍላይ ኣብ ጸልማት ምንባር እዩ። ኤር,4፡6. 5.፠ዓይነት ሓጥያት፣- [1], ብሃልየ [ብምሕሳብ] [2], ብነቢብ [ብምዝራብ] [3], ብገብር [ብምስራሕ] 6.፠ናብ ሓጥያት ዘብጽሑ መንገዲታት፣- [1], ምስ ዘይመስለ...

ምስጢረ ቀንዴል እንታይ እዩ

32. ምስጢረ ቀንዴል 1.፠ቄንዴል፣- ማለት ቅብኣት ወይ ምጽላይ ማለት እዩ። ቄንዴል ክልተ ነገራት [1], ቄንዴል ዝበሃል ብርሃን ዝህብ መብራህቲ ክኽውን ከሎ። ማቴ,25፡1-10. [2], እቲ ካልኣይ ትርጉሙ ከኣ ቄንዴል ናይ ሕሙማት ቅብኣት ማለት እዩ። ፨ናይ ቄንዴል ኣመጻጽእኡ ከኣ ንጽህ ናይ ኣውሊዕ ዘይቲ ተወሲዱ ብዘይዝኮነ ይኹን ተወሳኺ ቀመም ወይ ካልእ ነገር ብካህናት ይዳሎ ካህናት ናይ ጸሎት ምስ ጸለይሉ ከኣ ብጸጋ እግዚኣቢሄር ናይ ምፍዋስ ሓይሊ ይህበና። 2.፠ናይ ቄንዴል መስራቲ፣- ባዕሉ ጎይታናን መድሃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ መስሪትዎ። ኣመሳራርትኡ ውን ጎይታይ ነቶም 12ተ ደቂ መዛሙርቱ ናብኡ ጸዊዑ በብ2ተ ጌሩ ለኣኾም ኣብ ልዕሊ ርኹሳት መናፍስቲ ውን ስልጣን ሃቦም። ንሳቶም ውን ንስሓ ሰቢኾም ብዙሓት ኣጋንንቲ ኣውጽኡ ንብዙሓት ሕሙማትን ድውያንን ዘይቲ እና ለኸዩ ኣሕወይዎም። ማር,6፡7-13. 3.፠ናይ ቄንዴልን ሜሮንን ኣርእስቲ፣- ፨ሜሮን ካብ በለስን ካብ ጥዑም ናይ ዕንባባ ዕንጬቲ ካብ 40 ጥዑም ዝመኣዘኦም ኣዕጻዊት ዝዳሎ እዩ። ብፓትርያርክ ሱባኤ ኣትዮም ዝገብርዎ ቅዱስ ቅብኣት ንጥምቀት ዘጽንዕ መንፈስ ቅዱስ ዘውርድ እዩ። ሓደ ግዜ ኣብ ጥምቀት ምስ ተፈጸመ ዘይድገም እዩ። ፨ናይ ቄንዴል ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጻሕፈ ካብ ንጹህ ዘይቲ ኣውሊዕ ዝርከብ ኮይኑ ንሑሙማት በቶም ካህናት ጸሎት ጌሮም ዝፍጽሙሉ ቄንዴል ካብቶም ካብቶም ዝድገሙ ኮይኑ ንዝሓመሙ ዕድመ ኣይፈልን ይፍጸም ዝሓመመ እንተሎ ንመራሕቲ ቤት ክርስትያን ይጸውዕ እሞ ብዘይቲ ይጽልይሉ። ፨እቲ ብእምነት እየሱስ ክርስቶስ ዝተገብረ እምነት ኣዕንቲ ሕሙማት ከተድሕና እያ። ያዕ,5፡14-16. ኣጠቃቅምኡ ድማ ነቲ ሕሙም ኣብቲ ዝሓመመ ክፍሊ ኣካላቱ ...

ምስጢረ ንስሓ ብዝርዝር

30. ምስጢረ ንስሓ ብዝርዝር 1.፠ንስሓ፣- ማለት ካብ ‚‘‘ነስሀ‘‘ ዝብል ግእዛዊ ቃል ዝወጸ ኮይኑ ትርጉሙ ድማ ተጣዕሰ፡ ሓዘነ፣ ናብ ልቡ ተመልሰ ማለት እዩ። ካብ መንገዲ ዲያብሎስ ናብ መንገዲ እግዚኣቢሄር ምምላስ ማለት እዩ። ንስሓ ከምቲ ክዳን ሓጺብካዮ ዝረስሕ ዳግማይ ከኣ ሓጺብካ ተጽርዮ፣ ከምኡ ከኣ ንስሓ ንሓጥያት ተጽርዮ ተንጽህሃካ ንብዘሎ ኩሉ ሓጥያት ተጽርዮ ዝሰራሕካ እንተሰራሕካ ደጋጊምጋ ሓጥያት እንተ ገበርካ ካብ ብዘሎ ሓጥያትካ ንስሓ እዩ ዘጽርየካ። ፠ታሪኽ ናይ ዳዊት ንመልከት 2ይ ሳሙ,12፡1-14. ንስሓ ጠፊእካ ኔርካ ብናይ ሓጥያት ደቂስካ ጸኒሕካ ምብርባር እዩ። ፠ብዘይ ንስሓ ካብ`ቲ ዝመጸእ ናይ መጠረሽታ መከራን ሓዘንን ምድሓን የለን። ማቴ,3፡2. ኢሳ,1፡16. ምሳ,24፡16. 2.፠ጻድቅ 7ተ ግዜ ይወድቅ 7ተ ግዜ ይትንስእ ምሳ,24፡16 . ዝወደቀ ሰብከ ኣይትንስእን ዶ መንገዲ ዝተጋገየ ኸ ኣይምለስን ዶ። ኤር,8፡4. ሓጥያት ሰሪሕና ኣብ ዝወደቅናሉ ግዜ ብቅልጡፍ ክንምለስ ይግበኣና። ንስሓ ዝተሰርሐ ንሓጥኣን እንበር ንጻድቃን ኣይኮነን ማቴ,19፡15. ግን ሓጥያት ይፈላለ እዩ፣ ንሱ ከኣ ጌጋን በደልን ተባሂሉ ይጽዋዕ ጌጋ ዝበሃል ብዘይ ኣፍልጦ ዝግበር እዩ፡ በደል ዝበሃል ከኣ ኮነኤልካ እትሰርሖ[እትገብሮ] ሓጥያት እዩ። ንስሓ ክንሳሕ እየ እናበልካ ኣይስራሕን እዩ። ማርኤሳሓቅ 8 ገጽ 126ን እብ,6፡4. ንስሓ ምእታው ሓጥያትና ኣብ ዝዘከርናሉ ግዜ ወይ ቃል እግዚኣቢሄር ብመምሃራን ኣብ ዝሰማዕናሉ ግዜ እንታይ ክንገብር ብምባል ናብ ልብና ክንምለስ ይግበኣና። ግብ,9፡6. ግብ,16፡30. ግብ,2፡37. 3.፠ንስሓ መዓስ ተጀሚሩ፣- ፠ብሕጊ ልቦና ተጀሚሩ ጀመርቱ ከኣ ናይ መጀመርታ ፍጥረት ሰባት ኣቦና ኣዳምን ኣዴና...

ምስጢረ ክህነት እንታይ ማለት እዩ

29. ምስጢረ ክህነት 1.፠ካህነት፣- ማለት ካብ ተክህነ ዝብል ግእዛዊ ቃል ዝወጸ ኮይኑ ትርጉሙ ድማ ኣገልጋሊ ማለት እዩ። ኣገልጋሊ እግዚኣቢሄር፣- ናይ ህዝቢ መራሒ፣መምህር እዩ። እዚ ክበሃል ኮሎ መንፈሳዊ እምበር ስጋዊ ኣጎልጉሎት ኣይኮነን። እዚ ከኣ ኣብ መንጎ እግዚኣቢሄርን ሰብን ዘሎ ኣጎልጉሎት እዩ። ኣብ መንጎ እግዚስቢሄር ክበሃል ከሎ ብኣምሳል መላእኽቲ ናይ ምዕጣን ምቅዳስን ንእግዚኣቢሄር ለይቲ ተንሲእካ ምግልጋል ንህዝቢ ድማ ምጥማቅን ምብራኽን ትምህርቲ ምቅራብን ምንሳሕን ምስ እግዚኣቢሄር ምትዕራቅ`ዩ። ዘለ,5፡6. 2ይ ቆሮ,5፡20. እዚ ድማ ንኹሉ ዝወሃብ ዘይኮነስ ብፍቃድ እግዚኣቢሄር ብኣንቡረተ ብጹኣን ጳጳሳት ጥራይ ዝወሃብ መንፈሳዊ ስልጣን እዩ። 2.፠ኣመሳራርታ ክህነት፣- ክህነት ኣበይተጀሚሩ ንዝብል ክህነት ኣብ ሰማይ ዝጀመረ እዩ። ራኢ ዮሓ,4፡8. እዚ ድማ ዓቡይ ስልጣን ዘለዎ ምስጢር እዩ፣ ንሱ ድማ ናይ ምእሳርን ምፍታሕን ስልጣን እዩ። ንእግዚኣቢሄር ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እንዳበሉ ኣብ ሰማይ 24ተን ሊቃነ ካህናት ከም ዘመስግንዎ ኣብ ምድሪ ድማ ካህናት ንህዝቢ እግዚኣቢሄር ዝጋሱዩ ኣለዉ። እዚ ድማ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቂ ክዛረብ ከሎ ብናይ ሰማይ ዝርዓት`ሲ ናይ ምድሪ ስርዓት ተሰርዕ ክብል ኣብ ድርሳኑ ጽሑፍልና ይርከብ ዝለ`ዚ ከኣ ኣብ ሰማይ ካህናት ኣለዉ ኣብ ምድሪ ድማ ካህናት ኣለዉ ኣገልገልቲ እግዚኣቢሄር ኣለዉ ማለት እዩ።                              ክህነት ኣብ ቡሉይ ኪዳን 1.፠ክህነ...

ምስጢረ ቅዱስ ቁርባን ኣብ ናይ 7ተ ምስጢራት ቤ/ት/ን

28. ምስጢረ ቅዱስ ቁርባን ኣብ ናይ 7ተ ምስጢራት ቤ/ት/ን ምስጢረ ቁርባን ሓደ ካብቶም ዝድገሙ ሚስጢራት እዩ። ንሱ ኸኣ ኣመናዊ ስጋ ወልደ እግዚኣቢሄር ኣመናአዊ ደም ወልደ እግዚኣቢሄር እዩ። ስለ`ዚ ቅዱስ ቁርባን ተባሂቱ ይጽዋዕ ካብቶም ምስጢራት ኣብ 5ተ ኣእማደ ምስጢር 4ይ ኮይኑ ካብቶም 7ተ ምስጢራተ ቤት ክርስትያን ከኣ 3ይ ኮይኑ ይርከብ። 1.፠ዝድገመሉ ምኽንያት፣- ከምቲ ብስጋ ክንነብር ከለና ተዳጋጋሚ መግቢ እንበልዕ፣ከምኡ ድማ ብመንፈስ ክንነብርን ክንዓብን ናይ ዘልኣለም ሂወት ክንረክብን ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ስጋን ደምን ምቅባል የድልየና። 2.፠ንመጀመርያ ዝቆረበ መን ዩ፣- ንምጀመርያ ዝቆረብ ኣቦና ኣዳም እዩ። እስራኤላውያን ናብ እግዚኣቢሄር ዘቅርብዎ ዝነበሩ ቁርባን መስዋእቲ ይበሃል። ቁርባን፣-ዝበሃል ከኣ ካብ ኣእኻልን ኣታኽልትን ኢዩ። ክኽውን እንከሎ መስዋእቲ ድማ ካብ እንስሳታት ኢዩ ኣብ ሓዱሽ ኪዳን ግና ናይ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ስጋን ደምን እዩ። 3.፠ኣመሳራርታ ቅዱስ ቁርባን፣ - ጎይታ ንምስጢረ ቁርባን ብትምህርትን ብተግባርን መስረቶ። 1] ብትምህርቲ፣ ስጋይ ዝበልዕን ደመይ ውን ዝሰተየ ናይ ዘልኣለም ሂወት ኣላቶ። ዮሓ.6፡54. 2] ብተግባርን፣- ሓሙስ ምሸት ኣብ ቤት ኣልኣዛር ተረኺቡ ሕብስትን ወይንን ባሪኹ፣ቀዲሱ ለዊጡ፣ቅዱስ ድሙን ቅዱስ ስጋእን ጌይሩ ንሃዋርያት ሃቦም። ማቴ,26፡26. 4 .፠ምስጢረ ቁርባን ዝረአ ኣጎልጉሎት፣- ሕብስትን ወይንን ተዳሉዩ ብካህን ይባረኽ ብጸሎት ቅዳሴ። 5.፠ምስጢረ ቁርባን ዘይረአ ጸጋ፣- 1] ሕብስትን ወይንን ተለዊጡ ስጋን ደምን ወልደ እግዚኣቢሄር ክኽውን ከሎ። 1ይ ቆሮ,10፡6. ዘዳ,29፡29. 2] ናይ ዘልኣለም ሂወት። ዮሓ,6፡5...

ምስጢረ ሜሮን እንታይ ማለት እዩ

                           27. ምስጢረ ሜሮን 1.፠ ሜሮን፣- ማለት ብቓንቓ ግሪኽ ሜሮስ ይበሃል ብቓንቃ ትግርኞን ግእዝን ድማ ካብኡ ከይተፈልየ ``ሜሮን``ይበሃል ትርጉሙ ድማ ቅዱስ ቅብእ ዝተቀደሰ ቅብኣት ማለት እዩ። ሜሮን ድሕሪ ጥምቀት ይፍጸም ሜሮን ምስተቀባእና ካብ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝተወልደ ኣብ 36 ክፍሊ ኣካላትና ንቅባእ። ሜሮን ኣሰራርሕኡ ካብ በደሳን ዝበሃል ኦምን ካብ ናይ ዕጣንን ዕንጸይትታትን ከምኡ ድማ ካብ 40 ጥዑም ዝጨንኡም ኣትክልትታት ዝርከብ እዩ። እዚ ከኣ ብፓትርያርክን ጳጳሳትን ብጸሎት ሱባኤ ተባሪኹን ተቀዲሱን ይመጽእ። ሜሮን ንነገስታትን ንንዋየ ቅዱሳትን ንሓዱሽ ቤት ክርስትያንን ንሓዱሽ ታቦትን ንኹሉ ናይ ቤት ክርስትያን ንብረት ይቅባእ። ዘጸ.30፡25. 2.፠ሜሮን ስለምንታይ ካብ ጥምቀት ቀጺሉ ይፍጸም[ይግበር]፣- ጎይታናን መድሃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ተጠምቀ ብኡ ብኡ መንፈስ ቅዱስ ብኣምሳለ ርግቢ ማለት ብርግቢት ተመሲሉ ኣብ ርኡሱ ምዕላቡ እዩ። ማቴ,3፡16. ስለዚ ቅድስቲ ቤት ክርስትያንና ብኸምዚ መሰረት ትጥቀመሉ። ምስጢረ ጥምቀትን፣ምስጢረ ሜሮንን፣ምስጢረ ቁርባንን ብዘይኣፈላላይ ብተኸታታሊ ብሓንቲ መዓልቲ ይፍጸም። 3.፠ምስጢረ ሜሮን ምዓስ ጀሚሩ[ኣበይ ተጀሚሩ]ን ኣብ ምንታይ ኣጎልጉሎት ከ ይውዕል ለይሩ፣- ምስጢረ ሜሮን ኣብ ቡሉይ ኪዳን እዩ ጀሚሩ። ዝውዕለሉ ዝነበረ ኣጎልጉሎት ድማ [1], ንስልጣነ ክህነት [2], ብደብተራ ኦሪት [ብኣጎልጉሎት ድካን ናይ እግዚኣቢሄር ኣጎልጉሎት...

ኣቦ ወይ ኣባሊጋ ክርስትና ንምንታይ ይጠቅም

23. ኣቦ ወይ ኣባሊጋ ክርስትና ፠ ናይ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤት ክርስትያን ብ40ን ብ80ን መዓልቲ ንዝጥመቁ ህጻናት ብዛዕባ እምነት ዝምልከት ኩሉ ሓላፍነት ክስከም ንዝኽእል ናይ ክርስትና ኣቦ/ኣደ/ኣባሊጋ ክህልዎ ትእዝዝ። ፠እቲ/ታ/ ብልግነት ዝሕዝ/ትሕዝ/ ሰብ መንፈሳዊ ሓላፍነት ትምህርቲ ሃይማኖት ዝተማህረ ክኸውን ይግባእ። ዘይተማህረ ክሕዝ ግን ግቡእ ኣይኮነን ምኽንያቱ ብናይ ነፍሲ ሓላፍነት ኮይኑ ይሕዞ ስለዘሎ ተሓታቲ ንሱ እዩ። ፨ካልእ ውን ኣባሊጋ ዝኾውን ወዲ ንወዲ ጋል ንጋል እምበር ጋል ንወዲ ወዲ ንጋል ምሓዝ ብልግነት ኣይፍቀድን እዩ። ፠ኣባሊጋ ክገብሮ ዝግብኦ እቲ ህጻን ምስ ዓበየ ልክዕ ከምቶም ናይ ስጋ ደቁ ከይፈለየ ከምህሮን ክከታተሎን እየ ኢሉ ማሕላ ኣትዩ ይወስዶ። ትምህርቲ ክንብል ከለና ግና ናይ ቤት ክርስትያን መንፈሳዊ ትምህርቲ እዩ።              24.ስም ጥምቀት[ክርስትና ማለት እንታይ ማለት እዩ] ፠ነፍሲ ወከፍ ክርስትያ ን 2ተ ኣስማት ክህልዎ ይኽእሉ። እዚ ከኣ እቲ ሓደ ስድርኡ መጸውዒ ዘውጽእሉ ክኸውን ከሎ እቲ ካልኣይ ከኣ ብጥምቀት ቅድስቲ ቤት ክርስትያን ተውጽኣሉ ስም እዩ። ፠ስም ማለት‘‘ሰመየ‘‘ወይ ከኣ‘‘ሰየመ‘‘ ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ቃል ዝተረኽበ እዩ። ስም ማለት መጸውዒ መፍለይ መፍለጢ እዩ። ፠ብቤት ክርስትያን ዝወሃብ ስም ድማ ኣብ ግዜ ዝሓመምናሉ በቲ ስም ማይ ድጋም ይድገመልና ጸሎት ይግበረልና። ከምኡ ውን ኣብ ቀብሪ ኣብ ፍትሓት ብስም ክርስትና ንጽዋዕ። 1.፠ናይ ስም ጥምቀት [ክርስትና]ኣሰያይማ ስርዓት፣- 1] ብስም እቲ ተጠማቃይ ተወልደሉ ዝነበረ ዕለት ናይ እግዚኣቢ...