41. ጾሎት ዝህቦ ሂወት 1.፠ጾሎት፣- ጸለየ ካብ ዝብል ግእዛዊ ቃንቃ ዝወጸ ኮይኑ ትርጉሙ ድማ ተማህለለ፣ለመነ፣ማለት እዩ። ጾሎት ማለት ምስ እግዚኣቢሄር ዘራኽብ ድልድል ወይ መሳልል እዩ ከምኡ ውን ምስ እግዚኣቢሄር ንዘራረበሉ መንግዲ እዩ። 2.፠ጠቅሚ ጾሎት፣- [1], ምስ እግዚኣቢሄር የራኽበና። 1ይ ነገ,8፡1. 1ይ ነገ,9፡3. [2], ካብ ፈተና የድሕነና። ማቴ,26፡41. ኢሳ,37፡1. 1ይ ተሰ,5፡17. [3], መንፈሳዊ ሓይሊ የውህብ። ያዕ,5፡16. 1ይ ሳሙ,16፡17. [4], ናብ ሓጥያት ከይንኣቱ ይከላኸለልና። 1ይ ሳሙ,12፡13. ሮሜ,6፡23. [5], ትሕትና ይምህረና። ሉቃ,18፡14. [6], ዝለመንናዮ ይወሃበና ድልየትና ኩሉ ዘበለ። ፊሊ,4፡6. ማቴ,7፡7. 3.፠ክፍልታት ጾሎት፣- ጾሎት ናይ ነፍሲ ብርሃን እያ። ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቂ [1], ናይ ኣምልኾ ጾሎት። ዘፍ,4፡26. ግብ,3፡22. ኢሰ,6፡4. [2], ናይ ልመና ጾሎት። መዝ,145፡15. 1ይ ሳሙ,1፡10. [3], ናይ ምምላድ ጾሎት። መዝ,91፡12. ኢዮ,42፡9. ያዕ,5፡16. ሉቃ,10፡2. 4.፠ዓይነታት ጾሎት፣- [1], ናይ ግሊ ጾሎት። ማቴ,6. ግብ,10፡9. ዳኒ,9፡20. [2], ናይ ማሕበር/ሕብረት ጾሎት። ማቴ,18፡20. ግብ,1፡10 . [3], ናይ ቤት ክርስትያን ጾሎት። s 5.፠ከመይ ኢልና ክንጽሊ ይግባእ፣- ፨ገጽና ብትምእርተ መስቀል ኣማዕትብና ክንጅምር ይግበኣና። ፨ብስግደት ዝተማእኸለ ክኸውን ኣለዎ። ጸሎት ብዝተፈላለዩ መልክዓት ክቀርብ ይከኣል እዩ። ንኣብነት ሕቆኻ ተዓጢቅካ ኤፊ,6፡14. ናብ ምብራቅ ገጽካ እናጠመትካ ውዕለት ጎይታ እንዳኣስተንተንካ፣ ኢድካ ኣልዒልካ፣ ዓይንኻ ን...