Posts

ሕጂ እዩ ናትካ ግዜ!!!!

Bild
ሕጂ እዩ ናትካ ግዜ ሕጂ እዩ ናትካ ግዜ= ትመሃረሉን ፡ተጽንዓሉን ፡ተጽንዓሉን፡ ማዕረ ሰብካ ትኾነሉን ፡ ተፍቅረሉን፡ ትዕረቀሉን፡ ትሳነየሉን፡ ትተሓቃቆፈሉን፡ ትረዳደኣሉን፡ ሓደነትካ ተራጋግጸሉን፡ ሰላም ክትገብር ትጽዕረሉን፡ ንኹሉ ሰብ ብማዕረ ትርእየሉን፡ ምስ መባእስትኻ ትዕረቀሉን፡ ግጥሚ ትገጥመሉን፡ ስፓርት ትሰርሓሉን፡ ትጽልየሉን፡ ሞያኻ ትመሃረሉን፡ ንጽጉማት ትሕግዘሉን፡ መናባብሮኻ ትቅይረሉን፡ ሰሪሕካ ታትወሉን፡ ዝሓሰብካዮ ትፍጽመሉን፡ ጽቡቅን ሕማቅን ፈሊጥካ ትጎዓዘሉን፡ ንሓቂ ሓቂ ንሓሶት ሓሶት እትብለሉ፡ ንብጻይካ ተፍቅረሉን፡ ንስድራኻ ትሕብሕበሉን፡ ምስ ኩሉ ሰብ ትፋቀረሉን፡ ኩሉ ነገር ትፈልጠሉን ፡ ጌጋታትካ ትዕርየሉን ትመሃረሉን፡ ኣተሓሳስባኻ ተስፈሓሉን፡ ኣካይዳኻ ትዕርየሉን፡ ሕጂ እዩ ናትካ ዕድል እትርእየሉን፡ ምርጫኻ ትውስነሉን፡ ሕጂ እዩ ናትካ ግዜ ብዓውትን ተስፋ ብዘይ ምቁራጽን ትጽዕረሉ ግዜ ሕጂ እዩ። ሕጂ እዩ ናትካ ግዜ. Bildunterschrift hinzufügen ኣታኽልቲ ሰመረ   ዕለት.22.03.2020 ካብ ጀርመን              ሕጂ እዩ              ናትካ ግዜ             

ጽሑፍ ብስእሊ ዓወትካ ኩሉ ግዜ ባኻ እዩ

Bild

ትምህርቲ ኣገልጉሎት

47. ትምህርቲ ኣገልጉሎት 1.፠ትምህርቲ ኣገልጉሎት ማለት፣- ነፍሲ ወከፍ ሰብ ከምቲ ዘገልግሎ ንእግዚኣቢሄርን ንሰብን ብጉልበት ኮነ ብገንዘብ ከገልግል ከም ዝግብኦ። ብምግልጋሉ ድማ ብዙሕ ዓስቢ ረብሓ ከም ዝረክብ ዝገልጽ ትምህርቲ እዩ። እዚ ትምህርቲ እዚ ዓቢይን ንእሽቶይን ጋልን ወድን ዘይፈሊ ከከም ግብኡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ናይ ምግልጋል ግዴታ ከም ዘለዎ ይምህረና እምበኣር ከስ እቲ ክንገብሮ ዝግብኣና ሰናይ ነገር ዝፈልጥ ግና ዘይገብሮ ንሱ ሓጥያተኞ እዩ። ያዕ,4፡17. ስንክሳር 6 መስከረም. እዚ ኣጎልጉሎት እዚ ዓስቢ ክንረኽበሉ እንተኾይና ግና ፈቲና ክንገብሮ ይግበኣና። ነቲ ኣምላኽ ዝሃበኩም መጋሰ ጋስይዎ። እንተኾነ ከም ፍቃድ ኣምላኽ ብፍታው እምበር ብግዲ ኣይኹን ብጽቡቅ ድላይ እምበር ንኾንቱ ረብሓ ኣይኹን። ኣብ ልዕሊ እቶም ዝተዋህብኹም ጎይቶት ኣይትኹኑ። እቲ ሓለቃ ንጉሳት ምስ ተገልጸ ድማ ዘይጹምሉ ኣኽሊል ክብሪ ክትቅበሉ ኢኹም። 1ይ ጴጥ,5፡24. 1ይ ቆሮ,9፡16-17. እብ,6፡9-10. እቲ ኣጎልጉሎት ከኣ ቅዳሴ፡ ስብከት፡ መዝሙር፡ ጸሎት ምቅባል ኣጋይሽ፡ ዝተፈላለየ ስነ-ጽሕፍ ንጽጉማት ምርዳእ,,,,,,,,,,,,,,ወዘተ ኮይኑ ኣኣብ ዝምልከቶም ከከም ተውህበኡ ድማ ሰብ የገልግል። ሮሜ,12፡6-8. 2.፠ጠቅሚ ኣገልጉሎት፣- ፨ሰብ ንእግዚኣቢሄር ብምግልጋሉ ዝረኽቦ ጸጋ ረብሓ ኣዝዩ ብዙሕ እዩ። [ሀ], ናይ ዘለኣለም ሂወት የውህብ፣- ብዓለማዊ ናብራ ከይሰደዕ ናብቲ ዝመጽእ ሂወት ብምጥማት ብኩልንትናኡ ንእግዚኣቢሄር እንተድኣ ተገዚእኻ ኣብዚ ምድሪ ብዙሕ ዓስቢ ኣብ ሰማይ ከኣ ናይዘለኣለም ሂወትን ዕረፍቲን ንረክብ። እየሱስ ከኣ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ ምእንቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኩሉ ቤቱ ኮነ ሰበይቱ ኣሕዋቱ ወላዲ ወይ ውሉዱ ዝሓደገ ኣ...

ማዕተብ

46. ማዕተብ 1.፠ማዕተብ፣- ኣተቦ ኣማዕተቦ ዝብል ካብ ግእዝ ዝወጸ ኮይኑ ምልክት መለለዩ መፍለጢ ማለት እዩ። ማዕተብ ሰለስተ ሕብሪ ኣለዎ ንሳቶም ከኣ፣- [1], ቀይሕ፣- ናይ ወልደ እግዚኣቢሄር ስጋን ደምን ዘመልክት እዩ ከምኡ ውን ብደሙ ከም ዘንጽሃና ብደሙ ከም ዝደሃና እዪ። [2], ጻዕዳ፣- ናይ ንጽህ ከም ዝኾነ እዩ። [3], ጸሊም፣- ከኣ ናይ መከራ ወልደ እግዚኣቢሄር እዩ። ከምኡ ውን ካብ ጸልማት ከም ዘውጸኣና። ማዕተብ ዝብል ቃል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እካ እንተዘይ ሃለወ ብትንቢትን ምሳሌን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሰፊሩ ንረኽቦ። ብርሃን መስቀል ሓቂ፡ማዕተብ፡ ብምሳሌ ንረኽቦ። መዝ,43፡3. መዝ,85፡10. ኣብ ክሳድና እንኣስሮ ውን ኣብ መጽሓፍ ሰፊሩልና ይርከብ። ዘዳ,6፡6-9. ምሳ,3፡1-4. ስለዚ ካብዚ ተመልኪትና ድማ ማዕተብ ንኣስሮ። ዘፍ,38፡18. ከምኡ ውን ማዕተብ እንኣስሮ መስቀል እዩ መመኪሕናን መድሃኒናን ኣርማናን ጎይታናን መድሃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ተሰቂሉ ደሙኣፍሲሱ ነዓና ዘድሃነሉ ስሌና ዝተሰቀለሉ ንሕና ውን ዝደሓናሉ ስለዝኾነ ኣብ ክሳድና ይኹን ኣብ ነጸላና እንገብሮን ኣብ ክሳድና እነማዕትቦን።          

ስነ-ፍጥረት

45. ስነ-ፍጥረት 1.፠እዚ መጽሓፍ እዚ ካብ ዝፍጠር ጀሚሩ እግዚኣቢሄር ብዝገለጸሎም ነብያት ተፈሊጡ እተነግሩ ካብ ዘመነ ሙሴ ካልኦት ውን ካብ ነብያት ዝጸሓፍዎ እዩ። ባዕሉ ጎይታ ውን ሰብ ኮይኑ ኣብ ዚምድሪ እናተማለለሰ ወንጌል ንምምሃር ናይ ሰማያትን ምድርን ፈጣሪ ምኻኑ ብብዓይነቱ ኣምላኻዊ ተኣምራት ብምግባር ኣረዲኡ ኣሎ። ዮሓ,4፡10-12. ብድሕሪኡ ውን ሓዋርያት 72ተን ኣርድእትን ብብግዚኡ ዝነበሩ ሊቃውንቲ ውን ናይ ስነ-ፍጥረት ነገር ኣስፊሖምን ኣብሪሆምን ኣለዉ። ‚‘‘ዘበቱ ኩሉ ኮነ ወዘእንበለሁሰ እልቦ ዘኮነ ወኢምንትኒ‘‘። ዮሓ,7፡3. ፍላስፋታት ውን እንተኾኑ ጎይታ ከይገለጸሎም ዝኾነ ምግባር ኣይከኣሎምን እዩ። ‚‘‘ወዘእን በሌየስ ኣልቦ ዘትኸሉ ገበረ ወኢምንትኒ‘‘ በዘይ ብኣይስ ሓንቲ ነገር እካ ክትገብሩ ኣይትኸኡሉን ኢኹም። ዮሓ,15፡5. 2.፠ዕላማ ስነ-ፍጥረት፣-/ኣርባዕተ ዕላማታት/ ፨ሰብን መላእኽትን ስሙ ንምምስጋንን ኩቡሩ ንምውራስን ተፈጥሩ። ካልእ ዝተፈጥሩ ፍጥረታት ግን ንመደነቅታን ንመዘከርታን ንምግብን ስጋን ንምግብ ነፍስን ፈጠሮ። ኢሳ,43፡7-8. ከምኡ ውን ህላዊኡ ንኽንርዳእ ዝተፈላለዩ ፍጥረታት ፈጠረ። ግብ,14፡17. ኢዩ,12፡7-10. ንትምህርቲ ውን ነቶም ካልኦት ፍጥረታት ፈጠሮም። 3.፠3ተ መንገዲ ኣፈጣጥራ ስነ-ፍጥረት፣- [1], ብሓልዮ [ብምሕሳብ] ብሓሳብ] እቲ ሰማይን፡ ምድርን፡ መላእኽቲ፡ ኣርባዕተ ባህርያት [መሬት፡ ማይ፡ ንፋስ፡ ሓዊን]። [2], ብነቢብ [ብምዝራብ] ብርሃን። [3], ብገቢር [ብምስራሕ፡ ብተግባር]፣- ኣቦና ኣዳም= እቲ ዝኸበረ ስነ-ፍጥረት ዩ። = እግዚኣቢሄር ካብ ሰንበት   እሁድ ክሳብ ዓርቢ ዝፈጠሮም ፍጥረታት ሓደ ብሓደ እንተ ዝቑጸር ፍጡር ቆጺሩ ኣይም...

እንታይ ማለት እዩ ማየ ጾሎት፧

44. ማየ ጾሎት 1.፠ማየ ጾሎት፣- ብልምዲ ኣጸዋውዓ ማይ ጮሎት ይበሃል። እቲ መጸውዒ ስሙ ግና ማየ ጾሎት ይበሃል ወይ ከኣ ናይ ጾሎት ማይ ማለት እዩ። ፨ንእማን ሓለቓ ሰራዊት [ 2ይ ነገ,5፡1-17 ]እቲ ዕዉር መንእሰይ[ ዮሓ,9፡5-13 ] ኣብ ቤት ሳይዳ ዝነበሩ ሕሙማት ውን ብምንዋጽ ናይ`ቲ ዝተባረኸ ማይ ካብ ዝነበሮም ሕማም ይሓውዩ ነበሩ። ዮሓ,5፡1-4 . ስለ`ዚ ብእምነት ንዝፍጽሞ ካብ ኩሉ ሕማም ይፍውስ። ዘፍ,1፡2. ያዕ,5፡14-15.                            መደምደምታ ።ኣብ ማየ ጾሎት ብዙሕ ተኣምራት ብዙሓት ሕሙማትን ከም ዝፍወሱ ብዓይንና ስለ እንርእዮ መረዳእታ ኣየድልየናን እዩ። ከም ኣብነት ግዳም ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ካልኦትን ኣለዉ,,,,,,,,።

ጸበል ዝህቦ ምሕረት እንታይ እዩ

43. ጸበል ዝህቦ ምሕረት 1.፠ጸበል፣- ማለት ሓመድ   ወይ መሬት ማለት እዩ። እግዚኣቢሄር ኣብ ሓመድ   ሓዲሩ ከም ዝምሕር ካብ ዴዌ ስጋን ዴዌ ነፍስን የድሕን። [1], ንእማን ሓለቃ ሰራዊት ሶርያ ካብ እስራኤል ክልተ ጽዕነት ኣድጊ ሓመድ ወሲዱ ካብ ዝነበሮ ናይ ሕማም ቆርበት ከም ዝሓወየ። 2ይ ነገ,5፡17። [2], ጎይታናን መድሃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ ብዕውሩ ዝተወልደ ከሕውዮ ከሎ ናብ መሬት ጡፍ በለ በቲ ጥፍጣፍ ከኣ ጸብሪ ገበረ እሞ ኣዕይንት ገበረሉ። ዮሓ,9፡13.                       መደምደምታ > ጸበል ዝገብሮ ተኣምራት ብዓይንና እንርእዮ እዩ ከብድና ኣብ ዝተቀረጽናሉ ኣብ ዝሓመምናሉ ግዜ ኣዴታትና ጸበል ኣስትየን የሕውያና እዚ ማለት ኣዴታትና ብእምነት ጸበል የስትያና ኣምላኽ ከኣ ምሕረቱ የውርደልና። ኣብዚ ዘለናዮ ግዜ ግና ካብ ጸበል ሪሕቃ እምነት ኣጉዲልና ብካኒና መድሃኒት እንዳ ወሰድና ንነብር ኣለና እዚ ከኣ እቲ ቀዳማይ መድሃኒት ጸበል ምካኑ ይምህረና እዩ።

እንታይ ማለት እዩ ምጽዋት

Bild
Bjo/XoJB26KHMOI/AAAAAAAAAFo/_PntQX76RkcPNfvsYlIuKJ98RNFqPv8nACEwYBhgLKs0DAMBZVoC_vvMZBQUjTUzavU5iAHB6UfAeyph4-7N1tFRA29mSPWSfuZEmEKX9rfRgQBv9L5sQ7IK8Apldxd3VQoWuxDzeK5UxVVfNe5JJsR3rE9zdxKMXVh9yOidPFaFtutgd8S5buUr8WExxQbZ0QCf_szvO8R51litGeKxF-0Txkyhw-tBUXkffdOwyZ9l0SfmyHIlVNPWs40J3hrFEskgFRPtkFoat1SSfA8IFEfqLoldatUbOWZqhwSvfm8KUU2fmjig3uBzhC_X5aOW2ZxZmzHZqlRaL0Qw7USYJuuwFuEvaCdsbuMtF3Y9rhPODugws36LezNIwWdvaAIhcbLgFWUgJukHqmKPmeBDao2bwrx8wxpEXvhJQmr2eW4vcTRBU6Fjh79Tgd75ebHAOFtLd0H4fYbuRoNCeRrHuAqDFUIL9mPKSosft8-e6MaOaoUC-HKzNE6BdUyCV613-em5RZlYmZP0z8UaMFc-ZM2UrUOxyDL1Na58zgiKwHdoqzP70vE-qQIQFUvOrvbD6CHSDjFOjZ420A9GKJsl1pZ0pnL3K9CWkXN3YxnXcBYx0xQ3iQvMxlt42EUBHJFy-iABCtNRdkOEy5Q4ZQ5cwkomJ9AU/s1600/91105164_1056096834761488_2052250998843375616_n.jpg" imageanchor="1" style="margin-left: 1em; margin-right: 1em;">                       42. ምጽዋት   1.፠ምጽዋት፣- ሰብ ካብ ድኻሙ፡ካብ ስርሑ፡ካብ ንግ...

ጾሎት ዝህቦ ሂወት

41. ጾሎት ዝህቦ ሂወት 1.፠ጾሎት፣- ጸለየ ካብ ዝብል ግእዛዊ ቃንቃ ዝወጸ ኮይኑ ትርጉሙ ድማ ተማህለለ፣ለመነ፣ማለት እዩ። ጾሎት ማለት ምስ እግዚኣቢሄር ዘራኽብ ድልድል ወይ መሳልል እዩ ከምኡ ውን ምስ እግዚኣቢሄር ንዘራረበሉ መንግዲ እዩ። 2.፠ጠቅሚ ጾሎት፣- [1], ምስ እግዚኣቢሄር የራኽበና። 1ይ ነገ,8፡1. 1ይ ነገ,9፡3. [2], ካብ ፈተና የድሕነና። ማቴ,26፡41. ኢሳ,37፡1. 1ይ ተሰ,5፡17. [3], መንፈሳዊ ሓይሊ የውህብ። ያዕ,5፡16. 1ይ ሳሙ,16፡17. [4], ናብ ሓጥያት ከይንኣቱ ይከላኸለልና። 1ይ ሳሙ,12፡13. ሮሜ,6፡23. [5], ትሕትና ይምህረና። ሉቃ,18፡14. [6], ዝለመንናዮ ይወሃበና ድልየትና ኩሉ ዘበለ። ፊሊ,4፡6. ማቴ,7፡7. 3.፠ክፍልታት ጾሎት፣- ጾሎት ናይ ነፍሲ ብርሃን እያ። ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቂ [1], ናይ ኣምልኾ ጾሎት። ዘፍ,4፡26. ግብ,3፡22. ኢሰ,6፡4. [2], ናይ ልመና ጾሎት። መዝ,145፡15. 1ይ ሳሙ,1፡10. [3], ናይ ምምላድ ጾሎት። መዝ,91፡12. ኢዮ,42፡9. ያዕ,5፡16. ሉቃ,10፡2. 4.፠ዓይነታት ጾሎት፣- [1], ናይ ግሊ ጾሎት። ማቴ,6. ግብ,10፡9. ዳኒ,9፡20. [2], ናይ ማሕበር/ሕብረት ጾሎት። ማቴ,18፡20. ግብ,1፡10 . [3], ናይ ቤት ክርስትያን ጾሎት። s 5.፠ከመይ ኢልና ክንጽሊ ይግባእ፣- ፨ገጽና ብትምእርተ መስቀል ኣማዕትብና ክንጅምር ይግበኣና። ፨ብስግደት ዝተማእኸለ ክኸውን ኣለዎ። ጸሎት ብዝተፈላለዩ መልክዓት ክቀርብ ይከኣል እዩ። ንኣብነት ሕቆኻ ተዓጢቅካ ኤፊ,6፡14. ናብ ምብራቅ ገጽካ እናጠመትካ ውዕለት ጎይታ እንዳኣስተንተንካ፣ ኢድካ ኣልዒልካ፣ ዓይንኻ ን...

በዓል/ኣብ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ

                        39. በዓል /ኣብ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ 1፠በዓል፣- ማለት ንኽብሪ እግዚኣቢሄር ዝበዓል መዓልቲ ማለት እዩ።‘‘ነዛ መዓልቲ ዘክርዋ፣ ንኽብረይ ንኽብሪ እግዚኣቢሄር፣ኣብዕልዋ፣ ንውሉድ ወለዶ ኣኽብርዋ ‚‘‘። ዘጸ,12፡14. ‚‘‘በቲ ኣረጊት መባኹዕቲ ወይ መባኹዕቲ እከይን ሕስምን ዘይኮነ፣ ብዘይቦኽዐ እንጌራ፣ ማለት ብቕንዕናን ብሓቅን በዓልና ነኽብር‘‘። 1ይ ቆሮ,5፡8. መዝ,22፡29. ዳኒ,7፡25. ግብ,18፡21. ግብ,20፡16. 2.፠ጠቅሚ በዓል፣- [ሀ], ንእግዚኣቢሄር ንምምስጋን፣-‚‘‘,,,,,,,,,,እዛ ለይቲ እዚኣ እስራኤላውያን ነቂሖም ብጸሎት ዝሓዱሩላ ንውሉድ ወለዶ ንእግዚኣቢሄር ዝተቐደሰት ለይቲ እያ‘‘። ዘጸ,12፡42. [ለ], ግብሪ እግዚኣቢሄር ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ንምስግጋር፣-‚‘‘ደቅኹም እዚ ስርዓት እዚ እንታይ እዩ፣ ኢሎም እንተሓተትኹም፣ እግዚኣቢሄር ንግብጻውያን ክቐትል ኮሎ፣ንኣባይቲ ደቂ እስራኤል ስለ ዝሓለፈ፣ንኽብሪ እግዚኣቢሄር ዝውፈ መስዋእቲ ፋሲካ እዩ በልዎም‘‘። ዘጸ,12፡24-27. ፨ሕቶ፣- ብብልዕን መስተን፣ብምብዓል በዓላትን፣ሰርቀ ወርሕን፣ ሰና ብትን ዝመጸ፣ ሓደ እካ ኣይፍረድኩም‘‘። ቆላ,2፡16-17. ፨መልሲ፣- እዚ ማለት ከምቲ ናይ ቡሉይ ኪዳን ስርዓት ኣበዓዕላ ዘይኮነስ፣ከም ናይ ሓዱሽ ኪዳን ኣበዓዕላ ነብዕል ማለት እዩ። ‚‘‘ብቕንዕናን ብሓቅን በዓልና ነብዕል‘‘። 1ይ ቆሮ,5፡8. ግብ,18፡21. ግብ,20፡16. ዘጸ,12፡14. 3.፠ናይ ቡሉይ ኪዳን በዓላት፣- እስራኤላውያን...

ጾም ኣብ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤት ክርስትያን

40. ጾም ኣብ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤት ክርስትያን 1.፠ጾም፣- ካብ ጸመወ ዝብል ግእዛዊ ዝወጸ ቃል ኮይኑ እዚ ማለት ድማ ፍቃድ ስጋኻ ንፍቃድ ነብስኻ ምግዛእ ማለት እዩ። እዚ ማለት ድማ ንዝተወሰነ ግዜ ካብ መብልዕን መስተን ምኽልካል፣ ከምኡ ውን ካብ ጥዑም መብለዕን ዊኒታ ስጋኻ ምግታእ ማለት እዩ።‘‘እተን 3ተ ሰሙን ክሳዕ ዝውድኣ ጥዑም መግቢ ኣይበላዕኩን ስጋን ወይንን ኣይእተኹን። ዳኒ,10፡13. ‚‘‘ንጽድቂ ዝደልዩ ክጠምዩ እዮም እሞ ብጹኣን እዮም‘‘። ማቴ,5፡6። ማቴ,4፡14. ማቴ,17፡27. ዮና,5፡6. ኣስቴ,4፡16. ግብ,13፡3. ኢዩኤል,2፡15. 2.፠ዓይነት ጾም፣- [1], ናይ ኣዋጅ ጾም [2], ናይ ብሕቲ[ናይ ውልቂ] ጾም፣ ብኣፍልጦ ኣበነብስኻ ዝጽወም። ፨ብትእዛዝ ቤት ክርስትያን ኣብ ዓመት ዝጽወሙ 7ተ ኣጽዋማት ኣለዉ። ንሳቶ ከኣ [1], ጾመ ነብያት[ስብከት]፣- ቅዱሳን ነብያት ናይ ጎይታናን መድሃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምምጻእን ምውላድን ዝጸምዎ ጾም ኮይኑ ቅድሚ በዓል ልደት ካብ 15ተ ሕዳር ክሳዕ 28ን ታሕሳስ ይጽወም። [2], ጾመ ድሕነት[ረቡዕን ዓርብን]፣-‚‘‘ኣይሁድ ንጎይታ ንኽሰቅልዎ ምኽሮም ዘስመርሉ እዩ። ዓርቢ ኸኣ ጎይታና ዝተሰቀለሉ መዓልቲ   እዩ፣ ብጀካ ኣብ በዓል 50 ካብ ትንሳኤ ንኔው ዘለዋ 50 መዓልቲ ኩሉ መዓልቲ ይጽወማ እየን። [3], ጾመ ጋህድ፣- ትርጉሙ ምግላጽ ማለት እዩ። ድሮ ጥምቀት ምስጢረ ስላሴ ስለ ዝተገልጸሉ በዚ ዕለት እዚ ንጸውም ድሮ ልደት ከኣ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሰብ ኮይኑ ስለ ዝተጋህደ እዩ ኩሉ ግዜ 28ን ታሕሳስ ኣብ ዘመነ ዮውሓንስ ከኣ ይውዕል። [4], ጾመ ነኔዌ፣- ሰብ ነኔዌ ብስብከት ነቢ ዮናስ ጸይሞም ካብ መዓት ዝደሓንሉ ጾም ስለ ዝኾነ...

ስለምንታይ ኦርቶዶክስ ኣብ ስእሊ ይሰግዱ፧

Bild
38. ምስልን ስእልን ምስሊ ወይ ስእሊ ናይ ሓደ ሰብ ወይ ነገር ከፊል መንነቱ ዝገልጽ እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ክልተ ዓይነት ምስልን ስእልን ኣሎ። ንሱ ከኣ እግዚኣቢሄር ክንጥቀመሉ ዘይፈቐደልናን ክንጥቀመሉን ዝፈቐደልናን። 1.፠ክንጥቀመሉ ዘይፈቐደልና፣-‚‘‘ብጀካይ ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይሃሉውኻ። ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ኣብ ታሕቲ ድማ ኣብ ምድሪ፣ ኣብ ማይ ከኣ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ካብ ዘለው፣ ምስልን ስእልን ዘበለ ንዓኻ ኣይትግበር። ኣይትስገደሎምን ኣይተገልግሎምን ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ቀናእ ኣምላኽ እየ ሞ‘‘። ዘጸ,20፡3-5. ዘጸ,23፡23-24. ሶፎ,1፡5. ኢሳ,44፡9-20. መዝ,135፡15-18. ዘጸ,32፡1-10. ዘሁ,25፡1-9. 2.፠ክንጥቀመሉ ዝፈቀደልና፣-‚‘‘ወርቂ ቀጥቂጥካ ክልተ ኪሩቤል ስራሕ,,,,,,ገጽ እቶም ኪሩቤል ከኣ ናብ`ቲ መኽደን ኣቢሉ ይጠምት። ነቲ መኽደን ከኣ ኣብ ልዕሊ ታቦት ግበሮ። ነቲ ኣነ ዝህበካ ጽላት ከኣ ኣብቲ ታቦት ኣንብሮ። ኣብኡ ድማ ንዓኻ ክግለጸልካ እየ፣ ኣብቲ መኽደን ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ልዕሊ ታቦት ጽላት ዘለው ክልተ ኪሩቤል፣እቲ ንደቂ እስራኤል ዝኸውን ትእዛዝ ኩሉ ክህበካ እየ‘‘። ዘጸ,25፡18-22. ዘሁ,7፡89. 1ይ ነገ,6፡23-35. ገላ,3፡1. ፠ኪሩቤል፣- ማለት መላእኽቲ ማለት እዩ። ዘፍ,3፡24. ዘሁ,7፡89. 1ይ ነገ,6፡23-35. ፨ሕቶ፣- ንስላሴ መን ሪኢዎም እዩ፣ ክሰኣሉ ዝኸኣሉ,,፣‘‘በታ እግዚኣቢሄር ኣብ ኮሬብ ኣብ ማእኸል ሓዊ ዝተዛረበኩም መዓልቲ ገለ መልክዕ`ካ ኣይረኣኹምን`ሞ ,,,,,ብመልክዕ ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ምስሊ ጣኦት ብምግባርኩም ከይትባላሸዉ ተጠንቀቁ።‘‘ዘዳ,4፡15-16. 1ይ ጢሞ,6፡16. ፨መልሲ፣-‚‘‘ኣብርሃም,,,,,,,,እግዚኣቢሄር ኣብተን ዓበይቲ...